ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዴንማርክ ዑደት ኣካይዶም ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዴንማርክ ዑደት ኣካይዶም  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዴንማርክ ዑደት ኣካይዶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ንመበል 1200 ዓመት ምጅማር ተልእኾ ቅዱስ ኣንስጋር ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ወኪሎም ኣብ ዴንማርክ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዘካየዱን ብጹዕነቶም እዚ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት እውን ዘየቓለለ ከም ዝነበረን ምስ ንጉስ ፍረደሪክ መበል 10ይን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ራስሙሰንን ክሌኣዊ ርክባት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 24 – 26 ጥሪ ኣብ ዴንማርክ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝኽሪ መበል 1200 ዓመት ምጅማር ተልእኾ ቅዱስ ኣንስጋር ኣብታ ሃገር ዘማእከለ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸሎትን ኤቍመናዊ ርክባትን

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝርከብ ሉተራናዊ ካቴድራል (Vor Frue Domkirke) ኣብ ዝተኻየደ ኤቍመናዊ ጸሎተ ዘሰርክ ከም ዝሓበሩን ድሕሪኡ ምስ ኣብ ዴንማርክ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትንን መራሕቲ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ርክባት ከም ዘካየዱን ሰንበት ዕለት 25 ጥሪ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሂለሮድ ኣብ ዝርከብ ቄርመሎሳዊ ገዳም ቅዱስ ዮሴፍ ምስ ገዳማውያን ደናግል ቅዱስ በነዲክቶስ ተራኺቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት

ካርዲናል ፓሮሊ ዕለት 26 ጥሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣማሊንቦርግ ምስ ንጉስ ፍረደሪክ 10 ናይ ዴንማርክ ከም እተራኸቡን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላርስ ሎከ ራስሙሰን ኣብ ኤይግትቨድስ ከም እተራኸቡን፡ ኣብ ቬድቤክ ኣብ ዝርከብ ቤተ ትምህርቲ ዘርኣከ ክህነት እመ መድሃኒ ዓለም ብዘካየድዎ ምብጻሕ ድማ ናይ ዴንማርክ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Jan 2026, 14:40