ስነ ስርዓት ምዕጻው ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ማዕጾ ምስ ተዓጽወ እውን እቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘምጽኦ ናይ ምልዋጥን ተስፋን መንገዲ ይቕጽል። “ኣብዚ ንመዘከርታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝተወፈየ ክቡር ቦታ፡ ሓያል መቓልሕ ናይቲ ንቕዱስ ዓመት ምሉእ ዘሰነየ መንፈሳዊ ተግባር ንሰምዕ - ቢሎም ናይቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መርሕ ቃል ጠቒሶም፡ ተስፋ ኣየደናግርን እዩ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ’ቲ ፈለስቲ ሓላፍነት
በዚ ኸኣ ብቅዱስ ኣፍደገ ምሕላፍ “ናብ ዓለም ንምምላስ” ዕድመ ይኸውን፣ ነቲ ዝተቐበልናዮ ህያብ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ምንባርን ምምስካርን ይጠልብ፡ ውሽጣውን ጭቡጥን ዝኾነ ጉዕዞ እዩ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሩትነትን ብምልላይ፣ ንነብስኻ ንጻውዒት ጐይታ ብሓላፍነት ምሃብ ዝብል እውን ምዃኑ ኣጒሊሖም፡
ነፍሲ ወከፍ ነጋዲ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ነገር ተኣማንነት ዘለዎ ምስክር ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዝስከምን፡ “ትሑት ግን ከኣ ብርሃናዊ ምልክት ህላወ ኣምላኽ” ኣብዛ “ምግምማዕን ፍርሕን” እትልለ ዓለም ምዃን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ክፉት ማዕጾታት ልቢ
እዚ ቅዱሳን ዝወሰድዎ ጾር እዩ፣ ኣብ ታሪኽ ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ጸዋዕታን ሓላፍነትን እሙናት ኮይኖም፣ ህይወት ቅድስቲ ስድራ ቤት፡ ኢየሱስ፣ ማርያምን ዮሴፍን፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ዝዝከሩ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ተስፋ ምንባር: ብጽሞና ምዕያይ፣ “ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ህላወ ፍቓድ ኣምላኽ ምስማዕን ዝቖመ ተራ ህይወት ጭቡጥ ኣብነት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ስለዚ ድማ ክበርህ ዝኽእል፡ “ኣብ ጸልማት ከይተረፈ ዝጸንዕ” ምትእምማን ዝድገፍ ኣብነት ፍቕሪ። “ቅዱስ ኣፍደገ ክዕጾ እንከሎ፡ ኣፍደገ እምነትን ፍቕርንን ተስፋን ኣብ ልብና ክፉት ይኹን። ማዕጾ ተልእኾ ክፉት ይኸውን፡ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዘድልያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።