ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምዕቃብ ሰላም ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስርሒታት ዓቃቢ ሰላም "ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምክልኻል" ዓቕሚ ክህልዎምን ዘይነጻጸል ኣካል ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ልምዓታውን ውጥም ክኸውን ኣለዎ። ዓቃቢ ሰላም ናይ ሓባር ሓላፍነት ኮይኑ፡ እቶም ሰላም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎም ድማ "ነቶም ዝፍጠሩ ብድሆታት ንምፍታሕ ዘድልዩ ጸጋታት" ክጽበዩ ክኽእሉ ኣለዎም” ነዚ ዝበሉ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ሰሉስ ዕለት 11 ሕዳር ራብዓይ ሽማግለ ንስርሒታት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ስክፍታ
ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝፍጸም፡ ቁጽሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲ "ከቢድ ስክፍታ ዝፈጥር'ዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝጠፍአ ህይወት ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ውጥረት ዘሎ ከባቢታት ዘገልግሉ ሰባት ዘጋጥሞም ሓደጋታት ዘዘኻኽርን ድሕነቶም ንምርግጋጽ ዘለዎም ሓባራዊ ግዴታን ብጽኑዕ ዘርእይ እዩ።" ካብዚ እዩ ድማ ቅድስቲ መንበር ንኹሎም ኣባላት ዓቃቢ ሰላም "ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ህይወቶም ዝሰኣኑ" ክብሪ ትህቦም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰላም ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት
ስርሒታት ዓቃብ ሰላም፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑን ካብ ግጭት ዝወጹ ማሕበረሰባት ንምድጋፍን ዘለዎ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ" ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮም፡ እዞም ተግባራት እዚኦም "ሰላም ምድላይ ናይ ሓባር ሓላፍነት ምዃኑ" ከምኡ'ውን "ኣብ ምርግጋእ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ምክልኻል ሰላማውያን ንምርግጋጽን ፖለቲካዊ ምስግጋርን ዘለዎ እንታዊ ጽልዋ ዘይከሓድን ዳግማይ ደገፍ ዝግብኦን ምዃኑን" ከም መዘኻኸሪ ኮይኖም የገልግሉ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።
ኣብ ህይወት ዓቃብ ሰላምን ሲቪላትን ዘስዕቦ ሓደጋታት
ዓወታትን ውድቀትን ምስ ግዜ ንዝካየድ ስርሒታት ዓቃቢ ሰላም መለለዪ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ዋላ እኳ ርኡይ ምዕባለታት እንተሃለወ "ናይ ሎሚ ተልእኾታት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ዝተሓላለኸ ኩነታት እዮም ዝሰርሑ - ቢሎም - "ዝርጋሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ግጉይ ሓበሬታን፡ ዞባውን ስግረ - ሃገራውን ስግኣታት፡ ከምኡ'ውን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ህላወ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዕጡቓት ተዋሳእቲ፡ ነቲ ዓቃቢ ሰላም ዝሰርሑሉ ሃዋህው ይቕይሮ ኣሎ"፡ ህይወቶም ኰነ ህይወት ሰላማውያን ሰባት እውን "ብምኽንያት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሽ እደ ጥበብ" እንደገና "መንግስታዊ ዘይኰኑ ተዋሳእቲ" ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጻውዒት
ኣብ መደምደምታ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ "ነቲ ኣጽዋር ስቕ ክብል" ከምኡ'ውን ሃገራት ከኣ "መጻኢአን ብዓመጽን ደማዊ ግጭትን ዘይኰነስ ብግብሪ ሰላም" ክቐርጻ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ እዚ ሓያል ጻውዒት እዚ ንደቂ ሰብ "ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ንብዝሓ ጎናዊ ምትሕብባርን ዘለዎም ተዋፍይነት ንኽደልድሉ ከምኡውን ሰላም ሱር ዝሰደደን ነባርን ምእንቲ ኪኸውን ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምዕቋብ" ኬተባብዖም ተስፋ እገብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።