ድለ

ኣብ 2025 ዓሰርተ ሸውዓተ ካቶሊካውያን ልኡካን ተቐቲሎም፡ ካብዚኦም እቶም 10 ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2025 ዓሰርተ ሸውዓተ ካቶሊካውያን ልኡካን ተቐቲሎም፡ ካብዚኦም እቶም 10 ኣብ ኣፍሪቃ  (ANSA)

ኣብ 2025 ዓሰርተ ሸውዓተ ካቶሊካውያን ልኡካን ተቐቲሎም፡ ካብዚኦም እቶም 10 ኣብ ኣፍሪቃ

ፊደስ እተሰምየ ናይ ቫቲካን ማዕከን ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ 2025 ዓ.ም.ኣብ መላእ ዓለም 17 ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝዓዩን ከም እተቐትሉን እቶም ዝበዝሑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይጀርያ ዝተቐትሉ ምዃኖም የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2025 ኣብ መላእ ዓለም ዓሰርተ ሾውዓተ ልኡካነ ወንጌል ከምዝተቐትሉ፣ ካብዚኦም እቶም 10 ኣብ ኣፍሪቃ ካብዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ኣብ ናይጀርያ ዝተቐትሉ ምዃኖም ፊደስ እተሰምየ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብ ግብረ ተልእኾ ኣገልግሎት ዜና  ከመላኽት እንከሎ፡ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ምስኡ ድማ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ክዛዘም ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝተቐትሉ ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዋፈሩን ዘቕረቦ ጸብጻብ ዕለት 30 ታሕሳስ ወግዓዊ ከም ዝገበሮን፡ እዚ ጳጳሳዊ ኣገልግሎት ሓበሬታ ዓመት መጸ ዛንታታት ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽን ድኽነትን ኣሳዶን ኣብ ዝተለለየ ኵነታት፡ ህይወቶም ንክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ንምግልጋል ዘወፈዩ ጸብጻብ ዘቕርብ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡

ብመሰረት እቲ ዕለት 30 ታሕሳስ 2025 ወግዓዊ ዝኾነ ጸብጻብ፡ 10 ካህናት፡ 2 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፡ 2 መምሃራን ትምህርተ ርክስቶስን፡ 2 ደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ 1 ዓለማዊ ምእመን ከም እተቐትሉን፡ ኣብ 2024 ዓ.ም. ምስ ዝተቐትሉ 14 ልኡካነ ወንጌል ክነጻጸር እንከሎ ድማ ወሰኽ ከም ዘርኣየን፡ ካብ 2000 ክሳብ 2025 ብጠቕላላ 626 ልኡካነ ወንጌል ወይ ሰራሕተይናታት ጉስነት ከም እተቐትሉ ይሕብር።

እቲ ናይ 2025 ጸብጻብ ሰፊሕ ትርጉም ‘ተልእኾ ወንጌል’ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፣ ንኹሎም ብገለ መንገዲ ኣብ ኣገልግሎት ጉስነት ዝነጥፉን ኣብ ዓመጽ ዝመልኦ ኩነታት ዝቕተሉን ካቶሊካውያን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ካልኦት ኣህጉራት

ጸብጻብ ፊደስ፡ ካልእ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ግዜ ኣብዚ “ዘሕዝን ደረጃ” ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት ኣህጉር፡ ኣመሪካ ከመይ ከም ዝኾነ እንከመላኽት፡ ድሕሪ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት - 2025 ብብዝሒ ዝተሃስየ ዞባ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 4 ልኡካነ ወንጌል ካህናት፡ ማለት 2 ኣብ ሜክሲኮን 2 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምኡ እውን ኣብ ሃይቲ 2 ደናግል ኣባላት ማሕበር ሰብ ወፉይ ህይወት ኣሓት ከም እተቐትሉን፡ ኣብ እስያ ኣብ ሚያንማር ሓደ ካህንን ኣብ ፊሊፒንስ ዓለማዊ ምእመን መምህር ከም እተቐትሉን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ፖላንድ ሓደ ካህን ከም እተቐትሉ የረጋግጽ።

ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምግልጋል ዝተቐትሉ

ሓደ ኻብቲ ፊደስ ዘጕልሖ ዛንታታት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኢቪያኖክፖዲ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት መጥቓዕቲ ብዝፈጸሙ ዝቖሰለን በቶም ጨወይቱ በስገዳድ ኣብ እተገብረ ጕዕዞ ዝሞተ ኢማኑኤል ኣላቢ ዝስሙ መንእሰይ ተመሃራይ ንኡስ ዘርኣ ክህነት፡ ብተወሳኺ ዛንታ ናይተን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሃይቲ ብዕጡቓት ኣባላት ጕጅለ ዝቐተላ ኣባላት ማሕበር ንኡሳን ኣሓት ቅድስቲ ቴረዛ ዘህጻን ኢየሱስ እናቴ ኢቫኔት ኦነዛየርን ዣነ ቮልተርን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ፊደስ ኣብቲ ንሚያንማር ዘሳቐይ ዘሎ ግጭት ዝተቐትሉ ናይ መጀመርታ በርማዊ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ዶናልድ ማርቲን የጉልሕ።

31 Dec 2025, 16:34