2026.01.27 Il convegno su santa Rosa da Lima alla Gregoriana 2026.01.27 Il convegno su santa Rosa da Lima alla Gregoriana 

ካርዲናል ታግለ፦ ቅድስቲ ሮዝ ዘሊማ ሓድሽ ተልእኾ ወንጌላዊ ምንቅስቓስ ተተባብዕ

ብዕለት 31 ጥሪ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ናይ ፐሩቪያዊት ቅድስቲ ሮዝ ሓውልቲ ቅድሚ ምትካሉ፣ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን ብዛዕባ ህይወት እዛ ቅድስቲ ዝገልጽ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን እተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ህይወት ፐሩቪያዊት ቅድስቲ ሮዝ ዘሊማ (1586-1617) ዘተኾረ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኣኼባ ብኤምባሲ ሃገረ ፔሩ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብሓገዝ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፔሩ (PUCP) ዝተወደበ ኢዩ ዝንበረ።

ንመንእሰያት ዜተባብዕ ተልእኾ

ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግል ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሥነ-ስርዓት መኽፈቲ ናይቲ መደብ፣ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ እታ ጠበቓ ሃገረ ፔሩን ሓንቲ ኻብቶም ጠበቓታት ሃገረ ፊሊፒንስ ዝዀነት ቅድስቲ ሮዝ ዘተኮረ ከም ምዃኑ እውን ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ብዛዕባ ቅድስናኣ ዝገልጽ ወረ ውቅያኖሳትን ወለዶታትን ሰጊሩ ኣብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እውን ከይተረፈ ንሰባት "ኣርኣያ"ን "መንፈሳዊ መዕቈብን" ኰነ። ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዝገለጽዎ፣ ሓደ ኻብቲ ሽዱሽተ ገጻት ካቴድራል ማኒላ ንዓኣ እተወፈየ እዩ በሉ። ብተወሳኺውን መንፈሳውነታ ብስጳይናውያን ዶመኒካውያን ሚስዮናውያን ኣቢሉ ናብ ፊሊፒንስ ከም እተዘርግሐ፣ ነዛ ቅድስቲ ኣብ እተወፈየ ሰበኻ ኣብ ዘገልገሉሉ እዋን ዘጋጠሞም ብሕታዊ ተዘክሮታቶምን ኣካፈሉ።

ቅድስቲ ሮዝ በዓልቲ ሊማ
ቅድስቲ ሮዝ በዓልቲ ሊማ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክለመንት ዓስራይ ብ1671 ቅድስናኣ ካብ ዝእውጁ ኣትሒዞም፣ ካርዲናል ታግለ ከም ዝገለጽዎ፣ ቅድስቲ ሮዝ "ናይ ወትሩ ሚስዮናዊት" ምዃና ኣጕልሑ። ብፍላይ ነቲ ወግዓዊ ትምህርትታት ዘይኰነስ ብኣብነታት ዚምራሕ ሎሚ ዘሎ ወለዶ እውን ከይተረፈ፣ ኸም መተባብት ዀይና ተገልግል ኣላ። ካርዲናል ታግለ ኣስዒቦም እዚ ሥነ ትምህርታዊ ፍጻመ እዚ ዘርኢ ሓድሽ "ተልእኾ ወንጌላዊ ምንቅስቓስ" ክኸውን ተስፋ ከም ዝገብሩ እውን ኣመልከቱ።

"ኣብ መንጎ ኣእሾዅ ዘላ ዕምባባ"

ኣደ መንበር ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ክብርቲ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ብወነን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ተሳተፍቲ ኣብ ዘካፈላኦ ቃል ሰላምታ፣ ቅድስቲ ሮዝ በዓልቲ ሊማ ንሓዋሩ ንመንእሰያት ፍቕርን ድንጋጽን ከተለዓዕል እትኽእል ከምኡውን ጽባቐ "ኣብነታን ዝናኣን" ኣብ ግዜን ቦታን ከም ዝዝርጋሕ ገለጻን።

ብዕለት 31 ጥሪ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓወልቲ ናይ ቅድስቲ ሮዝን ሓደ ሞዛይካዊ ስራሕ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ክምርቑ ከም ምዃኖም፣ እዚ ድማ ነቲ ዓይነታዊ ቅድስናኣ ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ ይብላ። እዚ ስርሓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፔሩ ብእተረኽበ ናውቲ እተሰርሐ ዀይኑ፣ እታ ቅድስቲ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ዘመቝጸርያ ኣብ እተስተንትነሉ ዝንበረት እዋን ነቲ ቀቤት ዕምባባታት ዝሃባ ኢየሱስ ዝረኣየሉ እዋን ዘመልክት ኢዩ።

