2025.04.07 Congrégation Mission Lazaristes Jubilé 2025.04.07 Congrégation Mission Lazaristes Jubilé  (Jeffrey Ortega)

'ብክርስቶስ ሓደ፣ ሓድነት ኣብ ሚስዮናዊ ተልእኾ'፣ ጭርሖ ዓለምለኻዊ ሰንበት ወንጌላዊ ተልእኾ 2026

ቅድስቲ መንበር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ወንጌላዊ ተልእኾ 2026 ዝመረጽዎ ፍረ ነገር ገሊጻ፣ "ብክርስቶስ ሓደ፣ ሓድነት ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ" ምዃኑ ውን ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ዓመተ 2026 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ዕለት፣ መበል 100 ዓመት ናይቲ ከም ሓሳባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 እተመስረተ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣስፍሖተ እምነት ዝዝከረሉ ዕለት ውን ክኸውን ኢዪ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ብክርስቶስ ሓደ፣ ሓድነት ኣብ ወንጌላዊ ተልኾ" ዝብል ቅዉም ሓሳብ፣ ጥርሖ ናይታ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፒዮስ መበል 11 እተመስረተ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣስፍሖተ እምነት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተመሪጹ ኣሎ።

ኣብታ ትውፊት ቤተክርስቲያን ንወንጌላዊ ተለኾ እተወፈየት ዕለት፣ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዕለት ወርሒ፣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዚቕጽል ዓለምለኻዊ መዓልቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ዝመረጽዎ ፍረ ነገር ንምእመናን ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብታ ኣብ ዓመተ 2026 ኣብ ዕለት 18 ጥቅምቲ እትውዕል ናይ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ ጥቅምቲ ኢዩ ክዝከር።

ምሕጽንታ ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ዓመት እዚ ንዓለምለኻዊ ሰንበት ወንጌላዊ ተልእኾ ንምድጋፍ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ፍረ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን፣ ኣብ ጸሎት ክትሓብሩ ፍሉይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ካህን፣ ጸኒሖም ኸኣ ኣብ ሃገረ ፔሩ ከም ሚስዮናዊ ጳጳስ ኰይኖም ዘሕለፍዎ ብሕታዊ ተመክሮ ብምዝካር፣ "እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሰንበት ዕለተ ወንጌላዊ ተልኾ እተራእየ እምነትን ጸሎትን ልግስን ኣመልኪቶም ንመላእ ማሕበረሰብ ብኸመይ ከም ዝቕይሮ ብዓይነይ ርእየዮ እየ" ክብሉ መስከሩ።

ንኹሉ ተበግሶታት ዝመርሕ መስመር

ፍረ ነገር ዓለምለኻዊ ሰንበት ወንጌላዊ ተልእኾ 2026 እቲ ቐዳማይ ክፋል፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘመነ ጵጵስናኦም ዝመረጽዎ ጭርሖ ዘዘኻኽር ኢዩ - "In Illo uno unum" (ኣብቲ ሓደ ክርስቶስ ኵልና ሓደ ኢና) - ነቲ ኣብ ሓድነት ክርስቶስ ምስ ኣቦ እተመስረተ፣ ናይቶም ሓድነት እምነት ዘለዎም ምእመናን ዘጕልሕን ከምኡውን ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሓባራዊ ተልእኾ ወንጌላውነት ዘጕልሕ ኢዩ።

እቲ ቐጺሉ ንዓለምለኻዊ ሰንበት ወንጌላዊ ተልእኾ 2026 ንምድላው ዝካየድ ዝቕጽል ስጕምቲ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ 2026 መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ምእዋጅ ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ብምሉኡ እዚ ኣገዳሲት ዓመት እዚ ኣብ መንጎ ዅሎም ምእመናን፣ መንፈስ ወንጌላዊት ተልእኾን ሓላፍነትን ንምምዕባል ዝዓለመ ብዙሕ ተበግሶታት ከም መምርሒ ኮይኑ ክቐርብ ኢዩ።

ኣብ ዓመተ 2026 ቤተ-ክርስትያን መበል 110 ዓመት ምምስራት ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ክትዝክር ኢያ፣ እዚ ከአ እቲ  ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "ነፍሲ ካልኦት ጳጳሳዉአም ማሕበራት ወንጌላዊ ተልእኾ" ቢሎም ዝገለጽዎ ምሕበር ኣስፍሖተ እምነት፡ ማሕበር ቅዱስ ኢየሱስ ህጻን፡ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያን፣ ዘጠቓልል ኢዩ። እዘን ኣርባዕተ ማሕበራት እዚኣተን ነፍሲ ወከፈን ናይ ገዛእ ርእሰን ተልእኾ ዘለወን ኮይነን፣ ኣብ መንጎ እቶም እተጠመቑ ሓላፍነት ወንጌላዊ ተልእኾ ንምድንፋዕን ንሓደስቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንምድጋፍን ዝዓያ ኢያተን።

04 Nov 2025, 14:27