ካርዲናል ፓሮሊን፡ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሙማን ህጻናት ኣብ እትቕበልሉ እዋን ይውለድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“እዚ ቤት ሕክምና እዚ ኣብ እዋን ልደት ጥራሕ ዘይኮነስ ወይ ከኣ "ህጻን ኢየሱስ" ስለዝተባህለ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ዝነኣሱ ኣብ እትቕበልሉ ግዜ ኢየሱስ ዝውለደሉ ስፍራ እዩ" እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንሰራሕተይናታትን ምሕደራዊ ኣካላትን ኣመሓደርትን ሕሙማትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ዕለት 23 ታሕሳስ ናብቲ ትካል ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታን ሰናይ ትምኒትን አቕርበልኩም” ከም ዝበሉን፡ ነቶም ሓኻይምን ኣለይቲ ህሙማንን ወለንተይናታትን ሕሙማትን ኣባይቲ ስድራን ኣባላት ቤት ምሕደራ ናይቲ ቤት ሕክምናን ኣባላት ማሕበር ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ከምኡ’ውን ኣብቲ ቤት ህክምና ዘገልግሉን ዘገልግላን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ከም እተራኸቡን ነቲ ቤት ሕክምና ብፍላይ ነቶም ኣብ ከቢድ ሕማም ንዝርከቡ ህጻናት እናተዘዋወሩ ከም ዝበጽሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብሉጽ ክንክንን ሰብኣዊ ሸነኽን
ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ቤተ ጸሎት ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ሓደ ወላዲ ዝገበርዎ ዕላል ዝገልጽ ዛንታ ኣካፊሎም፡ ፍርቂ ሕውየት ብሰንኪ ሕክምናዊ ክንክን እቲ ፍርቂ ድማ ሃዋህው ስድራቤት፡ ቅርበትን ፍቕርን ዝውክል ምዃኑ ሓደ ኣቦ ናይ ሓደ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝርከብ ህጻን ዝበልዎም ብምዝካር፡ እዚ ትምኒት ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ እዩ፡ ኣብ ክንክን ዘለዎ ብሉጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰብኣዊ ሸነኽ እውን ዘለዎ ዓብዪ ተወፋይነት የስተብህሉ።
ቀጺሎም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንሓደ ኢጣልያዊ ገጣሚ ጆቫኒ ፓፒኒ “ኢየሱስ ኣብ ልብና ክውለድ ከመይ ኢሉ እዩ ክኸውን ይኽእል?” እንክብል ንገዛእ ርእሱ ዘቕረቦ ሕቶ ጠቒሶም፡ “ዘይከኣል ኣይኮነን . . . ሓጐስ ከም ክህልው ወይ ስቓይ ናይ ሓደ ሰብ ከም ዝፎክስ ምስ ዝእተስተውዕል ኣብ ልብኻ መድሕን ይውለድ እሞ ተሓጎስ። በይንኻ ኣይኮንካን” እንክብል እቲ ገጣሚ ኢጣሊያዊ ንገዛእ ርእሶ ዝሃቦ መልሲ እውን ኣዘኻኺሮም፡ "ኣብ ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ እውን ከምኡ ኺበሃል ይከኣል እዩ ንቘልዑን ስድራ ቤታትን ቈላሕታ ኺግበረሎም ከሎ መዓልታዊ ዕዮኻ ኽትፍጽም ከለኻ ኢየሱስ ዳግም ይውለድ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።