ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘሎ ወጥሪ ንኣህጉራዊ ኩነታ ነጋድድ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ብዕለት 21 ጥሪ ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ እተካየደ "ንመንእሰያት ምስ መጻኢ ንምትእስሳር ዝግበር ኣህጉራዊ ዘተ" ዘርእስቱ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘሎ ወጥሪ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣካፊሎም።
ብፁዕነቶም ኣብ መግለጺኦም "እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ጌና ጥዑይ ኣይኰነን ዘሎ፣ ነቲ ድሮ ኸቢድ ዝዀነ ኣህጉራዊ ዅነታት ግን ዘጋድድ ሃዋህው ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንወጥርታት ምውጋድን፣ ነቲ ኣከራኻሪ ነጥብታት ምዝታይን ደኣ እምበር፣ ኣብ ክርክር ምእታው ነቲ ዘሎ ቅልውላዋት ከየጐሃሃር ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
እቲ ኣብ ኣደራሽ ኣንቶንያኑም ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ ኦብዘርቫቶሪዮ ናይ ነጻ ኣተሓሳስባ እዩ ዝነበረ።
ኣብ ቃዛ ንዝርከብ ቦርድ ሰላም ዝቐረበ ጻውዒት
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሎን ናብ ቦርድ ሰላም ቃዛ ምልስ ብምባል ድማ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሓያሎ ሃገራት ብኸመይ ክሳተፋ ይዕድም ከም ዘሎ ገለጹ።
"ሎሚ ንግሆ ኣብ ጋዜጣ ሓደ ሓበሬታ ኣንቢበ ኣለኹ፣ ኢጣልያ እውን ክትሳተፍ ወይ ከይትሳተፍ ትዘራረብ ከም ዘላ ኣንቢበ ኣለኹ፣ ንሕና እውን ናብ ቦርድ ሰላም ቃዛ ጻውዒት ተቐቢልና ኣሎና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ጻውዒት ተቐቢሎምዎ ኣለዉ፣ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ድማ ንሓስብ ኢና ዘለና።"
ኣስዒቦም ድማ "እዚ ጕዳይ እዚ ብግቡእ ንምግምጋምን መልሲ ንምሃብን እተወሰነ ግዜ ዝሓትት ጕዳይ እዩ" በሉ።
ብፁዕ ነቶም ወሲኾም ብዛዕባ ቦርድ ሰላም ቃዛ እንክሓስቡ፣ ቅድስቲ መንበር ብቝጠባዊ መዳይ ከም ዘይትሳተፍ ብምግላጽ "ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።
ይኹን እምበር ሃገረ ቫቲካን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣብ እተፈልየ ዅነታት ከም ዘላ ስለ ዝገለጸት፣ እቲ ትንተና እተፈልየ ክኸውን ምዃኑ ሓበሩ። ኣስዒቦም ድማ "እቲ ሕቶ ቍጠባዊ ተሳትፎ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን" በሉ።
ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባር
ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣ ንኣውሮጳ ከም ዘፍቅራ ግን ከኣ ነቲ እትወስዶ ዘላ ኣንፈት ከም ዘይቅበሎ ብምግላጹ፣ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር "እዚ ናብቱ ኣረኣእያ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባር እዩ። እዚ ካብ ውልቃዊ ስምዒታት ሓሊፉ ሕጋዊ ዝዀነ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ፣ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ እቲ ኣገዳሲ ግን ንሕግታት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምኽባር ኢዩ" በሉ።
ናጻ ሓበሬታትን እሙንነት ጋዜጠይናነትን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሎን ብዛዕባ ናጻ ሓበሬት ምስ ተሓቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ "ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተኣማንነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" በሉ።
ይኹን እምበር "ሓላፍነት ዝስምዖ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሓን" እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ። እቲ ቐንዲ ረቛሒ እዚ ይመስለኒ፦ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ወይ ክርክር ንምፍጣር ዝጽዕር፣ ሓላፍነት ዝስምዖ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሓን ኣድላዪ ኢዩ።"
