ድለ

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕርቂ ካቶሊካዊትን ናይ ቅስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕርቂ ካቶሊካዊትን ናይ ቅስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን 

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕርቂ ካቶሊካዊትን ናይ ቅስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን

ዕለት 14 ታሕሳስ 1975 ኣብ ድሮ ምዝዛም ቅዱስ ዓመትን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ናይ ቍስንጥንያ ኤቕመናዊት ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ሓድሕዳዊ ኣዋጅ ውግዘት ምስራዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ንተወካሊ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ዘቍስጥንጥንያ ክብሪ ንምሃብ ብሃንደበት ናብ መሬት ተደፊኦም ይቕረታ ከም ዝሓተቱ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታት የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ናይ ብሕቲ ጸሓፊኦም ኣባ ፓስኳሌ ማቺ "ነቲ ክገብሮ ዝደሊ ሓግዘኒ እምበር ኣይትከልክለኒ . . . " ይብልዎ ከም ዝበልዎ ብምዝኽኻር፡ እዋኑ ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ድሮ ምዕጻው ቅድስቲ ዓመት 1975 እዩ ነይሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ድማ ዓስራይ ዓመት ናይቲ ኣብያተ - ክርስትያን ሮማን ቍስጥንጥንያን ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ነቲ ሓድሕዳዊ ኣዋጅ ምውግጋዝ ኣብ ዝሰረዛሉ ህሞት ዝበልዎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዲሚትርዮስ ቀዳማዊ ወኪሎም ንዝተረኽቡ ሜጥሮጶሊታን መሊቶን ብዓል ከለቄዶን ብሓባር ድሕሪ ዝፈጸምዎ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣብ ምዝዛም ጳውሎስ ሻድሻይ ካብቲ መሰውኢ ወሪዶም ናብ መሊቶን ቀሪቦም ብሃንደበት ከም ምልክት ይቕረታ ኣብ ቅድሚኦም ተምበርኪኾም ዘርኣይዎ ሓያል ምልክት ትሕትናን ይቕረታን ኣብ ታሪኽ ክልቲኤን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘይርሳዕብርቱዕ ምልክት ኮይኑ ይዝከር።

ሓያል ምልክት

ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ግሊ ጸሓፊ ኣባ ማቺ ድሕሪ እቲ ርክብን ጵውሎስ ሻድሻይ ዝፈጸመዎ ትእምርቲ ይቕረታ፦ ቅድሚ ምፍጻሞም ሓግዘኒ ደኣ እምበር ኣይትኸልክለኒ ከም ዝበሉኒ ብጀካይ ዝፈልጦ ካልእ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፣ ከመይሲ ኣብ ቅድሚ ልኡካን ናይ ቍስንጥንያ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓታሪያርክ ክፍጽምዎ ዝኾነ ተግባር ኣቐዲሞም እንክነግሩኒ ዝበሉኒ እዩ። ኵሉ ሰብ በቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝፈጸምዎ ምልክት ትሕት ኣዝዩ ድማ ተተንኪፉን፡ ስዒቡ ነዊሕን ልባዊ ጣቕዒት ድማ ቐሪቡ እዩ።"

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ብጥንቃቐ ዝወሰድዎ ውሳነ በቲ ክርስቶስ ኣእጋር ኣርድእቱ ዝሓጸበሉ ታሪኽ ዝተደረኸን ነቲ ኣብ 1439 ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ኣብ ዋዕላ ፍሎረንስ ኣእጋር ጳጳስ ኤውጀኒዩስ ራብዓይ ምስዓም ዝኣበይሉ ፍጻመታት ዘዘኻኽር እውን እዩ።

ኣብቲ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝሓበሩ ካርዲናል ጆን ዊለብራንድስ ጸኒሖም "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብነታውነቶም ብተግባር ዝግለጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ብተግባር ዝዛረቡ ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ። ብሕታዊ ትሕትና ጥራይ ኣይኰነን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ - ክርስትያን እተገብረ ዕርቂ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ፣ ነቲ ኣብ ፍሎረንስ እተሰማምዓሉ ግን ከኣ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ዕርቂ ዘረጋግጽ እዩ" እንክብሉ ተዘክሮኦም ከም ዘካፈሉ ቶርኒየሊ የጉልሑ።

ከምዚ ዝበለ ነገር ክገብር ዝኽእል ቅዱስ ጥራይ እዩ

ሜጥሮፖሊታን ሜሊቶን ድሒሩ ነቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝረኸብዎ ስዕመት እንዝክሩ፥ “ከምዚ ዝበለ ነገር ክገብር ዝኽእል ቅዱስ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ድማ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተሰኒዱ ኣሎ፡

ፓትርያርክ ዲሚትሪዮስን ቀዳማዊ ብወገኖም፡ “በዚ ምልክት እዚ ክቡርን ፍቑርን ሓውና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ጳውሎስ ሻድሻይ ንገዛእ ርእሶም ከይተረፈ ዘገረሙ፡ ንቤተክርስትያንን ንዓለምን ክርስትያን ጳጳስ እንታይ ምዃኑን ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣርእዮም - ልዕሊ ኹሉ ድማ ቀዳማይ ጳጳስ ክርስትና ንሓድነት ኣብያተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝሕግዝ ሓይሊ” ክኸውን ዝተጸውዐ ምዃኑ ዝምስክር ጭቡጥ ምልክት እዩ እንክብሉ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም የመላኽቱ።

ናብ ኢየሩሳሌም እናጠመተ

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝፈጸምዎ ክንርስዖ የብልናን። ክርስትያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊውንሓቢሮም ነቲ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ዝክሪ መበል 1700 ኣብ ኢዝኒክ ማለት ኣብ ጥንታዊት ኒቅያ ንምጽምባል ዘካየድዎ ርክብ ሒደት ሰሙናት ጥራይ እዩ ሓሊፉ። ኣብያተ - ክርስትያን ንኢዮቤል ናይ 2033ን መበገሲ እምነትና ንምዝካር ኢየሩሳሌም ምምላስ የማዕድዋ፡ ከምኡ እውን ነቲ ንጳጳስ ሮማ ዝተዋህበ ተልእኾ ኣገልግሎት ንሓድነት ዘይምዝንጋዕ እውን ማዕረ ማዕሪኡ ኣገዳሲ እዩ እንክብል ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ሓተታ ይዛዝም።

23 Dec 2025, 09:07