ካርዲናል ኮኽ፡ 'ኤቍመናዊ ጉዕዚ ንዓለም መጋበርያ ሰላም እዩ! ካርዲናል ኮኽ፡ 'ኤቍመናዊ ጉዕዚ ንዓለም መጋበርያ ሰላም እዩ!  

ካርዲናል ኮኽ፡ 'ኤቍመናዊ ጉዕዚ ንዓለም መጋበርያ ሰላም እዩ!

ከም ኣካል ናይዚ ሰሙን - ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን፡ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘተባብዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኤቍመናዊ መገዲ ንኽጓዓዙ ዝገበርዎ ዕድመ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ሰንበት ዕለት 25 ጥሪ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን የብዕሉ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘተባብዕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ትርጉም ሓድነት ምድላይ ክርስትያናዊ ተልእኾና እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓድነትን ንዓለምለኻዊ ሰላምን ብተወፋይነት ክንዓዪ "ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንከይድ" ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እንከስተንቱ፡ ብዛዕባ ግደ ኣቢያተ ክርስትያን የጒልሑ።

"ኤቍመናዊ ጉዕዞ ነቲ ዘይሰማማዕን ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ምግምማዕን ዘንጸባርቕ ምስ ዘይከውን ንባዕሉ ምልክት ሓድነት እንተ ዀይኑ፡ ንሕብረተሰብ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ - ቢሎም - ኣብዛ ተጻራርነት ልሙድን ቅቡልን ዝኾነላ ዓለም፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘለዎ ፍልልያት ብዘየገድስ “ብሓደ መንፈስ” ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፡ "ክርስትና ንባዕሉ ዝተገማምዐ ኵምራ እንተ ዀይኑ ንሕብረተሰብ ብዙሕ ኪህብ ኣይክእልን እዩ” ይብሉ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ዝመርሕ ናይ ጸሎት ሰነድ ብናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕ. 4, 4 ዘሎ “ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕክምዎ፡ ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ኣሎ” ዝብል ቃል መሰረት ብምግባር፡ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ቃል እዚ ኣዝዩ ምሳሌያዊ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ቅዱስ ጳውሎስ ንሓድነት ዘቕረቦ ውዕዉዕ ጻውዒት ዘርእይ እዩ። ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዝጸሓፋ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእትው፡ ኣብዚ ኸኣ ንዕኡ ሓድነት ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን መሰረታውን ምዃኑ ንርኢ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብንእሽቱ ነገራት ኣይትጽመድን ኢኻ" እንክብሉ የጒልሑ።

2030፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ዘይኮነስ፡ ንኣስተንትኖ መወከሲ እዩ

ካርዲናል ኮኽ ኣብ 2030 መበል 500 ዓመት ዝኽሪ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ መጽሓፈ ንዛዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝክረ ነገራዊ ዝኾነ ትጽቢታት ኣወጊድዎ እዩ። "ኤቁመናዊ ጉዕዞ ናይ ግዜ ገደብ ኣይጠቅስን እየ። እቲ ናይ ግዜ ገደብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ናትና ኣይኰነን።” ይኹን እምበር 2030 ምክፍፋል ንምስዓር ብሓድሽ መገዲ እንደገና ንምሕሳብ ኣገዳሲ "ኵነት" ኰይኑ ከም ዝቕጽል ወሲኾም ብምምልካት፡

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቮልፍሃርት ፓነንበርግ ተወኪሶም፣ ማርቲን ሉተር ንብምሉኡ ክርስትና ንምሕዳስ ዕላማ ዝነበሮ እውን እንተኾነ ምክፍፋል ኣብያተ-ክርስትያን "ፍሽለት" ተሓድሶ ምዃኑ እዩ ዘመልክት - ቢሎም -  "ኢየሱስ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ዘይኰነስ ቤተ-ክርስትያን እዩ ዚደሊ ነይሩ" ኢሎም።

ኣገዳስነት ኒቅያ

ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ኮኽ ነባሪ ተዛማድነት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጸምበለ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓድነት ኣብ ሓባራዊ እምነትና ጥራይ እዩ ክርከብ ዝኽእል - ቢሎም - ብድሆ ኒቅያ ገና ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

21 Jan 2026, 14:37