ድለ

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዋዕላ ራእየ ምስጢር፡ 'መንፈስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይንቀሳቐስ' ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዋዕላ ራእየ ምስጢር፡ 'መንፈስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይንቀሳቐስ' 

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዋዕላ ራእየ ምስጢር፡ 'መንፈስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይንቀሳቐስ'

ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ “ራእየ ምስጢራትን ራእየ ምስጢራውነትን ተርእዮታት ቅድስናን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ህላወ እግዚኣብሔር ዝገልጸሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ መገድታት የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መንፈስ ቅዱስ ናጻ ተግባር - ሓድሓደ ግዜ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝበሎ “ኣንጻር ተፈጥሮ”፡ ኣብ ዝደለዮ ቦታ የስተንፍስ - ንኹሉ ክፉት ብዝኾነ ምስጢር ይግለጽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎ ርክብ ብዕምቈት “ክነስተማቕሮ” የኽእለና፣ ሎሚ ድማ ኣብዛ “ንኣምላኽ ዘለዋ ተሃዋስነት” እናጠፍአት እትኸይድ ዘላ ዓለም ከም “መገዲ ፍወሳ” ኰይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ገለ ኻብቲ ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ብናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እተወደበ “ራእየ ምስጢርን ራእየ ምስጢራውነትን ተርዮታት ቅድስናን”  ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኮይኑ፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 10 ሕዳር ናይ ቅድስቲና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርሴሎ ሰሜራሮ ብዘስምዕዎ ናይ ቃል ሰላምታ ዝተጀመረ ከም ዝኾነን፡ ኣብዚ ካብ ዕለት 10 – 12 ሕዳር ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ዕለት 13 ሕዳር ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ይግለጽ

ኣብቲ ዕለት 11 ሕዳር ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንመመያ መልዕለተ ባህርያዊ ተርእዮታት ዝምልከት ዘሎ ስርዓታት ኣብሪሆም፣ እዞም ስርዓታት እዚኣቶም ኣብ ቀንዲ መትከላት እዮም ዝስረቱ። “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሙሉእ ናጽነት ይሰርሕ፡” ኣብ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ “ናጽነት መንፈስ ቅዱስ” ጽኑዕ እምነት ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክግለጽ ዝኽእልን፣ ዋላ ብልዕለ ባህርያዊ ፍጻመታት ከም ምግላጽ ወይ ራእይን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ተራ ተግባር፡ መጽናዕቲ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ብnihil obstat መገዲ ክኾልፍ ዝኽእል ነገር የሎን ብዝብል ኣገላልጻ እዩ ዝዛዘም፣ - እዚ ድማ ብዛዕባ መልእልተ ባህርያዊ መበገሲ ናይቲ ተርእዮ እወታውን ኣሉታውን ውሳኔ ከይሃበ ንህዝባዊ መንፈሳውነት ፍቓድ ይህብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት፡ ኣስታት 3,500 ፍጻመታት ብጽዕናን ቅድስናን ከምዝተጸንዐ ብጹዕነቶም ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መልእልተ ባህርያዊ መበቆል ዘለዎም ኣዋጃት ጥራይ እዮም ዝወጹ፣ እዚ ድማ ከምዚ ዓይነት ወግዓዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ የርእዩ። ወሲኾም፡ ሓደ ተርእዮ መለኮታዊ መበቈል ከም ዘለዎ ምስ ተኣወጀ፡ መልእኽታቱ ከም “ዝተገልጸ ቃል” ገርካ ናይ ምውሳድ ሓደጋ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመላኺቶም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ንሓቅነት ምሉእ ብምሉእ ርግጸይና ምዃኑ ውሕስነት ኣይህብን እዩ። ቤተ-ክርስትያን ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበትሉ ጕዳያት እውን ከይተረፈ ምእመናን ክኣምንዎ ወይ ከይኣምንዎ ናጻ ዝዀኑ "ብሕታዊ ራእይታት" ኢዩ።

ስለዚ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን “ጥንቍቕ ባህሪ ኣለዎ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እውን ኣድላዪ ኣይኰነን ብዙሓት መግለጺታት ብዘይ ወግዓዊ ተፈላጥነት መካነ ንግደታትን መንፈሳዊ ፍረታትን ኣፍርዮም እዮም።

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር መዐቀኒታት ሓደ ተርእዮ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክገብሮ ኣብ ዘኽእል ስፍሓት ቅድሚ ምብጽሑ "ጥንቃቐ ዝመልኦ መደምደምታ" ክውሰድ ይሕግዝ፡ ገሊኡ ጕዳያት ኣብቲ ከባቢ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ፣ ገሊኡ ኸኣ ብጥንቃቐ መመያ ዘድልዮ፡ ሕንፍሽፍሽ ወይ ሓደጋታት ኪለዓል ከሎ ብቐጥታ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኺሳተፍ ከም ዚሓትት የረጋግጹ።

