ድለ

2026.01.17 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘጋጠመ 'መወዳእታ ዘይብሉ መዓት' ዘለዎም ዓሚቝ ስክፍታ ይገልጹ 2026.01.17 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘጋጠመ 'መወዳእታ ዘይብሉ መዓት' ዘለዎም ዓሚቝ ስክፍታ ይገልጹ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘጋጠመ 'መወዳእታ ዘይብሉ መዓት' ዘለዎም ዓሚቝ ስክፍታ ይገልጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኢራን ንዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማውያን ሰልፈይናታት ዝተሰምዖም ሓዘን ከም ዝገለጹን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ዘይርጉጽነት ናብ ምርግጋእ፡ ቁጠባዊ ሕውየትን ደሞክራስን ክምዕብል ዘለዎም ተስፋ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንጋዜጠይናታት ዕለት 17 ጥሪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ንኢራን ዘንቀጥቅጥ ዘሎ “መወዳእታ ዘይብሉ መዓት” ዘሕድረሎም ዓቢ ስክፍታ ገሊጾም፡ “ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ ምፍጻም ዘሕዝን እዩ፡ ብዙሕ ሞት ዘስዕብ ስጉምቲ ምውሳን ከመይ ኢሉ ይገብረልካ ቢለ ንገዛእ ርእሰይ እሓትት - እቲ ዝተፈጸመ መዓት ኣዚዩ ዘስክፍል እዩ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቬነዝወላ

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ቬንዙዌላ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ቅድስቲ መንበር ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀጻሊ ተወፋይነት ከምዘለዎ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ምናልባት ምስ ማዱሮን ምስቶም ካልኦት ወከልቲ እቲ ስርዓትን እውን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ካብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ደም ምፍሳስ ዘድሕን ፍታሕ ክንረክብ ፈቲንና ኔርና፡ እዚ ግን ኣይተኻእለን። እዚ ሕጂ ዘሎ “ዓቢ ዘይርጉጽነት” ናብ ምርግጋእ፡ “ደሞክራስን ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ምርግጋእን ክምዕብል ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንጉዳይ ግሪንላንድ ንምፍታሕ ኣድላይነት ብዝሓ - ጎናውነት

ብዛዕባ ግሪንላንድን ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ዝስጉም ዘሎ ወጥርን ዝምልከት ሕቶ ዝቐረበሎም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፡ “እዚ ጉዳይ እዚ ዋጋ ብዙሓ ጎናውነት ምትእስሳር እዩ ዘዘኻኽረና። “ብሓይሊ ዝመጽእ ፍታሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - እቲ ኵነታት እቲ ሎሚ በቢ ቍሩብ ዝዳኸም ዘሎ ብዝሓ ጎናውነትን ምትሕብባርን እዩ ዘዝኻኽረና” እንክብሉ መልሲ ሂቦም፡ ዘይምርድዳእን ክትዕን ምፍታሕን ብሓይሊ ዝብል መትከል "ቅቡል ዘይኮነ ምርጫ እዩ። ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ "ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ናብ ዝካየድ ኲናት ገጻ ተብል እላ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመንእሰያት ምድጋፍ

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢጣልያ ከተማ ላ ስፔዝያ ብኻራ ዝተወግአ መንእሰይ ተማሃራይ ዘሕዝን ሞት ብምዝካር እውን፡ ትምህርቲ ከም ቀዳማይ ምላሽ ዓመጽ እንክብሉ ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣድላዪ ናይ ጸጥታ ስጉምትታት - ንባዕሉ እኹል ኣይኮነን - ነቲ ስርዓተ ትምህርቲ “ንመንእሰያት ንኸስተንትኑ ክሕግዞም፡ ነቲ እወታዊ ነገር ዋጋ ክህቡ፡ ንዝኾነ ሰብኣውነት ዘዳኽም ጉዳይ ኢዶም ከይህቡ ዓዲሞም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጢ።

19 Jan 2026, 14:32