"መጻኢ ዝወልድ ተኣማንነት"
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ ልደት ቅሩብ መዓልታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ክህነት ዝምልከት ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዝለገሱን እዚ ኣጋጣሚ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክህነታዊ መዕበያ ዘርእስቱ ውሳኔ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ መጻኢ ዝወልድ ተኣማንነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጢ ውሉደ ክህነት ዘሎ ህሉው ናይ ቅልውላው ሃዋህው ኣገዳሲ ምልክት ምዃኑ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄውንግ - ሲክ የብርሁ።
ክህነት "ይንታዊ ቅርሲ" ኣይኮነን
ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄውንግ - ሲክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ክህነት መብዛሕትኡ ግዜ ከም "ግዜኡ ዝሓለፎ ኣገባብ ህይወት" ወይ ብሰንኪ ግህሰታት ዘይማርኽ ተገይሩ ኣብ ዝሕሰበሉ ዘሎ እዋን "ዘደንቕ ህያብ" ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣስሚሮም እቲ ሰነድ "መጻኢ ዘመንጩ ተኣማንነት" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ። እዚ መምርሒ መትከል እዩ፡ " ብዘይ ተኣማንነት መጻኢ ክህሉ ኣይክእልን እዩ።" ኣብዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንቐጻልነት ከም ደውታ ብጌጋ ዝርድኦ ምዕራባዊ ዓለም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሓቀይና ፈጠራዊ ኣእምሮ ምስ ጻውዒት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ዓሚቝ ውሽጣዊ ምትእስሳር ጥራይ ከም ዝምንጩ የዘኻኽሩና።
ሲኖዳውነት ከም “ጸረ ርእሰ ማእከልነት”
ሕመረት ስክፍታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ናይ ክህነታዊ ሕይወት ሓባራዊ ሸነኽ እዩ። ዝኾነ ካህን "ክህሉ ወይ በይኑ ክሰርሕ" ከምዘይክእል የተሓሳስቡ፡ እቲ ቅዱሰንቶም ዝጽበይዎ ሲኖዶሳውነት ንጽምዋን ስስዐ ዘተኰረን ዝበለጸ "ፈውሲ" እዩ። “ምስ ጳጳስ ሕውነታዊ ዝምድና፡ ምስ ብጾት ካህናት ሓቀይና ዝምድና፡ ምስ ዓለማውያን ሓባራዊ ሓላፍነት ተወሳኺ ዘይኮነስ፡ መሰረት ናይ ሓደ ጸዋዕታ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄውንግ - ሲክ ገሊጾም፡ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ማለት ዲሞክራሲ ምትእትታው ማለት ዘይኮነስ ናይ ሓባር ሓላፍነት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ማለት ምዃኑ ወሲኾም የረጋግጹ።
ቅልውላው ተወፋይነት
እቶም ካርዲናል ብዛዕባ ምንካይ ቁጽሪ ካህናት ምስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ዘይኰነስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅልውላው ቀዋሚ ኣነባብራ ኣብ ዓለም ኣመልኪቶም፡ ኣብዛ ኣብ ግዝያዊ ርክብ እትምስርት ዓለም ነባሪ መብጽዓታት ምእታው ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር ቤተክርስትያን በቲ ህሉው ኵነታት ክትዓግብ የብላን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሱር ዝሰደደ መልእኽቲ ወንጌል ብዘይ ፍርህን ብዘይ ርእሰ ተወካስነት ዝእውጅ "ዘፍሪ ቅዲ ጉስነት" ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ እንክብሉ የስተብህሉ።
ብድሆ ማሕበራዊ መራኸብታት
እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብፍላይ ንሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ይህብ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ካህናት ኣብቲ ናይ ግሎም ማሕበራዊ መረብት ናይ ግሊ ገጻት ዘለዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰዓብቲ ዘለዎም እዮም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ መዳይ እዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ምግታእ ከም ዘድሊ የተሓሳስቡ። “ኩሉ ካህን ኣብነት ዮሓንስ መጥምቕ ስዒቡ ወትሩ ናብ ክርስቶስ እምበር ፈጺሙ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘመልክት ክኸውን የብሉን።” ኣብዚ ንነብስኻ ምልላይ መሰረታዊ መርሓ ግብሪ ዝተገብረሉ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ዓቢ ብድሆ እዩ። ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካህናት ነዚ መዳይ እዚ ኣብ መጻኢ ምስ ህንጸት ካህናት ብዝያዳ ክወሃህዶ እዩ፣ ምእንቲ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓውዲ “ጥበባዊ ህላወ” ንምስፋን፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።