ድለ

ምስልታትን ቃላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወቕቲ ልደት ንከተማ ሮማ የብርህ ምስልታትን ቃላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወቕቲ ልደት ንከተማ ሮማ የብርህ 

ምስልታትን ቃላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወቕቲ ልደት ንከተማ ሮማ የብርህ

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ትካል ኣሳእል ኣብ ጎደናታት ዝቕርጽ ትካል ብምትሕብባር ዝሰናደዎ ስእልታትን መልእኽትታትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዙርያ ሃገረ ቫቲካን ቫቲካን ክሳዕ ዕለት 31 ታሕሳስ ዝጸንሕ ምርኢት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ኣብ ዙሪያ ሃገረ ቫቲካን ዝቐርብ ምርኢት ስእልታትን መልእኽትታትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዘልኣለማዊት ከተማ ኣብ ዓበይቲ ጽፍሕታት ምርኢት ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ጎደና ሪሶርጂመንቶ፡ መኣዝን ጎደና ኦታቪያኖ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ቤተ መዘክር ቫቲካን ዝርከብ ጎደና ቱኒሲ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ቦታታት የቐርብ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ምርኢታት ካብ መደረታቱ ዝተቐድሑ ስእልታትን ኣስተንትኖታትን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንወቕቲ ልደት ዝምልከት መልእኽትታትን ንተስፋ ዝዕድም መልእኽትታትን ዘቕርብ እዩ።

እቲ ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ ዝቕጽል ተበግሶ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ። “ኣብ ግዜ ልደት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምህላዉ ምልክት መንፈሳዊ ቅርበትን መዘኻኸሪ ክብርታት ሰላምን ተስፋን ሕውነትን ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ” ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት የመላኽት።

30 Dec 2025, 16:56