እቲ ሓደ መልህቕን ኣኽሊል መቝጸርያን ዘጠቓለለ ምሳልያዊ ምስሊ እቲ ሓወልቲ፣ ንምድራዊ ጕዕዞ ቅድስቲ ሮዝ ዘጕልሕን ከምኡውን ነቲ ንክርስቶስ ክትስዕብ ዝመረጸ ሰብ ዘርእዮ "ብሩህን ፍሽኽታ ዝመልኦን" ገጽ የቕርብ።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ፔሩ፣ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኤንሪኬ ጋርሲያ ካማደር ብምኽንያት እቲ ጳጳሳት ሃገረ ፔሩ ናብ ሮማ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብኣካል ክካፈሉ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንዳኡስ ቅድስቲ ሮዝ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያንን ከም ጠበቓ ላቲን ኣመሪካ መጠን ዘለዋ ግደ ዘጕልሕ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። ከም ቅድስቲ ሮዝ "ንሓቂ ምድላይ" ወትሩ ምስ "ልግስን ኣገልግሎትን" ክጽንበር ተስፋ ኸም ዝገብሩ እውን ገለጹ።

ክቡር ኣባ ማርክ ኣንድሪው ሉዊስ ሓለቓ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጐሪያን ንምስሊ ቅድስቲ ሮዝ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ እውን ምትሕሓዝ ከም ዝለዎ ኣመለከቱ። ኣብ 2017 ኣብ ራብዓይ ሚእቲ ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ፣ ንፍጥረት ዘለዋ ፍቕሪ እውን ዘኪሮም ካብ መሃልየ መሃልይ ሓደ ጥቕሲ ብምውሳድ "ኣብ መንጎ እሾዅ ዘላ ዕእምባባ" ክብሉ ጸወዕዋ።

ሓወልቲ ቅድስቲ ሮዝ በዓልቲ ሊማ
ሓወልቲ ቅድስቲ ሮዝ በዓልቲ ሊማ

ብተወሳኺውን እቶም ሓለቓ ኣብ መግለጺኦም፣ ቅድስቲ ሮዝ ክሳዕ ሕጂ በቶም ሰብ ዕምባባታትን ሰብ ግራውትን ከም እትዝከር ገለጹ - እዚ ጸዋዕታ እዚ ንመብዛሕትኡ ኣብ ህይወታ ዘሕለፈቶን ከምኡ ውን ሎሚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተልእኾኣ እዩ።

ጸጋ ኣብ መዓልታዊ ተጸምዶ

ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሊማን ፕሪሚት ፔሩ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎስ ካስቲሎ ማታሶግሊዮ ብወገኖም፣ ኣብ "መንፈሳዊ ስነ-መለኮት" ቅድስቲ ሮዝ ብምትኳር፣ ኣብ ምሉእ ህይወታ ብዛዕባ ውሽጣዊ መንነታን ኩነታን ኸም ዘተኰረት ገለጹ። ነታ ብተደጋጋሚ ንኢየሱስ እትነግሮ ዝነበረት "ፍቑር መጻምድተይ ከገልግል ሓግዘኒ" እትብል ሓረግ እውን ጠቐሱ።

ኣብ መደምደምታ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፣ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ፔሩ ኣብ ቅድስቲ መንበር ጆርጅ ፖንሴ ሳን ሮማን ነቶም ኣባቲ ኣኼባ ንስታፍ ኣባኡ እተረኽቡ ሰባትን ትካላትን ኣመስጊኑ። ኣብ ቤተ መዛግብት ፊልም ቫቲካን እውን ብፔሩቪያዊ ሉዊስ ኤንሪኬ ካም ዝተሰናደወ " Una Rosa per il Mondo" ("ሓንቲ ጽጌረዳ ንዓለም") ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም እውን ከም ዘላ ኣመልኪቱ።

እዛ ፊልም እዚኣ ኣብነት ናይዛ ሎሚ ኣዝያ ኣገዳሲትን ጽልዋ ዘለዋን ቅድስቲ እያ እትመሓላልፍ። እቲ ኣምባሳደር ከም ዝገለጾ ኣብቲ "ቅድሚ ኢንተርነት" ምምሃዙ ዝንበረ እዋን፣ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ሊማ ኢዩ ሥርዓተ ቀብራ ተሳቲፉ ክብል መስከረ።

30 Jan 2026, 09:53