ድለ

ካርዲናል ረይና ኣብ ምዕጻው ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ፡ ቅርበት ናይ ኢዮቤል ሕድሪ

ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. - ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ባልዳሳረ ረይና ከም መደብ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 27 ታሕሳስ ኣብ ባዚሊክ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ስነ ስርዓት ምውዕጻው ቅዱስ ኣፍደገ ፈጺሞም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ምእመናን ሕውነትን ፍትሕን ሓቅን ሰላምን ኣብ ዘይብሉ ቦታታት ህላወ እግዚኣብሔር ዝገልጹ ክኾኑ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሎሚ (ዕለት 27 ታሕሳስ) ቅዱስ ኣፍደገ ብምዕጻው፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ፍቕሩ ዝገልጽ ናይ ምስጋና መዝሙር ነቕርብ፡ ኣብ ልብና ድማ ናይ ምሕረትን ሰላምን ሕቑፊ እግዚኣብሔር ንኹሉ ህዝብታት ክፉት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ንቕሓትን ተስፋን ኣብ ልብና ሒዝና ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ንጐይታ ኣብ ኵሉ ጐደናታት ሮማ ህልው ምግባር

ካርዲናል ረይና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤትል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዕለት 29 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ከም እተኸፍተን ዕለት 27 ታሕሳስ 2025 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ወንጌላውን ደቀ መዝሙርን ናይ  ኢየሱስ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ቅዱስ ኣፍደገ ይዕጸው” እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣስሚሮም፡ ዮሓንስ “ምስ ኢየሱስ ተጓዒዙ፡ ድምጹ ሰሚዑ፡ ህላወኡ ኣብ ልቡ፣ እዝኑ ኣብ ኣፍልቡ ቃል ኮይኑ ኣዕሪፉን እዩ . . . ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ብምስዓብ፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ምእመናን - ከንቲባ ሮማ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ሓዊስካ፤ ከምኡውን ኣብ ሮማ ህየንተ መንግስቲ ላምበርቶ ጃኒ - “ኣገልገልቲ ምሕረት ኣምላኽ” ክኾኑ ዓዲሞም፣ “ብዙሓት ተስፋ ኣብ ዝሰኣኑላ ከተማ ሮማ ምልኣት ጎይታ ህልው ክኸውን ፍቓደይናታት ክኾኑ” ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጾር ዘይህላወ

ካርዲናል ረይና ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቶም "ብሰሪ ጾሮም ስቓዮም ብሰሪ እቲ ዝወርዶም ዘይፍትሓዊ ተግባራት" ካብ ዘይምህላው ሓሊፎም ካልእ ነገር ክግንዘቡ ዘይክእሉ ሰባት ከይተጨነቑ ክርስትያናዊ እምነት ክናዘዝ ከም ዘይክእል ኣጠንቂቖም፡ ኣብ መንጎ ወሰንን ማእከላይን ከተማ ዘሎ ጋግ ሓድነት ዘይምህላው፤ ንቁጠባውን ህላወኣውን ጸገማት ኣቓልቦ ዘይምሃብ፤ ኣብ ክህነታዊ ህይወት እውን እንተኾነ ዝፍጠር በይናውነት ወይ ንሓድሕድካ ኣቃልቦ ዘይምግባር ናይ ሕውነት ስምዒት ዘይምህላው። ስድራ ቤት ዝተበታተነሉ፣ ምትእስሳር ዝደኸመሉ፣ ወለዶታት ዝጋጨዉሉን . . . ወልፍታት ሰንሰለት ይኾኑ ቢሎም፡ ኩሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ ክፍጽም፡ ንሕልምታቱ ቅርጺ ክህብ፡ ንኽብሩ ኣገዳስነት ክህብ፡ ርትዓዊ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክህልዎ፡ ገዛ ክህልዎን ከይምዝመዝን ማዕረ ዕድል ክረክብ፡ ዕንቅፋታት ምእላይን" እቲ ዝለዓለ ናይ ፖለቲካ ሓላፍነት ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ምዕራፍ ንሮማ

ዋላ እኳ ሕጂ እቲ ኣፍደገ ብኣካል ተዓጽዩ እንተሃለወ፡ ግን እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ጎይታ "ዕጹው ማዕጾታት" ብምክፋት ህላወኡ ከምዝቕጽል ኣስሚሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንከተማ ሮማ "ቤተ- ሙከራ ሲኖዳውነት" እንክብሉ ከም ዝገለጽዋ ዘኪሮም፡ ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ኣንፈት ብዝሰሓቱ መንእሰያትን ዝተለለየት ከተማ "ተግባራት ወንጌል" ክትፍጽም ተጸዊዓ ኣላ ቢሎም ሕጂ ሃገረ ስብከት ሮማ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣትው፣ ኣብኡ ድማ ተስፋ ኢዮቤል ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ብጭቡጥ ስጉምቲ ቅርጺ ምሃብን ምቕራብን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Dec 2025, 16:39