ወቕታዊ ጸብጻባት ጕጅለታት መጽናዕቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ቀሪቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብዕለት 17 ሕዳር 2025 ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ካብተን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2024 ዝቘማ ዓሰርተ ጕጅለታት መጽናዕቲ ወቕታዊ ጸብጻባት ኣሕቲሙ ይርከብ። እዞም ደድሕቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝተመስረቱ ጕጅለታት መጽናዕቲ ካብ መስርሕ ሲኖዳውነት ንእበገሱ ኣገደስቲ ጕዳያት ናይ ምጽናዕ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ክሰርሑ ጸንሑ ኢዮም። ተልእኾኦም ድማ ምስ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብቐረባ ምትሕብባር ኢዮም ከካይዱ ዝጸንሑ፣ እቲ እዞም ጕጅለታት ዘቕረብዎ ሓሳባትን ጽሑፋትን ድማ ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ተወሳኺ ግዜ ስለ ዜድልዮም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ድሕሪ ምንዋሕ ክሳዕ ዕለት 31 ታሕሳስ 2025 መጽናዕቶም ብምቕጻል ጸብጻባቶም ከቕርቡ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብ ወቕታዊ ጸብጻብ ጕጅለታት መጽናዕቲ ጐሊሑ ዚርአ ነጥብታት
ርክባት ምስ ምብራቓዉያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን፦ ጕጅለ መጽናዕቲ 1፣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምኻን፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ምእመናን ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስትያንን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንምብራሥራቓዊ ሕገ ቀኖና ከመሓይሽ ዝኽእል ምኽርን መጽናዕትን ኣካይዱ። ዕዮኦም ብሕቶታትን ሓሳባትን ካብ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ፓትርያርክታት ማእከላይ ምብራቕ እተመርኰሰ እዩ ዝነበረ።
ኣውያት ድኻታትን ምድርን፡ እዚ 2ይ ጉጅለ ካብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝመጹ ኣባላት ዝቖመ ጕጅለ ኮይኑ፣ ካብ እተፈላለያ መራኸቢታት ናይ ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያንን፣ ሃይማኖታዊ ትካላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ከምኡውን ንስንኩላን ዝድግፉ ኣካላት ሓሳባት ክእክብ ዝጸንሐ ኢዩ። ቀጻሊ ማሞም ድማ ምስቶም እተገለሉ ማሕበረሰባት ንጡፍ ተሳትፎ ዘጉልሕን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንኣከባብያውን ማሕበራውን ጕዳያት መፍትሔ ንምርካብ ዝዓዪ ዘሎ ኢዩ።
ተልእኾ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን፦ 3ይ ጕጅለ መጽናዕቲ ድማ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዲጂታላዊ መራኸቢ ብዙሓን ብምምርማር፣ ክኢላታት ስነ-መለኮት፣ ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን፣ ከምኡውን መንእሰያት ወንጌላዊ ተልእኾ መራኸቢ ብዙሓን ከማኽርን ሓሳባት ክእክብን ዝጸንሐ ኢዩ። "ቤተ-ክርስትያን ትሰምዓካ" ከም ዝተሰምየ ተበግሶታትን ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ዕቝባ ቘልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ምትሕብባር ውን ኣብ ዲጂታል ዓለም ዝካየድ ኣገልግሎት ስነ-ምግባራዊ ተሳትፎን ዕቝባን ዘለዎ ኣገዳስነት የጕልሕ።
ክህነታዊ ሥነ መዕበያ (Ratio Fundamentalis)፦ 4ይ ጉጅለ ነቲ ናይ 2016 ሰነድ ብዛዕባ ክህነታዊ ሥነ መእበያ ዘቕረቦ መምርሒታት ገምጊሙ ይርከብ፣ እዚ ኸኣ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ግዜኡ ዝሓለፎ እኳ እንተ ዀነ፣ ምእመናንን ደቂ ኣንስትዮንን ዘጠቓለለ ኣብ ህያው ተመክሮ ሱር ዝሰደደ ከምኡውን ከም ዲጂታላዊ ባህልን፣ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዝኣመሰሉ እዋናዊ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ ከም ዘድሊ ሓሳባት ኣቕሪቡ ይርከብ።
ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን፦ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ 5ይ ጕጅለ ብምትሕብባር ብዛዕባ ተሳትፎን መሪሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣሰናድዩ ይርከብ ኣሎ። ካብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እተዋህበ ኣበርክቶን፣ ሰፊሕ ምስክርነት ዝሓዘ መመላእታ ጽሑፋትን ድማ ነዚ ዕዮ እዚ ኣሃብቲምዎ ይርከብ። እቲ ተኣፋፊ ጕዳይ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣገልግሎት ዲቁና ክድያባ ዝብል ጕዳይ ናብ ዚምልከቶ ኮሚሽን መጽናዕቲ ተመሓላሊፉ ድማ ይርከብ።
ርክባት ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣቅላሲያውያን ተቕዋማትን፦ 6ይ ጕጅለ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባን ቀጥታዊ ተመክሮን ተመርኲሱ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ማሕበራት ሰብ ውፍይ ሕይወትን ከምኡ ውን ኣቅላሲያውያን ተቕዋማትን ዘሎ ርክብን ምትሕብባርን መርሚሩ ይርከብ። ምስ ማሕበራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ምስ ኣገደስቲ ላዕለዎ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምድሕብባር ድማ ናይ መወዳእታ ዘተ ይገብር ኣሎ።
