ድለ

ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ‘ተነቃፍን ፈተናን' እዋን ቀጻሊ ህላወ ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ‘ተነቃፍን ፈተናን' እዋን ቀጻሊ ህላወ  (@Vatican Media)

ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ‘ተነቃፍን ፈተናን' እዋን ቀጻሊ ህላወ

ካብ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ናይ ማሕበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ኣብቲ ግጭትን ዓመጽን ምግምማዕን ዘይምርግጋእን ዝመልኦ ኸባቢታት ዓለም ውፉይ ህይወት ምስክር ህላወ ምዃኑ የጕልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ናይ ማሕበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ነቶም “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋላት ዓለም፡ ኣብ ዝነብሩሉን ተልእኾኦም ኣብ እትፍጽሙሉን ቦታታት” ናብ ኩሎም ውፉያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ብናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እናቴ ሲሞና ብራምቢላን ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ኣንገል ኣርቲመን ጠቕላሊት ዋና ጽሓፊት እናቴ ቲዝያና መርለቲ ዝተኸተመ መልእኽቲ፡ ንመልእኽቲ ወንጌልን ንውፉይ ህይወትን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝለገስዎ ህያብ ህይወትን ዘለዎም ተኣማንነትን ብምምስጋን፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብፈተናታት ዝተለለየ፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ከም ምልክት ተስፋ ዝንበር ህይወት” ምዃኑ የጒልሕ።

ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ህልው ኮይኑ ዝቕጽል ተወፋይነት

ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ናይ ማሕበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዛዕባ ዝሓለፈ ዓመት እንከስተንትን፡ “ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወትን ናይ ብዙሓት ዝተሓላለኸ ኩነታት ክካፈሉ ዝተጸውዑ ዝነብርዎ ሕይወት ንምርኻብን ናይ ምጕዓዝን ውህበት ኣስተብሂሉ፡ እዞም ውፉያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም እዚኣቶም፡ ኣብ ግጭት ድኽነት ግዱድ ስደት ውሁዳን ሃይማኖታትን ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋእ ከምኡውን ካልእ ረቛሒታት ኣብ ዝመልኦ ቦታታት ዝነብሩ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ እዚ ብድሆታት እዚ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት "ኣብ ጐድኒ እቶም ዝቘሰሉ ህዝብታትን ውልቀ - ሰባትን ኣብቲ ወንጌል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተኣፋፍነትን ፈተናን ዝነብረሉ ቦታታት" ክሳዕ ክንደይ ዝተወፍዩ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

እዚ ህላወ ዝነብሮ ህይወት ኣብቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈላለ ኵነታትን ሕብረተሰብን እዩ ዝምርኰስ። ኣብዚ ድማ "ፖለቲካውን ማሕበራውን ኵነታት ንምትእምማን ዝፈታተን ተስፋ ዘጥፍእን" ቦታ ኣብ ዘለሉ፡ እቲ ቕዱስ ህዝቢ "እሙን ትሑት መሃዚ ከምኡውን ኣስተውዓሊ ህላወ ኣምላኽ ንህዝቡ ኸም ዘይሓድጎም ዚሕብር ምልክት ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡኢ።

ምስ ፍቕሪ ክትጸንሕ

“ወንጌላዊ ‘ህላዌ’ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃን ማለት ኣይኮነን፣ ኣተሓሳስባን ምልክትን ሰላምን ዘመንጩ ንጡፍ ተስፋ እዩ።” እዚ ድማ ኣብ ማእከል ግጭት ኣጽዋር ዝፈተሐ ቃል፡ ንዘተ ዝድርኽ ዝምድናታት፡ “ንኣሽቱ” ንምሕላው ዝተወፈየ ምርጫታት ወዘተ መልክዕ ክሕዝ ይኽእ እዩ። እዚ ናይ ምጽናሕ ምርጫ ውልቃዊ ወይ ናይ ሓባር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለምን ዝቕይር ትንቢታዊ ቃል እዩ።

ሓዋርያዊ ሕይወት “ናይ ዝቖሰለ ክብሪ ዝድግፍ ንጡፍ ቅርበት፤ ሰቂለ ህሊናዊ ህይወት፣ ብኣማላድነትን ተኣማንነትን፣ እምነት ምስ ዝፍተን ተስፋ፤ ዓለማውያን ትካላት ኣብ ማሕበራውን ጸዋዕታውን ክውንነት ወንጌል ይምስክሩ፤ ናይ ንጽሕና ማሕላ ንመጻኢ ዝኽፈት ናይ ነጻነትን ተኣማንነትን ሓይሊ ይገልጽ፤ ባሕታዊ ሕይወት ንቐዳምነት ኣምላኽን ነቲ ንልቢ ዕጥቁ ዘፍትሕ ኣገዳሲ ነገርን የቃልሕ። እዚ ዝተፈላለየ መልክዕ ህይወት ሓደ መዳይ ወይ ከምቲ ኣብቲ መልእኽቲ እተገልጸ፡ "ብፍቕሪ ምንባር ከይሓደግካ ብጽሞና ንህይወትካ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ታሪኽ ቃል ምግባር" ማለት እዩ።

ኣብዚ ትንቢት እዚ ምስክርነት ሰላም እናዓበየ ይኸይድ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብተደጋጋሚ ዝገለጽዎ ሰላም ረቂቕ ሓሳብ ዘይኰነስ ምስማዕ ትዕግስቲ ዘተ፡ ልብን ኣእምሮን ምቕያር ከምኡውን ኣተሓሳስባ ሓያላት ኣብ ልዕሊ ድኹማት ዝዕብልል ኣተሓሳስባ ምንጻግ ዝሓትት "ኣድካምን መዓልታዊ ጕዕዞን" ምዃኑ እቲ መልእኽቲ ኣብሪሁ፡ "ሰላም ካብ ምጽራር ዘይኰነስ ካብ ምርኻብን ካብ ሓባራዊ ሓላፍነትን እዩ ዚውለድ። ሓደ ሰብ ብፍቕሪ ምስ ዝሰምዕ ዘተን ሰላምን ከምዕብል ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እተወፈየ ህይወት ናብ ግጭት ከይተቐየረ ምስቶም እተሸገሩ ሰባት ክቀራረብ ምስ ዚመርጽ "ገባሬ ሰላም" ክኸውን ዚኽእል” ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ 2025 ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወትን እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ተልእኾ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ህይወትን ኣብ ተወፋይነት ክጸንዑ ብምምሕጻን፡ ኩሎም እዞም ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ መገዲ ሰላም ናይ ተስፋ ነጋዲያን ክኾኑ ከም እተጸውዑ ኣተሓሳሲቡ፡ ንዅሎም እተወፈዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን "ክብረት ኣብ ዝቘሰለሉን እምነት ኣብ ዝፍተነሉን መዓልቲ መዓልቲ ወንጌላዊ ኣገባብ ህይወት ከንጸባርቑ" እተጸውዑ እያቶም እንክብል ብምዝኽካር ኣብ መደምደምታ እቲ መልእኽቲ ንዅሎም ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ተልእኾኦም "ትንቢታዊ ህላወን ዘርኢ ሰላምን" ኪዀኑ ንጐይታ የማዕቝብ።

30 Jan 2026, 15:54