ድለ

“100 ትርኢታት ልደት ኣብ ቫቲካን” ዝብል ምርኢት ዕለት 8 ታሕሳስ ክኽፈት እዩ “100 ትርኢታት ልደት ኣብ ቫቲካን” ዝብል ምርኢት ዕለት 8 ታሕሳስ ክኽፈት እዩ  (Vatican Media)

“100 ትርኢታት ልደት ኣብ ቫቲካን” ዝብል ምርኢት ዕለት 8 ታሕሳስ ክኽፈት እዩ

ቫቲካን ከም ኣካል ናይቲ “ኢዮቤል ባህሊ እዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታታሊ መደብ ባህላዊ ፍጻሜታት መሰረት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ትርኢታት ልደት ዝሓዘ ምርኢት 8ይ ሕታም ክተመርቕ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ለኸ ምርኢት “100 ትርኢታት ልደት - ብዛዕባ ምውላድ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ዝመልክት ኣብ ቫቲካን” ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ ጀሚሩ መበል 8ይ ሕታም ክምረቕ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸጋማይ ዓምዲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ስነ - ስርዓት ምረቓ ትርኢታት ልደት ዕለት 8 ታሕሳስ ሰዓት 16 ድሕሪ ቀትሪ ክካየድ እዩ።

ኣካል ናይቲ “ኢዮቤል ባህሊ እዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታታሊ ምርኢት ባህላዊ ፍጻመታት፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዝመጹ ስነ - ጥበባውያን ዝተሰርሑ ስእልታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም ብፈጠራዊ ስነ ጥበባዊ ክእለቶም ኣቢሎም ትርኢታት ልደት የቕርቡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተን ሓላፊ ውዳቤ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ምስ ካልኦት ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ኣባይቲ ጽሕፈት ኮይኖም ነቲ ምርኢት ክምረቕዎ እዮም። ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሜክሲኮ ልኡከ መንግስቲ ዝተዳለወ ናይ መክሲኮ ባህላዊ ምርኢት እውን ክቐርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንዘመናት ዝጸንሐ ጥንታዊ ባህሊ

ክሮኤሽያ፡ ሮማንያ፡ ፔሩ፡ ኤርትራን ታይዋንን ዝርከበኦ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ኣስታት 23 ሃገራት 132 ትርኢታት ልደት ክቐርባ ከም ዝኾና ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ሎሚ እደ ጥበባዊ ምህዞታት ብምጥቃም  ንማሕበረሰብ ኣመንቲ ብስነን ጥበባዊ ክእለት ምግልጋል ሓደ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዕማም ከም ዝኾነን፡  ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ባህልታትን ልምድታትን ህዝብታት ኣብ ሓደ ዘራኽብ መንፈሳውን ባህላውን ጉዕዞ ንኢዮቤል 2025 መግለጺ ዓቢይ ተወፋይነት እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ናይቲ መደብ መርሕ ቃል ድማ “100 ትርኢታት ልደት ኣብ ቫቲካን” ዝብል ኮይኑ ካብ ኢለት 8 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 8 ጥሪ 2026 ንበጻሕትን ነጋድያንን ክፉት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።

05 Dec 2025, 15:12