ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጤምን፡ ክርስትያን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ! ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጤምን፡ ክርስትያን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ! 

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጤምን፡ ክርስትያን ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ!

ኣብ እየሩሳሌም ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን ሊቀ ጳጳሳት ኣዶልፎ ቲቶ ይላና ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ጀኒን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቤዛነ ኣብ ዝተተኽለ ኦም ልደት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ከባቢ ዘድሊ ሰላም ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ታሕሳስ ንበዓል ልደት ሒደት መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ  ከተማ ጀኒን ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቤዛነ፡ ዝተነብረ ኦም ልደት ብኣኽረርቲ ዝኾኑ መንእሰያት ኣስላም ከም ዘቃጸልዎን ይኹን እምበር እቲ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ሓድሽ ኦም ልደት ከም ዘቖመን ህዝቢ ስነ ስርዓት እዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ፓትሪያርክ ጳጳስ ዊሊያም ሾማሊ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሊቀ ጳጳሳት ኣዶልፎ ቲቶ ይላና ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “እዚ ተግባር እዚ “ ኩሎም ክርስትያናንን ዋላ’ውን ዘይክርስትያን ማሕበረሰባትና ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ኣዝዩ ቀሊል መግለጺታት ጥራይ ተሕጺሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ብወግዒ ከብዕልዎ ኣብ ዝበቕዕሉ በዓለ ልደት ዝተፈጸመ ዓብይን ከቢድን ጽላሎት እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ኣብዚ ከም ኣሕዋት ክንነብር ስለ ዝግበኣና፡ ነዚ ተግባር እዚ ብሓባር ንኹንኖ” እንክብሉ ካቶሊካውያን፡ ኦርቶዶክሳውያንን ካልኦት ክርስትያናትን ብሕውነት መንፈስ ተኣኪቦም በዓል ልደት ከም ዘብዕሉ ድማ የረጋግጹ።

ሊቀ ጳጳሳት ይላና "ኣብ ናይ ርእሰ ፍትወት ስነ - ሓሳቦም ዝጠፍኡ ሰባት ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ተግባራቶም ንኹንኖ፡ እንተኾነ ተግባራቶም ነቲ ዘለና ዓሚቕ ሓጎስ  ክምንዝዕ ኣይንፈቅድን . . . !” ይብሉ።

ንህዝቢ ዘጽንዕ ተስፋ

"ብርሃን ርኢና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጂ ድሕሪ ክልተ ዓመት ከነስተንፍስ ንኽእል ጥራይ ዘይኮነ፡ በዓል ልደት እግዚኣብሄር ከምዘይገደፈና፡ ከም ዘይረሰዓናን፡ ምሳና'ውን ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ድማ እቲ ዘሎና ሓጎስ እዩ። ክርስትያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣስላምን እምነት ዘይብሎምን፡ ይርእይዎ፡ ዝጽምበርዎ እውን እዩ" ምስ በሉ፡ ነቶም ነዚ ናይ ዓመጽ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት “እቲ እንህቦ ኣብነት ንዓኣቶም እውን ክቕይሮም” ተስፋ ብምግባር ምእንቶኦም ክጽለ ጻውዒት አቅርብ . . . ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተስፋ ጭቡጥ ነገር እምበር ቃል ጥራይ ከምዘይኮነ እውን ኣስተብሂሎም፡ "እነስተንፍሶ ኣየር'ዩ። ኣብ ስድራና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ማሕበረሰባትና እንረኽቦ ሃዋህው'ዩ። እቲ እንሓስበሉ ኣገባብ እዩ፣ ኣብ ውሽጥና እዩ ዘሎ፣ እቲ ተስፋ። ስለዚ ድማ ኢና ድሕሪ ክልተ ዓመት ዘይረሳዕና፣ ሓጎስ እዩ ኣብ ልባትና ዝጓሃሃር ዘሎ" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

24 Dec 2025, 16:46