ድለ

2026.01.15 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኩዌት፡ ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ይላበው 2026.01.15 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኩዌት፡ ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ይላበው 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኩዌት፡ ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ይላበው

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ኩዌት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰሜን ዓረብ ብምርኻብ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ተስፋ መሰኻኽር ክኾኑ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካብ ዕለት 15 - 16 ጥሪ ኣብ ጉስነትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናን ዘማእከለ ኣብ ኩዌት ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ዘለውሉ እዋን ዕለት 15 ጥሪ ኣብ ቀዳማይ ማዓልቲ ዕውዕሎኦም ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰሜን ዓረብ ከም እተራኸቡን ብጹዕነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ እውን ኣብ ኣሕማዲ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘኣረብ ናብ መዓርግ ንኡስ ባዚሊካ ክብ ከብሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዕለት 15 ጥሪ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዑደቶም ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰሜን ዓረብ ተራኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ስዒቡ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርክብ ምስ ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ፓሮሊን ዘገልግሉ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ሓዋርያዊ መስተናብር ሰሜን ዓረብ ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ስድራ ቤት ተራኺቦም። ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሰላምታን ምትብባዕን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣመሓላሊፎም፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓዶም ርሒቖምን ኣብ በዳሂ ኩነታትን ዝፍጸም ኣገልግሎት ድማ ኣመስጊኖም፡ ክህነታውን ውፉይ ህይወትን ልዕሊ ኩሉ ኣብ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ርክብ ዝተሰረተ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ “እግዚኣብሄር ትሑታት ልቢ እምበር ፍጹማት ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣይደልን እዩ” ብምባል “ናይ ፍቅሪ ካህናት እምበር ናይ ፍጽምና ካህናት ኣይኮንኩምን፣ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመረጽናን ከም እተፈቐርናን ስለ እንፈልጥ” በዚ መሰረት ድማ “ሕጉሳት ካህናት” ክዀኑ ኣተባቢዖም፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ድማ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብናይ ወንጌል ኣተሓሳስባ “ሕተቱ፡ ድለዩ፡ ኳሕኳሕ” ቢሎም በዚ ዝድረኽ ዝተቐደሰ ውፉይ ህይወት ንበሩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ዕድመ ኣዘኻኺሮም፡ እዞም ግሲታት እዚኣቶም ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ጽግዕተይናነት ኣለልዩ ፍቓዱ ዝደልን ከም ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ዝሓቖፈን ጸዋዕታ ዝገልጹ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ ወሲኾም ኣብቲ ብባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዝተለለየ ዞባ፡ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ “ነብያት ሰላምን ሓድነትን” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፡ “ብክርስቶስ ሓቀይና ሕውነትን ሓድነትን ርኡይ ናይ ምግባር ተልእኾ ኣሎኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስዋዕተ ቅዳሴ

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ብምኽንያት መበል 65 ዓመት ምስረታ ካቴድራል ቅድስቲ ስድራ ቤት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኩዌትን ንኹሎም ክርስቲያን ናይቲ ዞባን ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣመሓላሊፎም፣ ዕለት 28 ሰነ 2025 ዝተዋህበ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘኣረብ ናብ ንእሽቶ ባዚሊካ ክብ ምባል፡ “ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ዓሚቝ ተወፋይነት” ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ካርዲናል ብዛዕባ ስነ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ኩዌት ኣናሓሰቡ፡ ኣብ መንጎ በረኻን ባሕርን እትርከብ ምዃና እንከስተንትኑ፡ ነዞም ባእታታት ከም ኣካል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ድሕነትን ከም ምልክታትን ክሳብ ሕጂ ትርጉም ዘለዎም ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ካቴድራል “ሓቀይና መአከቢ ቦታ ኩለንተናውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፣ ውሑስ ወደብን ሰላምን ስኒትን ዝፍጸመሉ ቦታ” እንክብሉ ብምግላጽ፡ እቲ ሓቀይና ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ልዕሊ ኩሉ ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ከም ዝርከብ ኣዘኻኺሮም፡ “ሓቀይና ትርጕም እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣብ መናድቕ እምኒ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ህያው ኣእማን እዩ ዚርከብ፡ ማለት ኣብቶም ኣብዚ ዚእከቡ ምእመናን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ዝኽበር ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን ኵላዊ መደብ ኣብ ግምት ብምእታው ንወከልቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰባትን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ክርስትያን “ብሓድሕዳዊ ምቕባልን ምክብባርን” ብሓባር ዝነብሩሉ ኣገባብ ንሰፊሕ ሕብረተሰብ ኣብነት ኮይኑ ክቕጽል ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ የመላኽት።

16 Jan 2026, 15:49