ቬንዙዌላ ጽብቕቲ ሃገር
ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም "ሃገረ ቬንዙዌላ ጽብቕቲ ሃገር እያ፣ ኣብተን ኣብ ካራካስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይነ ዘገልገልኩለን ኣርባዕተ ዓመታት ብሓጐስ ኢየ ኣገልጊለ። ዘይርሳዕ ተመክሮ ውን ኢዩ ዘሎኒ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ብፁዕ ካርዲኒና ወሲኾም ካብ 2009 ክሳዕ 2023 ኣብ ዝነበረ ይብሉ፣ "ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጸገማት ነይሩ እዩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ቻቬዝን ውጥረት ተፈጥረ፣ ከመይሲ እቶም ጳጳሳት እታ ሃገር ብዛዕባ ፖለቲካዊ መምርሒ እቲ ርእሰ ብሔር ዝንበሮም ነቐፌታ ይገልጹ ነበሩ። ድሕሪኡ እቲ ዅነታት እናገደደ ኸደ። ሕጂ ድማ ኣብዚ ዓብዪ ስግኣት ዘለዎ ሓድሽ ኵነታት ኢና ዘለና፣ ብኸመይ ከም ዚምዕብል ድማ ክትርዳእ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ነቶም ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ንዘድልዮም ነገራት ምላሽ ምሃብ ኢዩ" ክብሉ ደምደሙ።
ሃገረ ኢራንን እቲ “በብቁሩብ ዝግበር ዘሎ” ሳልሳይ ኲናት ዓለምን
ብድሕሪዚ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበት ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ዘለዋ ኣተሓሳስባ ኣተኲሮም ገለጹ።
"ቅልውላው ኣብ ህዝቢ ኺግለጽ ዘይከኣል ስቓይ እዩ ዘምጽእ። እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣተሓሳስባ እዩ። ብቐዳምነት ኣቓልቦና ኣብ ደቂ ሰባት እዩ ዝርከብ፣ ብቝጽሪ ዘይኰነስ ብገጽ ክንሓስብ ኣሎና፣" በሉ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን እተገብረ ተቓውሞታት ንዝቐረበ ሕቶ እንክምልሱ ድማ፦
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ ዅነታት ንምግላጽ እተጠቕሙሉ ቃላት ማለት "ሳልሳይ ኲናት ዓለም በብቝሩብ ይካየድ ኣሎ" ዚብል መግለጺ ብምጥቃም፣ እዚ "ጋህዲ" ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ይኹን እምበር ጭርሖታት ዓለም ኵሉ ሳዕ ነዚ ሕልኽላኻት ከም ዘይገልጹ ወሲኾም ኣመልከቱ። ኣስዕብ ኣቢሎምውን "እዚ ሓረጋት እዚ ኣብ ክውንነት ጽልዋ ዘይብሉን፣ መፍትሒ ዘይረኸበን ቃላት ብምኹኑ፣ እዚ ንዓለምና ዓብዪ ድሩትነት እዩ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ስግኣት ንዝቐረበ ሕቶ እንክምልሱ "ቅድስቲ መንበር ወትሩ ኣጽዋር ንምርጋፍ ወትሩ ትዓዪ ኣላ። ኣጽዋር ክንንኪ ኢዩ ዘለዎ፣ ከመይሲ ኣጽዋር ምስ ህሉ ኣብ ጥቕሚ ኢዩ ዝውዕል። ቅድስቲ መንበር ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምውናኑ እውን ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ምዃኑ ኢያ ትድግፍ" ብምባል ኣጕልሑ።
ግጭት እስራኤልን ፍልስጥኤምን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ምፍታሕ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንሰላም መፍትሐ ምዃኑ ውን ዘለዎም እምነት ገለጹ።
"እዚ እንተ ደአ ተፈቲሑ እቶም ካልኦት ጸገማት እውን መፍትሔ ክረኽቡ ኢዮም" በሉ። ቅድስቲ መንበር ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ሂባትሉ ኢያ" ውን በሉ።
ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ብቅድስቲ መንበር እተደገፈ "ገና ህያው ዝኸውን" ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ ደጊሞም ኣመልከቱ።
"ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ክልተ ሃገራት ናይ ክልተ ህዝብታት ቀመር ክግበር ዝከኣል ኢዩ ኢልና ኢና እንሓስብ፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕን ንህዝቢ ፍልስጥኤም ተስፋ ምሃብን ኢዩ" በሉ። "ምስ ቦርድ ሰላም ኣብ ቃዛ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና። ፍልስጥኤማውያን ኣብ ሃገሮም ብሰላም ኪነብሩ መሰል ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ኣቀራርባ ንምርካብ ምህዞ እዩ ዜድሊ" ክብሉ ውን ደምደሙ።