ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነቶም ግዳያት ግጭት ካቦ ደልጋዶ ኣይንርስዓዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካቦ ደልጋዶ ኣብ ምድብ “ዝተረሰዑ ግጭታት” ክወድቕ ከም ዝኽእል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ዝስዕብ ቃለ መሕትት ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ምብጻሕ ሞዛምቢክ ምስ ተመልሱ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ የጒልሑ።
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዘካየድክምዎ ምብጻሕ እንታይ ክውንነት ከም ዘጋጠመኩም፡ እታ ሃገር (ሞዛምቢክ) እንታይ ጸገማት የጋጥማ ከም ዘሎ፡ እንታይ ዓይነት ምልክታት ተስፋ ከም ዝረኸብኩም ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ?
ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ሞዛምቢክ ዝገበርክዎ ዑደት ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ኣብታ ሃገር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘሕደረለይ ስምዒታት ሓጐስን መሊሰ ንኽነብሮ ዝገበረኒ ምብጻሕ እዩ። ብርግጽ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብዙሕ ነገራት ተቐይሩ እዩ። እቲ ዘይተቐየረ ምዉቕ ኣቀባብላ ህዝቢ እዩ። እዚ ድማ ልቢ ሰብ ዝትንክፍ ናይ ኣፍሪቃ ጋሻ ናይ ምቕባል ባህሊ እዩ።
እቲ ጉዕዞ ሰለስተ ዕላማታት ዝነበሮ እዩ፡ ጽምብል መበል 30 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞዛምቢክን፤ ምዕጻው ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት፤ ከምኡ’ውን ዑደት ኣብ ካቦ ደልጋዶ እዩ። ናይ 30 ዓመት ክሌኣዊ ዝምድና ዝኽሪ ዕለት 5 ታሕሳስ ማፑቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ህላወ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሞዛምቢክ፡ ዳኒኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ፡ ፕረዚደንት ነበር ጆኣኪም ቺሳኖን ወከልቲ መንግስትን ናይ ተቓወመቲ ፖለቲካን ከም እተሳተፉን እቲ ህሞት ድማ ሞዛምቢክ ሰላም ከምዘድልያ ክዝክር ዕድል ዝፈጠረለይ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ስዒቡ ዘጋጠመ ከቢድ ማሕበራዊ ናዕብን ዓመጽን እዋን እታ ሃገር ናብ ህድኣት ተመሊሳ ኣላ። ይኹን’ምበር ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንምድልዳልን ትካላዊ ጽገናታት ንምድንፋዕን መስርሕ “ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ” ተጀሚሩ ኣሎ። ዕዉት ክኸውን ተስፋ እገብር፣ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዝቖሙን ንመንእሰያት እውን ተስፋ ንምሃብ፣ ኣብ መዛዘሚ ቅዳሴ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ናይቶ መንእሰያት ኒሕ ከስተማቕር ዝኸኣልኩሉ ዝተባርከ ህሞት እዩ ነይሩ።
ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ፡ ግዳያት ናይቲ ካብ 2017 ጀሚሩ ንሰሜናዊ ሞዛምቢክ ዝጸለወ ጅሃዳዊ ናዕቢ ምኽንያት ዝተመዛበሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቐረባ ክትበጽሑ ኪኢልኩም ኢኹም። እንታይ ኩነታት ረኺብኩም፡ ኣብ ከመይ ኩነታትከ ይነብሩ ኣለዉ?
ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ኣቦናን ብጅሃዳዊ ግብረሽበራዊ ዓመጽ ዝሳቐ ህዝቢ ዘለዎም ቅርበትን ጭቡጥ ደገፍን ንምግላጽ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዕደት ገይረ። እቲ ካብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት 2023 ጀሚሩ ኣብ መላእ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዝሰፈሐ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዞባታት ናምፑላን ኒያሳን እውን በጺሑ ኣሎ። ዕለት 6 መስከረም 2022 ኢጣልያዊት ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ደናግል እናቴ ማርያ ደ ኮፒ ኣብ ተልእኾ ቺፐነ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ናካላን ዞባ ናምፑላን ከም እተቐተላ እውን ብምዝኽካር። እዚ ግጭት ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ተመዛበልቲ ኣስዒቡ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ኣስታት 765,000 ከም ዝኾኑ ይግመት። ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሓያሎ መዓስከራት ተመዛበልቲ ኣለዉ። ገለ ተመዛበልቲ ብናይቲ ከባቢ ኣባይቲ ስድራ ዝተኣንገዱ ኣለዉ። ዕለት 9 ታሕሳስ ናብቲ ኣስታት 3,700 ህጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣስታት 9,200 ሰባት ዘአንግድ መዓስከር ተመዛበልቲ ናሚናዌ በጺሐ። ብሓቂ ኣጸጋሚ ኩነታት እዮም ዝነብሩ። ገለ ትካላት ግብረ ሰናይ ደገፍ ዝገብራ እኳ እንተኾነ: ብሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒት፡ ዋላ እውን ብሕጽረት ዝስተ ማይ ይሳቐዩ። እዚ ከይኣክል፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ቺዶ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ኣዕንዩ እዩ።
ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ህጻናት፡ ከምቶም ኣብ መላእ ዞባ ፋሕ ኢሎም ኣብ ካልኦት መዓስከራት ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት፡ እኹል ትምህርቲ ስለዘይብሎም መጻኢኦም ናይ ምኽሳር ሓደጋ የጋጥሞም ኣሎ። መንእሰያት ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝተዓጸዉ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም፣ ምኽንያቱ ብዘይ መጓዓዝያ ኣብ ቀረባ ከተማታት ንኣሽቱ ስራሕ ንምርካብ ክወጹ ስለዘይክእሉ። ኣዝዩ መሪር ተመክሮ እዩ። ብዙሕ መከራን ብዙሕ ሓዘንን ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታትን ካብቶም ተመዛበልቲ ውጅህታት ኣስተውዒለ።
ካብታ ምስ ታንዛንያ እትዳወብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ፡ እቲ ግጭት ናብ ደቡብ ገጹ ብምኻድ ንዞባ ናምፑላ እውን ይጸልዎ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝሃደሙን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 330 ሽሕ በጹሑ ኣሎ። እቶም ሃይማኖት እስልምና ዘይቅበሉ ከም ዝቕተሉ እዩ ዝንገር ዘሎ። ጠንቂ ናይዚ መዓት እንታይ እዩ?
ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባ ካቦ ደልጋዶ ቅድሚ 2017 ምልክታታት ኣኽራርነት ክቕልቀል ከም ዝጀመረን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ንጥፈታት ገለ ካብ ታንዛንያ ዝመጹ ወይ በታ ሃገር ዝሓልፉ እስላማውያን እዩ። እቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝጀመረ ዓመጽ ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ እናገደደ እዩ ዘሎ። እቶም ብቐንዱ ብመንእሰያትን ገና በጽሕታትን ዝቖሙን ምስ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዒሽ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ትሕቲ ኣህሉ ሱና ዋ ጃማ (ASWJ) ዝተጠርነፉን ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ብጅሃዳዊ ስነ - ሓሳብ ዝተደፋፍኡን ካሊፋት ንምቛም ዝሓልሙን እዮም። ቅትለት ክርስትያን ዝምልከት ክፋላት ነይሩ እዩ፡ ኣሎውን።
ሱር ጠንቂ ናይቲ ግጭት ብዙሕን ዝተሓላለኸን እኳ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ሃይማኖት ብገለ ሰባት ይምዝመዝ ከምዘሎ ክንርስዕ ዘይከኣል እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝብሎ ዘለኹ ንዘመናት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብፍላይ ድማ ክርስትናን ምስልምናን ኣብ ሞዛምቢክ ብሰላምን ብስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሓባር ስለዝነበሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ካቦ ደልጋዶ፡ ኣሸበርቲ ንመንእሰያት ንምስሓብ፡ ድኽነት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዝርአ ረብሓ ዘየምጽእ ሰፊሕ ጸጋታት ከባቢ ብምምዝማዝ፡ ብሄራውን ፖለቲካውን ወጥሪን ካልእን ይጓሃህሩ።
ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዝበዝሐ ህዝቢ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና እዩ፡ ሃይማኖት ምምዝማዝ ዝቃወሙ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጡ ግን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጅሃዳዊ ምንቅስቓስ ሓልዮት ዘለዎ ይመስል። መሳጊድ በብቑሩብ ናብ መስርሕ ኣኽራርነት ይቕየራ ኣለዋ። እቲ ህዝቢ ብፍላይ ክርስትያን ከምኡ’ውን ማእከላይ ደረጃ ዘለዎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ፍርሕን ቃንዛን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ገለ ካቶሊካውያን ምእመናንና ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ኣይክሕድን ስለ ዝበሉ ተቐቲሎም እዮም።
ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ንምሕጋዝ እንታይ ትገብር ኣላ?
