ድለ

2026.01.12 La messa del cardinale Parolin a Bruxelles per l'800° anniversario della cattedrale 2026.01.12 La messa del cardinale Parolin a Bruxelles per l'800° anniversario della cattedrale  

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራስልስ:- ኣውሮጳ ክርስትያናዊ ትብዓት እንደገና ኽትረክብ ተማሕጺኖም

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ህንጸት ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ጉዱላን ኣብ ብራስለስ፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ መጻኢ ናይታ ብተነቃፊነትን ኣንፈት ብምጥፋእን እትፍለጥ ዘላ ኣውሮጳ የስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ሸሞንተ ዘመን እተሳገረ ታሪኽዊ ካቴድራል፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ቤትን ሃገረ በልጅዩም ዝተረክቡሉ ዝክሪ መበል 800 ዓመት ህንጸት እቲ ካቴድራል፣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ "እምነት ክርስትና ካብ ግዜ ወጻኢ ወይ ኣብ ወሰን ታሪኽ ኣይኮነን ዘሎ፣ የግዳስ ኣብ ውሽጡ ኣብ ጭቡጥ ቦታታትን ኣብ ሓቀይና ማሕበረሰብን እዩ ዝዓቢ" በሉ።

እዚ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን እተሓጸ ጎቲካዊ ህንጻ፣ ቅድሚ ምህናጹ ነዊሕ ይገብር ንቅዱስ ሚካኤልን ንቅዱስ ገዱላን እተወፈየ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ብራስልስ ዓሚቝ ሱር ክርስትና ኸም ዝመስከረ ገለጹ።

እዚ ቐስ ብቐስ ብትዕግስቲ ዝርአ ዕቤት ንባህርያት እታ ቤተ-ክርስትያን ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ እዚ ድማ "ካብ ሓደ ግሉል ተግባር ወይ ኣብ ሓደ ህሞት ጥራይ ዝዛዘመ ውጥን ዘይኰነስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ብሕድሪ እተወፈዮ ዝቕበለሉን ዝዕቍበሉን ንወለዶታት ዘመሓላልፎን ዘጠቓለለ ጕዕዞ እምነት ኢዩ።"

ንልዕሊ ሸሞንተ ዘመን እዚ ካቴድራል እዚ፣ ንክርስትያናዊ ህይወት እታ ከተማን ሃገርን ኣሰንይዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ሕቶታት ዝቕልስ እምነት ዜንጸባርቕ እዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራስለስ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራስለስ

ቅዱሳን ሚካኤልን ጉዱላን፦ ክልተ ምስልታት ቤተክርስትያን

ፈላሚ መሰረት እዚ ካቴድራል ቅዱሳን ሚካኤልን ጉዱላን፣ ብ1226 እዩ ተጀሚሩ፣ ንጉስ ሄንሪ ዳግማዊ መስፍን ብራባንት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ዝርከብ አገዳሲ ቦታ፣ ነዚ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጽ ወሰነ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ እዞም ክልተ ጠበቓታት እዚ ካቴድራል ሎሚ እውን ብዜደንቕ መገዲ ዘለዎ ኣገዳስነትን ተልእኾን የመልክቱ በሉ።

ቅዱስ ሚካኤል "ብቕሓትን ኣስተውዕሎትን" የለዓዕል፣ ቅዱስ ጉዱላ ድማ "መዓልታዊ ተኣማንነት" የመልክት።

ብሓባር ኰይኖም ድማ ንሓቅን ኣገልግሎትን ጽንዓትን ለውሃትን ብሕብረት ክትሕዝ እተጸውዐት ቤተ-ክርስትያን ከም ከም ዝገልጹ ኣመልከቱ።

ናይ ብራስልስን ኣውሮጳን ተነቃፊነት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፣ ከተማ ብራሰለስ መንበሪ ብዙሓት ትካላት ሕብረት ኤውሮጳ ብምዃና፣ ካብ ምርኻብን ፍልልያትን ናይ ምትዕራቕ ክእለትን እተወልደት ከተማ እያ። ይኹን እምበር ክፍለ ዓለም ኣውሮጳ ንባዕላ "ፖለቲካውን ማሕበራውን ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጣውን ባህላውን ፍርሕን ምክፍፋላትን ዝፍለጥ ዓሚቝ ተነቃፊ እዋን ትሓልፍ ከም ዘላ" ውን ገለጹ።

ኣገዳስነት ዘይብላ ቤተክርስትያን?

ብፁዕነቶም ነቶም ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ኣለም ኣብ ኤውሮጳ ዕርቂ ዘስፈኑ፣ ከም እኒ ሮበርት ሹማን ኮንራድ ኣደናወር ከምኡውን ኣልሲድ ደ ጋስፐሪ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባት ብምዝካር፣ ንትካላት ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኰነስ ህዝባ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ምትእምማን እውን እንደገና ንምህናጽ ኣድላዪቲ ሰባት ምዃኖም ኣጕልሑ።

ርእሰ-ምትእምማን እንተኾነ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን በዳሂ ኩነት ምዃኑ ኣመልከቱ - እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ብቝጽሪ ምንካይ ዘይኰነስ ኣገዳስነት ዘይልካ ምዃን ከም ምዃኑ ገለጹ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ንክርስትያናዊ ምስክርነት ዜዳኽም ኣሃዛዊ ድኽመት ዘይኰነስ፣ ትብዓት ሰበኽቲ ወንጌል ምጥፍኡ እዩ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

"ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ደው ኢላ ዘላ ኣይኰነትን፣ ምስኡ እውን ዘይትደባለቕ እያ" በሉ። "ንሳ ኣብ ታሪኽ ከም ህያው ምስክርነት ኮይና እያ እትጐዓዝ፣ መለት ከም መሰነይታን ሜመያን ኰይና እያ እትጐዓዝ" ክብሉ ውን መስከሩ።

ጸሎት ምእንቲ ብራስለስን በልጅዩምን ኣውሮጳን

ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንቤተ-ክርስትያንን ንከተማ ብራስልስን ሃገረ በልጅዩምን ክፍለ ዓለም ኣውሮጳን ንማሕበረሰቦምን ሕዝብታቶምን ናብ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣወፈይዎም።

ዋና ጸሓፊ መንግስቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ መደምደምታ፣ ካቴድራል ቅዱሳን ሚካኤልን ጉዱላን "ክፉት ቤትን ናይ ሕብረት ቦታን" ኰይኑ ክቕጽል ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ስብከቶም ዛዘሙ።

13 Jan 2026, 13:24