ካርዲናል ኮኽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ገጽ እግዚኣብሔር ክንደሊ ምሂሮምና!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ሓድነት ምስ እግዚኣብሔር ዝቐውም ካብ ኮነ፡ ከምቲን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆሴፍ ራትዚንገር ኣብ ምሉእ ህላወኦም ዝገበርዎ፡ ኣብ ምድራዊ ህይወትና ድሮ ንእግዚኣብሔር ምድላው ግቡእ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ኮኽ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣስተብሂሎም፡
ዕለት 31 ታሕሳስ ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ምኽንያት ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ክርስትያናዊ ሕይወት ዘኪሮም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ብኣብነታዊ መንገዲ ዘርኣይዎ ነገር ማለት ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ርክብ ምዅስኳስን ምስኡ ንሓድነት ምድላውን ዝድርኽ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ገጽ ኣምላኽ ምድላይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ናብ ቤት ኣብ ከም እተመልሱ ኣብ ስብከቶም ዘዘኻኸሩ ካርዲናል ኮኽ፡ በነዲክቶስ መበል 16 "ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምርኻብ ኵሉ ሳዕ ገጽ ጐይታ ይደልዮን ይረኽቦን ነይሩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ተገልጸ ሓቀይና ገጹ እውን ስለ ዝገለጸ። በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ካብ 2007 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን "ኢየሱስ በዓል ናዝሬት" ዘርእስቱ ንንባብ ዘብቅዕወን ሰለስተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ፡ "ነቲ 'ገጽ ጐይታ' ንምርካብ ዝገበሮ ብሕታዊ ድልያ ከም መግለጺ ገይሮም" የቕርብዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክርስቶስ ነቲ መወዳእታ ናብ ሓድሽ መጀመርታ ይቕይሮ
ካርዲናል ኮኽ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ ዓውደ ኣዋርሕ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን ንባብት መሰረት ገይሮም ብፍላይ ድማ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዝተወስደ፦ “ቃል ኣብ መጀመርታ ነበረ፣ ቃል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ” ዝብል ፍቕዲ ጠቒሶም፡ ብዛዕባ እቲ እንተነበ ወንጌል ከስተንትነኑ እንከለዉ፡ “ኣብታ ናይ ዓውደ ኣዋርሕ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ክርስትያናዊ እምነት ፍጹም ሓድሽ ጅማሮ ከም ዝወለድን፡ ምድራዊ መወዳእታ ህይወት ወዲ ሰብ ፈጺሙ መወዳእታ ከምዘይኮነ፡ ሓድሽ መጀመርታ እምበር፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ሓደ ሰብ ምድራዊ ህይወት መጀመርታ ሓድሽ ህይወት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ እግዚኣብሔር ምዃና መብጽዓ ዝሓዘ እዩ፡ እዚ ክርስቲያናዊ ህይወት ኣዝዩ ግሩምን ልቢ ዝትንክፍን ኮይኑ ይስመዓኒ።”
ገና ዘይተሓትመ ካብ 2005–2017 ናይ በነዲክቶስ ስብከታት፡ እዞም ኣብ ጀርመን ዝተወልደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሞት “ንኹሉ ሰብኣዊ ዝምድናታት ዝበትኽ” ማለት “ምጥፋእ ፍቕሪ፣ ዕርክነት፣ እዚ ድማ ብሓቂ ኣብ ተመክሮ ሞት እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቂ እዩ” ዝበለዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኰይኑ ግና፡ ልክዕ ኣብኡ ድማ ተስፋ ከም ዝርህው የረጋግጹልና። “ኣብዚ ፍጹም ገዛእ ርእስኻ ምሕዳግ ዝግለጸሉ ቦታ ልክዕ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሩን ጥራይ እዩ ሓድሽ ጅማሮ ከቕርብ ዝኽእል። ኣምላኽ ባዕሉ ኣብዚ ፍጹም ብሕትውናን ፍጹም ርክባት ደቂ ሰባት ዝጎደሎን ቦታ ምስ ፍቕሩ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ ሓድሽ ጅማሮ ዝከኣል - ቢሎም - በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቶሪኖ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ወጅሂ ዝተሓተመሉ ተኣምራዊ መግነዝ ዕለት 2 ግንቦት 2010 ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ “ፍቕሪ ናብ ሲኦል ወሪዱ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ምስ ቅድስቲ ቀዳም ዝተኣሳሰረ መብጽዓ ምዃኑ ኣብሪሆም። “ክርስቶስ መለኮታዊ ፍቕሪ ናብ ቦታ ሞት ብምምጻእ ኣብ ማእከል ሞት ህይወት ይህብ፡ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት ድማ ሓድሽ መጀመርታ ይህብ - ቢሎም - “ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ መወዳእታ ሕይወትና ንኣምላኽ ኣብ ዘለኣለማዊ ህላዌኡ ክፍጸም” ንለምን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሕነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፍጸም
ካርዲናል ኮኽ እዚ ስራሕ ናይ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታኡ ንነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ኣብ ሞት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ እውን ይፍጸም . . . ከምቲ ክርስቶስ ናብ ሞት ዝወረደ፡ ብሓዊ ፍቕሩ፡ ናብቲ ሞት ተሪር ህድኣት ዘእተወ፡ ሎሚ’ውን እንተኾነ ንፍቕሩ ናብ ሞት ሰብ ኣምጺኡ ሓድሽ ሕብረት፡ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ባዕሉ ብምትእትታው ነቲ ተነጽሎ ሞት ይሰብሮ።”
እዚ እግዚኣብሔር ከም ህያብ ዝሃቦ ዘለኣለማውነት እዩ ዝበሉ ካርዲናል ኮኽ "ናይ ዘለኣለም ህይወት በቲ ኣምላኽ ምሳና ዘለዎ ዘይፈርስ ፍቕሪ ዕዳና እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ ምስቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ናይ ስንብታ ጸሎት ብምትእስሳር፡ ኣብቲ ጸሎት ድማ ኢየሱስ ንኣቦ ከኽብሮ ይልምኖ። ብተመሳሳሊ መንገዲ “ብርግጽ ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ጆሴፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ ኢየሱስ ዘቕረቦ ናይ ልመና ጸሎት ይጽንበር፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ግብሪ የውዕሎን ኣብ ዘለኣለማዊ ህላዌ እግዚኣብሔር ህይወቱ ክፍጸም ይልምን” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።