ውጅሂ ክርስቶስ ህጻን ካብ ምስትንታን ዝለልደ ተወፋይነት ንሰላም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከም ናይ ቈልዓ ሓይሊ ክቕይረና ዝኽእል ሓይሊ የለን። ምናልባት ንልብና ዝትንክፍ ሓሳባት ደቅናን ካልኦት ብማዕረ ተነቃፍቲ ሰባትን ኪኸውን ይኽእል እዩ" እንክብሉ ቅዱሰንቶም ንዓለም ሓቆፍ መዓላቲ ሰላም 2026 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተጠቕሙለን ቃላት ኣጉሊሑ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሰብ ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክንክን ኣደን ኣቦን ዚምርኰስ ቈልዓ ምዃን ይቕበል፡ ብመሰረት ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንኡስነት ድማ ኣብ ጽኑዕ ድኽነትን ኣብ ከባቢያዊ ዅርናዕ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ናብ ዓለም ኪመጽእ ይመርጽ። ንሱ "መከላኸሊ ዘይብሉ ኣምላኽ እዩ፣ ሰብኣውነት ድማ ንዓኡ ብምክንኻን ጥራይ ከም ከም እተፈቕረ ከስተዕል ይኽእል”
ነቲ ማእከላይ ስእሊ ናይ ልደት ትርኢታትና ዝኾነ ቆልዓ ምጥማት፡ ብዛዕባ መዓት ናይቶም ብዙሓት ግዳያት ኲናት ዝኾኑ ህጻናት፡ ማለት እቶም ኣብ ዩክሬን ኣብ ትሕቲ ቦምባታት ዝሞቱ፤ ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ - ፈለማ ብዝናብ ሚሳይላት ሕጂ ድማ ብቑርን ኣስሓይታን፡ ሕጂ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ዝቃለሱን፤ ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ብዙሕ ካልእ ክፋላት ዓለም ኣብ ዝካየድ ብዙሕ ዝተረሰዐ ግርጭታት ዝሞቱ።
ተካኢ ጴጥሮስ ንኣማኒያንን ኢኣማንያንን ብማዕረ ዘቕርብዎ ዕድመ፡ ንሰላም ከም ርሑቕን ዘይከኣልን ጌርካ ናይ ምውሳድ ፈተና ብምስዓር ምቕባልን ምፍላጥን ዝብል እዩ።
ንክርስትያን ሰላምን ዘይጎነጻዊ ቃልስን ኣብ ቃላትን ኣተሓሳስባን ኢየሱስ ዓሚቝ ወንጌላዊ ሱር ኣለዎ፣ ንሱ ንጴጥሮስ - ክከላኸለሉ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን - ሴፉ ናብ ሰገባኡ ክመልሶ ኣዘዞ።
እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ንዓለም ዝኣወጆ ሰላም ዕጥቂ ዘይብሉን ዕጥቂ ዝፈትሕን እዩ፤ ኣብ ልብና፡ ኣብ ዝምድናታትና፡ ኣብ ስድራና፡ ኣብ ማሕበረሰባትና፡ ኣብ ሃገራትና ክንሕልዎን ክንሕብሕቦን ዝግበኣና ክውንነት እዩ። ታሪኽ ከም ዝምህረና ክንደይ ግዜ ከም ክርስትያም እውን እንተኾነ ነዚ ረሲዕናዮ፣ ኣብ ዘሕዝን ውግኣትን ተግባራት ዓመጽን ተሓባቢርና ኢና።
ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሕና እውን ንሰላም ከም ርሑቕ ርእየት ዓለም ብምርኣይ ውግእ ንዓኡ - ማለት ንሰላም - ንምዕዋት ዘኽእል እዩ ዝብል ምኽንያት ኣብ ምሃብ ሓደጋ ከም ዘለና የዘኻኽሩና፣
ኣብ ህዝባዊ ክትዕን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን፡ ቍጡዕን ግጭትን ዝመልኦ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝዕብልል እዩ ዝመልስ፡ ብመሰረት እዚ ድማ "ንውግእ እኹል ምድላው ዘይምግባር" ጌጋ ይኸውን።
እዚ ካብ መትከል ሕጋዊ ምክልኻል ኣዝዩ ሓሊፉ ናብ ዓዘቕቲ ሓድሽ ዓለማዊ ግጭት ዝመርሓና፣ ዘይግመትን ኣዕናዊ ሳዕቤንን ዘስዕቦ ምርግጋእን ኣዝዩ ሓደገይናን ስነ - መጐት እዩ።
"ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ትኩርን ህይወት ዝህብን ጓሳዊ ምህዞ ብምምዕባል፡ ሰላም ኡጦቢያ ከምዘይኮነ ከነስተውዕል ኣሎና" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም የተሓሳስቡ።
ኣብ ክንዲ 2.5 ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ዝበጽሐ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብቐጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብያተ-ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ምምሕያሽ ዝውዕል፡ ኣብ ዝሕንጸጽ ናይ ሞትን ዕንወትን መሳርሒታት ብኣሽሓት ቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ኣብ ክንዲ ዝዋፈር፣ ድሕንነትና ኣብ ዳግመ ምዕጣቕን ኣብ ምቍጽጻርን ምክልኻልን ምዃኑ ንርእስና ኣብ ክንዲ እነእምን ንሰላም ትብዓት የድልየና እዩ። ፍኖት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ዘተ፡ ሽምግልና፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዳግማይ ክነርህዎ ኣለና፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ትካላት ብምሕያል።
ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ በረኻ ዝጭድር ድምጺ ክኸውን ኣይነፍቅድ። ጳጳስ ሮማ ንበይኑ ደው ክብል ኣይንገድፎ። ኣብ ቃላቱ እምነት ኣቐሚጥና፡ ከምቲ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝተባሃሉ፡ ኣብ ምትእትታው ክሳብ ክንደይ ክውንነት ከምዘሎ ንምርዳእ ናብ ታሪኽ ንጥምት።
"ንነፍሲ ወከፍ ተስፋ ህያው ዝገብር መንፈሳዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ተበግሶ ንምትብባዕን ንምድጋፍን፡ ንዝርግሐ 'ነሲባዊ ቃላት፡ ከምቲ ንጡፋዊ ምንቅስቓስ ውጽኢት ናይ ዘይፍለጡ ስብእና ዘይብሎም ሓይልታት ወይ ካብ ሰብኣዊ ድሌት ነጻ ዝኾኑ መሓውራት' ከም ዝኾነ ጌርካ ምርኣይ ክንቃወም" ተጸዊዕና ኢና።
ሰላም ይከኣል እዩ፣ እቲ ቐይዲ ዘይብሉ ቕድድም ኣጽዋር ከኣ ንሰላም ዝከላኸል መገዲ ኣይኰነን። ንክርስትያን ሰላም ዘምጽእ እቲ መከላኸሊ ዘይብሉ ውጅሂ እቲ ኣምላኽ ዝዀነ ሕጻን ከም ኵሉ ቘልዓ ተነቃፊ ዝኾነ እዩ፡
ልብና በቲ ውጅህን በቲ ኣብታ ቐዳመይቲ በዓል ልደት ዝስማዕ ኣዋጅ ሰላምን ኪትንከፍ ንፍቀድ! እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)