መንነትን ኣገልግሎትን ጳጳሳት፦ 7ይ ጕጅለ ብወገኑ ደድሕሪ ሰፊሕ ዘተ ብዛዕባ ምርጫ ጳጳሳትን ሥነ መዕበያ ጕስነታዊ ልምድታትን መዐቀኒታት ገምጊሙ ድማ ይርከብ። ኣብ ህንጸት ህዝቢ ኣምላኽን፣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ተሳትፎን ሓያል ኣተኩሮን ብምግባር፣ ካብ ናይ ቤተ-ክርስትያንን ዓለማውን ናይ ምርጫ መስርሕ ሓድሽ ሜመያ ንምክያድ ገምጋማት ከቕርብ ይርከብ ኣሎ።
ግደ ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር፦ 8ይ ጕጅለ መጽናዕቲ ድማ ንኣገልግሎት ልኡኻት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስን ወንጌላዊ ተልእኾን ከጽንዕ ይርከብ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣቦታት መናብርቲ ጉባኤታት ካቶሊካውያን ጳጳሳትን፣ ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ከአ ሓሳባት ኣኪቡ መጽናዕቱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣትኵሮ ዝተገብረሉ መዳያት ሕጹያት ቅብኣተ ጵጵስና ምምራጽን ሥነ መዕበያ ምስልሳልን ቀጻሊ ደገፍ ምሃብን ከምኡውን ድሕሪ ጡረታ ዘሎ ክንክን ኣብ ዜጠቓልል ኣርእስትታት ይዓምም ኣሎ።
ኣከራኻሪ ሰረተ-እምነታውን ጉድነታውን ጕዳያት፦ 9ይ ጉጅለ ብወገኑ ከም መውስቦ ሓደኣዊ ጾታ፣ ዓመጻ ምውጋድ ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጻ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ዘኽእሉ መንገድታት ኣብ ምንዳይ ይርከብ፣ ኣብ ክንዲ ኣድማሳዊ መፍትሒታት፣ መወከሲታት መዐቀኒታት ንምቕራብ ከምኡውን ኣብ እንግዶትን ሓላፍነትን እተመስረተ "መሰረታዊ ሥርዓተ ጓሶነት" ንምድንፋዕ ዕላማ ዝገብረ ድማ ኢዩ።
ኢቍመናዊ ጕእዞ ሕብረት ክርስቲያን፦ 10ይ ጕጅለ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሲኖዶውነትን ክርስትያናዊ ሓድነትን ዘሎ ምትእስሳር ብምምርማር ምስ ኢቁመናውያን ማሕበራትን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ድማ ዘተታት የካየድ ኣሎ። ዕላማኡ ንሓድነት ኣብያተ-ክርስትያን ንምድልዳልን ኢቁመናዊ ምንቅስቓሳት ንምድንፋዕን ግብራዊ መምርሒ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ።
ፍሉይ ኣርእስትታትን ተወሳኺ ኣበርክቶታትን
ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ሲኖዶዊ ርድኢት፦ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾን ሥርዓተ ምስጢራትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተሓጊዙ ሓደ ሓድሽ ጕጅለ መጽናዕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተክርስታንን ዘሎ ምትእስሳር የስተንትን፣ ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሊጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ ዘለወን ግደ ኣብ ምጕላሕ ዘተኰረ ድማ እዩ።
ኮሚሽን ሕጊ ቀኖና፦ እዚ ኮሚሽን እዚ ምስ ምእመናን ደቲ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሳትፎ ዝመልኦ መዋቕር ንዝተሓሓዝ ጕዳያት ንምፍታሕ መጽናዕታት የካይድ ኣሎ፣ ኣብ ቀኖናዊ ሕግታት ቤተክርስትያን ክመሓየሽ ዚኽእል ምትዕርራይ ንምግባር ድማ ጻዕርታት ከካይድ ይርከብ ኣሎ።
ብዝሓ መውስቦ፦ ጕጅለ ምንቅስቓስ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣፍሪቃውያ ምስሪ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ምንበር ብምትሕብባር መጽናዕትታት ብምክያድ ጕስነታውን ሥነ መለኮታውን መምርሒታት ብዛዕባ ብዛሓ መውስቦ ከማዕብል ይርከብ ኣሎ።
ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝቕጽ ስጕምትታትን
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ 2025 ጸብጻባቶም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎ እኳ እንተ ነበረ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ክሳዕ ዕለት 31 ታሕሳስ 2025 ክጸንሕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተፈቕደሉ ምንዋሕን ከምኡውን ድሕሪኡ ብዝተኸስቱ ተወሳኺ መጽናዕቲ ዘድልዮም ጉዳያት ምንባሩ ውን ተገሊጹ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ከም ዘመልከትዎ፣ ገሊአን ጕጅለታት ናብ ምዝዛም ገጸን ገሪበን እኳ እንተሃለዋ፣ ካልኦት ግን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዕዮኦም ክቕጽላ ምዃነን ገሊጾም።
እዚ ዝተዋህበ ወቕታዊ ጸብጻባት ምቕራብ ድማ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ናብ ዝዓበየ ሲኖዶሳዊ ግልጽነትን ምስ እዋናዊ ጕዳያት እትገብሮ ዘላ ተሳትፎን ጕዕዞን ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ የመላኽቱ። እቲ ናይ መወዳእታ ሰነዳት ንመጻኢ ውሳኔታትን ሓበሬታን ክህብን፣ ኣብ ውሽጢ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዓሚቝ ምትሕብባር ከማዕብልን ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ ውን ገሊጾም።