መደረ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ መኽፈቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 27 ጥሪ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከም እተኸፈተን፡ ብጹዕነቶም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ “ሓዊ እምበር ብርሃን ኣይትሕተቱ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ድማ ካብቲ ቅዱስ ቦናቨንቸር ንዓበይቲ ሕቶታት ሕይወት ናብ እግዚኣብሔር ከቕርቡ ዝገበሮ ዕድመ ምዃኑ ብምዝኽካር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጸሎት እንከለኹ እቲ“ubi humilitas, ibi sapientia - ትሕትና ኣብ ዘለሉ ጥበብ ኣሎ” ዝብል ጥንታዊ ምሳሌ ኣብ ኣእምሮኦም ጻውዒት ኮይኑ ከም እተሰመዖም ሓቢሮም፡ ነዚ ዕድመ እዚ ነቶም ኣብቲ ምሉ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተጋባእያን ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኣድማሳዊ ናይ ምሕሳብ ክእለት ከም ዝሃቦም እኳ እንተዘከሩ፡ “ምሉእ ፍልጠት ወይ ኩለመዳያዊ ርድኢት ክውንነት” ፈጺምና ክንበጽሕ ከም ዘይንኽእል ኣስተብሂሎም።
"ብሓገዝ እቲ ኽትግምቶ እትኽእል ኣዝዩ ሓያል እደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን እንተ ዀነ ኣእምሮ ወድሰብ ብዛዕባ ክውንነት ብምሉእን ኣብ ኵሉ መዳያቱን ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።” እዚ ብኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚከኣል - ቢሎም - ኩሉ ነገር ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ፡ ደቂ ሰባት ብዛዕባ ንእሽቶ ክፋል ዓለም ኣብ ምሉእ ርድኢት ንኽበጽሑ እውን ከይተረፈ ከም ዝሽገሩን፡ እቲ ንእሽቶ ክፋል ድማ ብመንጽር እቲ ምሉእነት ክረአ ከም ዘለዎን ኣመላኺቶም፡ "ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንኹሉ ትርጉማትን ንኡሳን ነገራትን ናይ ሓደ ክውንነት፡ ናይ ሓደ ሰብ፡ ናይ ሓደ ታሪኻዊ ህሞት ወይ ናይ ሓደ ሓቂ ክንትርጉሞ ዓቕሚ የብልናን። እደ ጥበባውን ስለ ፍልጠታውን ስጒምትታት እውን እንተሎ፡ ደረትናን ኣድላይነት ኣምላኽን ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ቀልባዊ ትሕትና እንተፈሺልና፡ ናብ “ዘስካሕክሕ ምትላል ናይ ምውዳቕ ሓደጋ እዩ ዝህሉ - ብሓቂ፡ ንመናፍቓን ኣብ ምስዳድን ምውግጋዝን ውግኣት ዓለምን ሾዋ - መዳጎን ሰፈርን ጃምላዊ ቕትለትን ናብ ዝመርሐ ዘስካሕክሕ ምትላል ክንወድቕ ንኽእል ኢና፣ እዚ ዅሉ ንገዛእ ርእሱ መመኽነይታ ንምቕራብ ኣብ ግጉይ መጐተ እተመስረተ ኢዩ።"
ካርዲናል ፈርናንደዝ ብቐጻሊ ብጸሎት ናይ እግዚኣብሔር መምርሒ ንምድላይን ናይ ካልኦት ኣረኣእያ እናተቐበለ ክውንነት ብምትንታንን ካብ ነብሰ ምትላል ክቑጠቡ ንተጋባእያን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ሕፈት ቅድስቲ መንበር ዓዲሞም፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተጸንቢሮም “ንምሉእ ሓቂ ዝውንን ሰብ የሎን፣ ንሓቂ ኩላትና ብትሕትና ብሓባር ክንደልያ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብፍላይ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ፡ “ምስጢራት እምነት ኣብ ሃብታም ሃይራርቃዊ ባህሊ ዝተኣሳሰረ” ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ምሉእ ብምሉእ በቲ ኣብ ሕመረት ወንጌል ዘሎ ሓቅታት ስለ ዝበርህ፡ ድሩትነት ፍልጠቶም ክፈልጡ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ፡ ስልጣን ዘለዎ መልሲ ናይ ምሃብ፡ ኣካል ናይቲ ተራ ስልጣን ኣስተምህሮ (Magisterium) ዝኾኑ ሰነዳት ናይ ምጽሓፍ፡ ዋላ'ውን ናይ ምእራምን ምኹናንን ተኽእሎ ኣብ ዘለናሉ፡ ሚዛናዊ ኣረኣእያና ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዝዓበየ'ዩ" ኢሎም፡ “ስለዚ ኢና ድማ፡ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ብዓበይቲ ሊቃውንትን ሰቂለ ህሊናውያን ቤተ ክርስቲያን ዝቐረበ ጥዑይ ክውንነት ክንመልሶ ዘለና - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ፈርናንደዝ ንኣባላት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ “እቲ እንመያየጠሉ ተመክሮ መታን ክንገብሮ ምስ ቅዱስ ቦናቨንቸር ሓቢሮም ንውህበት ውሽጣዊ ስቕታ ክጽልዩ” ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።