2025.11.13 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ፖምፐይ፡ "ከተማ ተስፋን ጸሎትን ምሕረትን" 2025.11.13 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ፖምፐይ፡ "ከተማ ተስፋን ጸሎትን ምሕረትን" 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ፖምፐይ፡ "ከተማ ተስፋን ጸሎትን ምሕረትን"

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ጳጳሳዊ ልኡኽ ዕለት 13 ሕዳር ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ኣብዚ ዅሉ ነገር ብውጽኢታውን ፋይዳውነት ዝምዘነሉ መዋእል ድንግል ማርያም ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንእውጅ ዚድርኸናን ኣቓልቦና ካብ ድሌት ብጻይና ዘየብኩረና "ብዛዕባ ንኻልኦት ንኸነገልግል ዝድርኽ ታህዋኽ ልቢ" ብቓልን ተግባርን ትምህረና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማርያማዊ መካነ ንግደት ፖምፐይ ነቲ ንመበል 150 ዓመት ኣብቲ ቦታ ዝተነብረ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዕለት 13 ሕዳር ከም ጳጳሳዊ ልኡኽ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፡ ነቲ በዓል - ኢዮቤል ኣብ ውሽጢ ኢዮቤል እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕለት 19 ጥቅምቲ ንመስራትን ገባሬ ሰናይን መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ፖምፐይ፡ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2015 ዓ.ም. ኣዋጅ ቅድስናኡ ከም እተበዓለ ኣዘኻኽሮም፡ ዝኽሪ መበል 150 ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ዝማርኽ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅርበትን ጸሎትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ቅድሚ እቲ ስነ ስርዓት ቅድሴ ኣብ ውሽጢ እቲ መቕደስ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቅሪት ቅዱስ ባርቶሎ ጎንጎ ስነ ስርዓት ጸሎት ከም ዝመርሑን ሊቀ ጳጳሳት ቶማሶ ካፑቶ ኣብ ፖምፐይ ህየንተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብርክት ዝበሉ ጳጳሳትን ካህናትን፡ በርገሳውያንን ወተሃደራውን ሰበስልጣን ከምኡ'ውን ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኢጣልያ ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ምእመናንን ነጋድያንን ከም ዝሓበሩን፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 “ቅርበቶምን ጸሎቶምን ዘረጋገጽሉ መልእኽቲ ከም እተመሓላለፈን ካርዲናል ፓሮሊን ቅርበትናን ጸሎትናን ንቅዱስ ኣቦና ከነረጋግጽ ኣንኮለና ኣብ መንጎና ከም ዘለዉ እዩ ዝስምዓና፡ ር.ሊ.ጳ. ንቤተ ክርስቲያን በቲ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ጥበብን ሓይልን ምእንቲ ክመርሕዋ፡ ንዕኦምን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ንሓለዋ ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ነማሕጽን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ለውሃትን ምሕጽንታን ማርያም

ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፡ መካነ ንግደት ፖፐይ "ንብዙሓት ናይ ጸሎትን ተስፋን ቤት" እዩ፡ "ብተመሳሳሊ ማርያም ንስድራቤት ኤልሳቤጥ ዘቕረበቶ ለውሃት እነስተማቕረሉ ቦታ፡ ማለት ጽሞና ዝመለኦ፡ ትኩር ህላወ፡ እምነትን ፍቕርን ዝመልአ" ቦታ እዩ። እንብነሮ ዘሎና ግዜ "ታህዋኽ ዝመልኦን ብመንጽር ንጡፍነትን ብቕዓትን ስሉጥነትን ውጽኢታውነትን ፋይዳውነት” ዝምዘን እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ምዝንባል ልቢ እዩ። እዚ ድማ ኣቓልቦ ካብ ሰባትን ድሌታቶምን ስቓዮምን ዘዘናብል ኮይኑ፡ ንታህዋኽ ናብ ምህዳም ይቕይሮ። "ካብ ምሕሳብ ንቑጠብ፡ ዓሚቕ ትርጉም ህይወት ኣብ ሕቶ ንኸይንእቱ ንጓየ። ሓደ ህዉኽን ርቡጽ ሕብረተሰብ፡ ብሓቂ፡ ነቲ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ዝምልከት ዓበይቲ ሕቶታት ብቐሊሉ ዕሽሽ ይብሎ . . . ታህዋኽ ልቢ" ንጥፈት ጥራይ ኣይኮነን። ድንግል ማርያም ናብ ጓል ሓውቦኣ ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ምጉያይ ብኣንጻሩ "ካብ ልቢ ዝተወልደ ውሽጣዊ ታህዋኽ ዓበይቲ ግብሪ ኣምላኽ ንምዝንታው ዓሚቕ ድሌት እዩ።" ንኻልኦት ነቲ ንመገዶም ዘብርህ ሓጎስ ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምክፋል ህጹጽነት፡ "ፍጹም ቀዳምነት፡ ስጋዊ ታህዋኽ ዘይኮነስ ናይ ነፍሲ ታህዋኽ - ቢሎም - ነዚ መሰረት ገይሮም፡ ምእመናን ነዚ ናይ ማርያም ዓይነት ምህዋኽ  ክትመስልዎ ሸበድበድ ዝመልኦ ዓይነት ህይወት ንኸይትነርቡ ትጸውዑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብርግጽ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ "ብርሃንን ሓቅን ትርጉምን" ንምድላይ "ዓሚቕ ውሽጣዊ ቅልውላው" ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ድንግል ማርያም "በቲ ናብ ኣምላኽ ዝወስድ ርግጸይና መንገዲ፡ ዓለም ከተቕርቦ ዘይትኽእል ሰላም" ረኺቡ፡ ብኡንብኡ "ጎይታ ቀረባ እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዘፍቅር፡ ኣብኡ እንሰእኖ ነገር ከም ዘየለ" ንኻልኦት ናይ ምእዋጅ ህጹጽነት ተሰሚዕዎ። ካብዚ "ሃውሪ ልቢ፡ "ከተማ ተስፋን ጸሎትን ምሕረትን"፡ ፖምፐይ ተወሊዳ ፡ ክቡር መወከሲትን "ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽን ጽዩፍን ግዜ" ከምቲ እንነብረሉ ዘለና እዋን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላክት።

ንጹህን ለጋስን ፍቕሪ ወንጌል

ኣብ መደምደምታ፡ ካርዲናል ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ንድንግል ማርያም ኣወኪፎም - "ምህዋኽ ከም ኣምላኽ ክትከብር ዘይኮነስ፡ ንወዳ ንምግልጋል እዩ፡ ናይ ለውሃትን ተወፋይነትን ንጹህን ልግሲ ዝመልኦ ፍቕርን ወንጌልን ንምርዳእ" ትሓግዘና - ቢሎም ጸሎተ ማርያም ፖፐይ ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ፖምፐይ፡ "ከተማ ተስፋን ጸሎትን ምሕረትን"
14 Nov 2025, 15:59