2025.12.22 Visita del cardinale Tagle al Vicariato dell'Arabia del Sud (Credits: Apostolic Vicariate of Southern Arabia / AVOSA)

ካርዲናል ታግለ ኣብ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ

ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ኣብ ዝኽሪ ምምስራት ሰበኻ ሆንግ ኮንግ መበል 80 ዓመት ብምስታፍ፣ ንልዕሊ 400,000 ዝኾኑ ካቶሊካውያን ምእምእመና፣ "ኣብ ምሕበረ ሰቦም ተስፋ ከስርጹን" ከምኡውን "ተባዓት መሰኻኽር ጐይታ" ክዀኑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መበል 80 ዓመት ምምስራት ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ንምዝካር ካብ መላእ እቲ ሰበኻ ምስ ዝመጹ ምእመናን ብጸሎትን መዛሙራትን ሙዚቃን ኣብ እተኻየደ ጽንብል ተሳቲፎም።

ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግል፣ ብዕለት 18 ጥሪ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝርከብ ቻርተር ጋርደን ኣብ እተገብረ ሥርዓተ ጽንብል "ቅዱስ ገጽ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ሆንግ ኮንግ ይበርህ ኣሎ" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓጋዊ መበቈልን ባህርይን ክርስትያናዊ ትውፊት ቡራኬ ገሊጾም። ደድሕሪ እቲ መግለጺ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእመናን ንመላእ እታ ከተማን ምስ ኢየሱሳዊ ብፁዕ ካርዲናል ስቲቨን ቾው ሳውያን ጳጳስ ሰበኻ ሆንግ ኮንግን ባረኽዎም።

ምስ ገጽ ኢየሱስ ምርኻብ

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ፊደስ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብፍላይ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘሁልቍ ዝርከብ ቡራኬ ("ጐይታ ገጹ የብርሃልኩም ሰላሙ ውን ይህበኩም") ዝብል ቃል ተበጊሶ ኢዮም ኣስተምህሮ ዘካፈልዎም። "ኣምላኽ ኪህበና ዝደሊ በረኸት" ማለት ገጹ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዘንጸባርቕ ብምግባር ኢዩ በሉ።

"ኣምላኽ ንዓናን ንሆንግ ኮንግን ዝሃበና በረኸት እምበር ቅዱስ ገጹ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ"፣ ካርዲናል ታግል ኣስዒቦም እዚ ገጽ እዚ "ፍጹም መለኮታውን ፍጹም ሰብኣዊን" ገጽ እዩ።

ብተወሳኺውን "ኵሉ ሳዕ ንሕብረተሰብ በረኸት ስለ ዝዀኑ" ገጽ ኢየሱስ ኣብ ገጽ ህጻናት ክትረኽቦ ኸም ዝከኣል እውን ገለጹ። ብፁዕነቶም ወሲኾም "ዝዀነ ይኹን ህጻን ወይ መንእሰይ 'ጸገም' ኣይኰነን" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ስለዚ እቲ ንሆንግ ኮንግ ዝሃቦ ሓቀይና ቡራኬ "እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘበርህ ገጽ ኣምላኽ" እዩ። ካርዲናል ታግል ብተወሳኺ፣ ገጽ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ሆንግ ኮንግ ከም ዝበርህን ሆንግ ኮንግ ወትሩ ኣብ ገጹ ኽትሕጐስን ተስፋ ኸም እትከብርን እውን ኣመልከቱ።

በዚ መንፈስ እዚ ሰባት "ተባዓት መሰኻኽር ጐይታ" ብምዃን "ንሕብረተሰብ ተስፋ ከካፍሉ" ኣተባብዕዎም።

ንኻልኦት ዝኸውን በረኸት

ካርዲናል ታግለ ኣብቲ ዘካፈልዎ መደረ ኣብ ሆንግ ኮንግ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ነዚ "በረኸት" እዚ ከካፍልዎም ኣተባብዕዎም፣ ኵሎም ከኣ "ንኻልኦት በረኸት" ናይ ምዃን ክእለት ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ሃቡ።

ኣብቲ መደባት ካብ እተፈላለየ ዜግነትን ድሕረ ባይታን ዝመጹ ሰባትን ጕጅለታትን፣ ንሆንግ ኮንግ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ማለት ብቋንቋታት ካንቶንይና ፊሊፒኖ ፈረንሳይ ማንዳሪን ኮርያን ከምኡውን ቬትናምን ጸለዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝሕተም ሰሙናዊ  ጋዜጣ ዘ ሳንደይ ኤግዚነር ዝሃቦ ጸብጻብ ብፁዕ ካርዲናል ታግል ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓጺር እዋን፣ ምስ ክልተ ኣሓት ደናግል ማለት ክብርቲ እናቴ  ኮራዞን ደመቲሎን ክብሪቲ እናቴ ቪክቶርያ ቪክቶሪኖን ካብ ማእከል ሓዋርያዊ ጉስነት ፊሊፒናውያን እውን ተራኸቡ።

እተን ኣሓት ደናግል ነቲ እተፈላለያ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንስደተኛታት ንምቕባልን ንምምዕባልን ዝገብርኦ ተበግሶታት ተኻፈላኦም። ብተወሳኺውን ንብፁዕ ካርዲናል ታግለ፣ ነቲ ንሓተትቲ ዑቕባን ስደተይናታትን ምስ ቆንስላዊ ጉዳያት ፊሊፒንስ ብዛዕባ ዝገበራኦ ደገፍ ገለጻሎም።

ሆንግ ኮንግ መንበሪ ዓብዪ ማሕበረሰብ ፊሊፒናውያን እያ። ብዕለት 31 ነሓሰ 2021 እተመሓየሸ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ኣስታት 177,000 ፊሊፒናውያን ክፍሊ እቶም ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝነብሩ ቀወምቲ ዘይኰኑ ተቐማጦ እዮም። ገለ ኻብዞም ካቶሊካውያን ፍሊፒናውያን ኣብ ጽምብል እዚ ዝኽሪ እዚ ተሳቲፎም እዮም።

ካብቶም ኣብ ሆንግ ኮንግ ዚርከቡ ልዕሊ 7.4 ሚልዮን ዝኾኑ ቀወምቲ ተቐማጦ ልዕሊ 400,000 ካቶሊካውያን እዮም።

28 Jan 2026, 15:23