ኣባ ፓዞሊኒ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኣምላኽ ክትፈልጥ ኣብ እትብገሰሉ እዋን ርክብ ከተዕቢ ኣለዋ
ስሞኦን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ፓዞሊኒ ዕለት 19 ታሕሳስ ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት፥ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዕለት 6 ጥሪ 2026 ክዛዘም ናይ ኣጋጣሚ ከም ዘይኮነ ኣስተብሂሎም፡ ምዕጻው ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ምስቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 6 ጥሪ እተብዕሎ በዓለ ኣስተርእዮ የተሓሒዙዎ፡ እቲ ኣጋጣሚ ዘደንቕ እዩ፡ ሓደ ኣፍደገ ይዕጾ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ፡ ድሕነት ክርስቶስ ብርግጽ ንኹሉ ክፉት ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ብሓይሊ ይእወጅ!”
ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ወንጌላዊ ዮሓንስ ንኢየሱስ “ናብ ዓለም ዝመጸ ብርሃን” እንክብል ይገልጾ (ዮሃ 3, 19)። እዚ ብርሃን እዚ ንኹሉ ክበርህ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ብዙሓት ግን ይነጽግዎ።
እቲ ጸገም እቲ ብርሃን ኣይኮነ
"እቲ ጸገም እቲ ብርሃን ኣይኮነን፡ ብባህርያቱ ንኹሉ ዘብርህን ህያው ዝገብርን ክነሱ፡ ክንቅበሎን ክይንቕበልን ኣብ ድልየትና እዩ ዝውሰን - ከም ፍቓድና እዩ። ብርሃን ኣድላዪን ጽቡቕን'ዩ፡ ግን ከኣ ጠለብ'ውን'ዩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ልበ ወለድ ዝኾነ ካብ ሓቂ ዘርሕቕ መሕብኢ ይኣልዮ፡ ተጋራጫዊ ነገራት የብርህ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ክንርእዮ ዘይንደልዮን ክንርእዮ ዝመርጾን የርእየና። ስለዚ ኢና ድማ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ብርሃን ንርሕቕን ናብቲ ርኡይ ድሕነት ጸልማት ንሃድምን።"
ኣባ ፓዞሊኒ ወንጌል ዮሃንስ ጠቒሶም፡ "ኩሉ ክፉእ ዝገብር ብርሃን ይጸልእ... ተግባራቱ ከይቅላዕ. . . እቲ ሓቂ ዝገብር ግና ግብሩ ብኣምላኽ ከም ዝተፈጸመ ብንጹር ምእንቲ ክርአ ናብ ብርሃን ይመጽእ እዩ።" (ዮሃ 3, 20 - 21) ኢየሱስ ኣብ መንጎ እከይ ምግባርን ሰናይ ምግባርን ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ክፍኣት ምግባርን "ሓቂ ምግባርን" ፍልልይ ከም ዝገብር ምፍላጥ እዩ።
"ምሕባእ ምቁራጽ"
"ብርሃን ስጋዌ እግዚኣብሔር ንምቕባል፡ ድሮ ጽቡቕ ወይ ውን ፍጹም ምዃን ኣድላዪ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትካ ሓቂ ምግባር ኣድላዪ እዩ። እዚ ማለት: ምሕባእ ኣቋሪጽካ ከም ሰብ ብሓቂ መን ምዃኑ ምርኣይን ምቕባልን እዩ። እቲ ስጋዌ ሓራ ዘውጽእ ልክዕ እዩ ንኹሉ ግብረ ገባውነት ሰቢሩ ካብ ሕያዋይ ገጽ ንላዕሊ ብዛዕባ ሓቅና ኸም ዚግደስን ስለ ዚነግረናን ሓራ ዜውጽእ እዩ። ንጐይታ መገዲ ምድላው ማለት ብሓቂ ንቕድሚት ምኻድ ማለት እዩ። ብቕንዕናን ብዘይ ፍርህን።"
ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ካብ ቤተ ክርስቲያን ይሕተት።
ሰናይ ንምግባር ጻውዒት ኣብ በዓል ልደት ክቐርብ ባህርያውን ቅኑዕን እዩ። "ይኹን እምበር ምናልባት ኣብዛ ቕድስቲ ዓመት እዚኣ በዓል ልደት ካብ ቤተ - ክርስትያን ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ይሕተት ኣሎ። ሓድሽ ጻውዒት ንምቕራብ ዘይኰነስ ዝዓበየ ስጕምቲ ብምውሳድ ናብ ዝዓበየ ሓቂ ዚመርሕ መገዲ ክትጅምር እዩ። ንገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኸነቕርብ ምጽራርናን ድኽመትናን ወይ ከኣ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ልብና እንሕዞ ዘይምትእምማን ከይሓባእና፡ እዚ ትሕትናን ሓደ ናይ ትብዓትን ምልክት እዩ - ኣብ ድሕነት ከም እንውከል ብምፍላጥ ንገዛእ ርእስና ብጸዋግ ወይ ደረቕ ገጽ ዘይኰነስ ብቕንዕና ንዓለም ምቕራብ። በዚ መገዲ እዚ እትኸይድ ቤተ - ክርስትያን ዝያዳ ትውክልቲ እትገብር እምበር ድኽምት ኣይኰነትን። እዚ ንመንነት ዘጥፍእ ኣይኮነን የግዳስ እቲ ምስ ወንጌል ዚሰማማዕ ቅርጺ ንኽኹላዕ ማለት ሓቅነት ንኽወጽእ ምፍቃድ እዩ።"
ዓለም ቤተ ክርስቲያን “ነቓዕ ወይ ስብራት ከይህልዋ” ኣይትጠልብን እያ፣ “ብዛዕባ እቲ ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ እተቕርቦ መመደረ” እውን ኣይትጽበን እያ። “ዋላ እኳ ጉድለታትን ተጋራጫውነትን እንተሃለዎ፡ ብሓቂ ብብርሃን ክርስቶስ ዝነብር ማሕበረሰብ ክርኢ ይደሊ . . . እዚ እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ሓያል ምልክት፡ እቲ ሓቀይና ግልጸት: ንክርስቶስ ብድኽመትና ዘይኮነስ ብልክዕ ብእኡ ክንገልጾ፤ ምኽንያቱ ጸጋኡ ብድሙቕ ዝበርሃሉ ቦታ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ፓዞሊኒ ዘቕረብዎ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት ይዛዝሙ።