ቫውቸዝ : ራእየ ምስጢራውነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ዘመን

ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኤክስ - ናንተር ናይ ታሪኽ ክርስትና ማእከላይ ዘመን መምህር ኣንድሬ ቫውቸዝ፡ “ራእየ ምስጢራትን ቅድስናን ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ ኣብ መወዳእታ ማእከላይ ዘመን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፡ ካብ መወዳእታ መበል 12 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ራእየ ምስጢር “እንስትነትን ዓለማውነትን” ዝብል ድርብ መስርሕ ከም ዘሕለፈ ገሊጹ፣ ሓድሓደ ግዜ ንቤተ ክርስቲያን ጥርጡር ዝመስል ውልቃዊ ተመክሮ ከም ዝኾነን፣ “ክሳዕ ክንደይ ኣገልግሎት ክህነት ነቶም ከምዚ ዝበለ ጸጋ ዝረኸቡ ኣድላዪ ወይ ግድን ኣይኮነን።”

ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ተመርክሮ ራእየ ምስጢራውነት ከም ሓደ ዓይነት “መዕቆቢ” ነተን ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ላቲን ዘይፈልጣን ተመኩሮአን ንካህናት ኣብ ምእዛዝ ጥራሕ ዝተሓጸራ ደቂ ኣንስትዮ ጌሮም ተርጒይሞሞ ይርአ። ካብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ግን፡ ገሊአን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ፍራንቸስካውያንን ዶሚኒካውያንን፡ ደቂ ኣንስትዮ “ብግዝያዊ ስክፍታታት ወይ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ” ስለ ዘይጽቀጣ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ምስጢራት እምነት ብዕምቈት ንኽርድኣ ዝድርኸን ምንባረን ይግለጽ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ መበል 14 ዘመን እቲ ዅነታት ዝያዳ ከም ዝማዕበለን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባኖ ሓምሻይን ጎርጎርዮስ መበል 11ን ዝርከብዎም ብዙሓት ክርስትያን፡ ከም በዓል ቅድስቲ ብሪጅት በዓልቲ ሽወደን፡ ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ቅድስቲ ዶሮተያ ብዓልቲ ሞንታውን ዝኣመሰላ ብዝተቐበሎኦ ራእይን ትንቢትን “ኣብ እዋን ፈተናን ቅልውላውን” ንቤተ ክርስቲያን ክድግፋ ከም ዝኽእላ ተገንዚቦም እዮም።

ኣባ ቦሊስ፡ ራእየ ምስጢር ከም መለኮታዊ 'ህያብ'

ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ናይ ስነ መፍነሳውነት ታሪኽን ቲዮሎጊያ ስነ መንፈሳውነትን መምህር ኣባ ሉካ ኤዚዮ ቦሊስ፡ “ራእየ ምስጢርን ቲዮሎጊያን: ዝተሓላለኸን ፍረ ዘለዎን ዝምድና” ብዝብል ኣእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን መርትዖን ዘሎ ሰፊሕ ወጥሪ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ እምነት ብዓይኒ መርትዖ ኣብ ወሰን ክሕደግ ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም፣ ከምዚ ዓይነት ምፍልላይ ንመርትዖን ንእምነትን የድክይ። ቲዮሎጊያ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክርስቲያናዊ ግልጸት ዘለዎ ኣረኣእያ ረቂቕን ተሪርብ ክኸውን ኣንከሎ፡ መንፈሳዊ ተመክሮ ድማ ንሓደጋ “ዝንባለ ባዕላውነት” ተቓሊዑ እዩ።

ሎሚ፡ ድሕሪ ናይ ዘመናት ጥርጣረ፡ ራእየ ምስጢራውነት መሊሱ ዋጋ ይወሃቦ ኣሎ - ከም ሓደ “መገዲ ፍወሳ” - ብፍላይ ኣብዚ “ተሃዋስነት ንኣምላኽ” ኣብ ዝነከየሉ ዘመን። ራእየ ምስጢራውነት ዘይርትዓውነት፡ ምስ እምነት ስሒር፡ ምስ ኣጉል እምነት፡ ማዕረ ከም ዘይኰነ ኣስሚሩ፣ እንታይ ደኣ መለኮታዊ ውህበት፡ ፍረ ጸጋ እምበር ብተግባራውነት ክትረኽቦ ዝከኣል ነገር ኣይኮነን፡ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Nov 2025, 15:36