ድለ

ኣብ 2025 ልዕሊ 3 ሚልዮን ምእመናን ናብ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ 2025 ልዕሊ 3 ሚልዮን ምእመናን ናብ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም  (@Vatican Media)

ኣብ 2025 ልዕሊ 3 ሚልዮን ምእመናን ናብ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም

ጳጳሳዊ ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዘውጽኦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣብ ቫቲካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ዝመርሕዎ ስነ - ስርዓተ ቅዳሴን ከም ዝተሳተፉን ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ዳርጋ ሰለስተ ሚልዮን ምእመናን ቅዱስነቶም ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋእተ ቅዳሴ ከም እተሳተፉ የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2025 ዓ.ም. 3,176,620 ምእመናን ብጠቕላላ ኣብ ቫቲካን ኣብ ጳጳሳዊ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ተሳተፉን ናይ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ እንከመላኽት፣ እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ኣብ ዝቐረበ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ከምኡውን ኣብ ዝተኻየዱ ፍሉይ ርካባት ማለት ኣብ ናይ በዓላት መስዋዕተ ቅዳሴ፤ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝተረኽቡ ዘጠቓልል እዩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቫቲካን ብሰንኪ ሕማም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውሱን ቍጽሪ ፍጻመታት ተኻይዱ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ 262,820 ሰባት ናብ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝበጽሑን፣ 60,500 ኣብቲ እዋን ኣብ ሸሞንተ ሓፈሽዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፡ 10,320 ኣብ ፍሉያት ርክባናትን 62,000 ምእመናን ኣብ ጳጳሳዊ መስዋዕተ ቅዳሴታት ከም ዝሓበሩን 130,000 ድማ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዝተሳተፉ ምዃኖም ናይ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ቤት ምሕደራ ጸብጻብ የረጋግጽ።

ቁጽርታት ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ንደሓር 2,913,800 በጻሕቲ ከም እተመዝገቡን። ካብቶም ምእመናን 1,069,000 ኣብ 36 ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘሳተፉ ኮይኖም፡ 148,300 ኣብ ፍሉይ ርክባት ዝሓበሩ ምዃኖም ዘረጋገጸ ጸብጻብ ናይ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ቤት ምሕደራ፡ ብተወሳኺ 796,500 ሰባት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተሳተፉን፡ 900,000 ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝሓበሩን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራሕ ቅዱስነቶም ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር 250,000 ምእመናን ከም እተረኽቡን፡ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም. ጥራሕ ኣብ ክልቲኡ ማለት ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣስታት 200,000፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣስታት 295,000 ከም እተሳተፉን የረጋግጽ።

31 Dec 2025, 16:31