2025.12.04 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰላም ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ይጽውዑ 2025.12.04 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰላም ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ይጽውዑ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሰላም ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ይጽውዑ

ኣብ ቪየና ኣብ ዝተኻየደ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ምክልኻል ግጭት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዩክሬን ዳግማይ ናይ ሰላም ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋር፡ ብድሆታት ስደትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣገዳሲ ሓያል ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን  ዋና ጸሓፊ ሎሚ ዕለት 4 ታሕሳስ ኣብ ቪየና ባይቶ ሚኒስተራት ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ኣብ  መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ስምምዕ ሄልሲንኪ ምኽንያት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ከም እተሳተፉን እዚ ውድብ እዚ ካብ ኤውሮጳ፣ ማእከላይ ኤስያን ኣሜሪካን ዝመጻ ብጠቕላላ 57 ሃገራት ዝሓቁፍ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን ኣደ መንበር ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE)ን ኤሊና ቫልቶነን፡ ዘለዎ ቀንዲ ዕማም ምክልኻልን ምፍታሕን ግርጭታት ዝተሓደሰን ፈጠራውን ተወፋይነት ክግበረሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ኣብ መንጎ እተን 57 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝነበረ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክፉትነት፡ ዘተን ሓባራዊ ሓላፍነትን ክመልስ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ብዛዕባ ግጭት ዩክሬን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኤውሮጳ ምፍልላይ እናዓሞቐ፡ ምትእምማን እናነከየን እናተሓደሰ ዝኸይድ ግርጭታት ይረአ ምህላዉ ኣስተብሂሎም፡ ብፍላይ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዘተሓሳስቦም ብምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት ዳግማይ ሓቀይና ዘተ ክጅምሩ፡ ተጻብኦታት ደው ከብሉን ንፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ብቆራጽነት ክሰዓብ ዘለዎ ዘተ ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ዘተ ድኽመት ዘይኮነስ ኣድላዪ መንገዲ ዕርቅን ነባሪ ምርግጋእን ምዃኑ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምጽውዋርን

እቶም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ መላእ ዞባ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ - ሴማውነትን ንክርስትያን፣ ኣስላምን ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታትን ዝጸሉ ፍጻመታትን ኣጉሊሖም፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ናይ ጽልኢ ገበናት ንምምካት ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ዝሃቦ መምርሒ ብሓጎስ ተቐቢሎም፡ ንኹሉ ዓይነት ዘይምጽውዋር ምዕሩይ ኣቀራርባ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ብተወሳኺ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጊ ሄልሲንኪ ብግልጺ ዝተረጋገጸ እንኮ መሰረታዊ ናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ምጽውዋር ጥራይ ሓቀይና ናጽነት ከምዘይኮነ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስደት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ክብሪ ደቂ ሰባትን

ብዛዕባ ስደት፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ክብሪ ስደተይናታት፡ ተመዛበልትን ምሕላው ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓለዋን ትርጉም ዘለዎ ዕድላት ውህደትን ከምዝግብኦ ኣስተብሂሎም፡ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ (OSCE) ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ምዝመዛ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንኢዶም፡ ቅድስቲ መንበር ብዝተዋደደ ሃገራውን ኣህጉራውን ስጉምትታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኣሳሰሩ ተግባራት፣ እንኮላይ መተካእታ ኣደነት ንምጥፋእ ዝያዳ ተወፋይነት ክግበር ዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

05 Dec 2025, 15:15