ካብ ሃገረ ስብከት ፐምባ (ካቦ ደልጋዶ) ዝመጹ ሰራሕተይናታት ጉስነት ዝሃብዎ ምስክርነት ኣዝዩ ተንኪፉኒ። ገሊኦም ካህናት ካብ ሰበኻታቶም ክወጹ ተገዲዶም፡ “ተመዛበልቲ ጓሶት” ኰይኖም መጓሰኦም ኣብ ምስናይ ይቕጽሉ ኣለዉ። ኣብ ዘይውሕስነት ዝነብሩ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ኣብ ክንዲ ዝሃድሙ፡ ነቶም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከብ ኣማዕጾኦም ከፊቶም ኣብ ምንጋድ ይርከቡ። ቤተ ክርስቲያን እቲ ከባቢ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣይገደፈቶን፣ በዚ ምስክርነት እዚ ድማ ካብ ልቢ ኣመስጊነ እየ።
ብሰንኪ እቲ ኩነታት ዝፍጠሩ ብዙሓት ህጹጽ ኩነታት ንምፍታሕ ሰፊሕ ሰብኣዊ ስጉምትታት እውን ይካየድ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለታት በርገሳውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር ተመዛበልቲ ዘድልዮም ነገራት ማለት መግቢ፡ ክዳውንትን ውሑስ መጽለልን ንኽረኽቡ ትገብር። ጭቡጥን ስሉጥን ኣገልግሎት ኣብ ሃገረ ስብከት ፐምባ ዝርከብ ብካሪታስ ዝጽዋኦ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሞሳን ደገፍን ይግብኦ። ካብዚ ሓሊፉ ሰላምን ማሕበረ - ሃይማኖታዊ ስኒትን ንምስፋን ጻዕርታት ይግበር ኣሎ። ኣብ ፐምባ፡ ብሃገረ ስብከት ኣብ ዝተዳለወ ሓጺር ናይ ሓድሕድ ሃይማኖታት ኣኼባ ተሳቲፈ፡ ወከልቲ ኣስላምን ኣባላት ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተሳተፍሉ እውን እዩ ነይሩ።
እንታይ ክንገብር ንኽእል?
እቲ ቀዳማይ ነገር ነቶም ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይምርሳዕ እዩ። ሓቂ እዩ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ማሕበረሰብ ልምዓት ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC) ምስ ህላወ ሓይልታት ሩዋንዳ ተደሚሩ ኣብ ገለ ከተማታት ከም በዓል ፐምባን ፓልማን ዝተወሰነ ደረጃ ጸጥታ ክመልስ ዝኸኣለ ወተሃደራዊ ተልእኾ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዘሎ ግጭት’ውን ኣብ ምድብ “ዝተረስዑ ግርጭታት” ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከምዘለዎ ጦብላሕታ ኣለኒ።
በዚ መንጽር ኣብቲ ዑደት ብዙሕ ግዜ ዝበልክዎ እዩ፡ ከምኡ’ውን እዞም ቃላተይ፣ ነዚ ግጭት ብዝምልከት ዓለም ዝያዳ ኣቓልቦን ተሳትፎን ንኽህልዎ ኣበርክቶ ክገብር እትስፎ። ከም ክርስትያን መጠን “ቅልጽምና” ጸሎትን ሕውነታዊ ፍቕርን እዩ። ንዝተመዛበሉ ህዝቢ ካቦ ደልጋዶ ዝግበር ናይ ሓገዝ ንጥፈታት ምጽላይን ምድጋፍን በይኖም ክይስምዖም ጥራይ ዘይኮነስ ንዓና ንበዓል ልደት ጽቡቕ ጌርና እንነብረሉ መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ መስፍን ሰላም ነታ ፍቕርቲ መሬት ሞዛምቢክ ሰላም የውርደላ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።