ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ግልጸት ዶሱለ ‘መልዕልተ ባህርያዊ መበቆል የብሉን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ግልጸት ዶሱለ ‘መልዕልተ ባህርያዊ መበቆል የብሉን 

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ግልጸት ዶሱለ ‘መልዕልተ ባህርያዊ መበቆል የብሉን

ናይ ዓንቀአ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ብዝኸተምዎ ሰነድ ነቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ዶሱለ ፈረንሳ ተራእዩ ዝበሃል ግልጸት ናይ ሰበኻ ባየ - ሊዝየ ጳጳስ ዝሃብዎ ኣሉታዊ ርእይቶ ኣረጋጊጾም፡ “እቲ ግልጸት መልእልተ ባህርያዊ መበቆል ዘለዎ ኣይኮነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ዶሱለ ተራእዩ ዝበሃል ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተነብረ ዓቢይ መስቀል ንዝቐርቡ ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ድሕነትን ውሕስነት ዝህብ እዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ግልጸት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ፡ ብርግጽ መልእልተ - ባህርያዊ መበቈል ዘይብሉ እዩ” ዝብል ውሳኔ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ዝኸተምዎ፣ ናይ ባዮክስ - ሊሲዮ ጳጳስ ዣክ ሃበርት፡ ነቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ውሳኔ ክእውጅዎ ስልጣን ዝህብ ኮይኑ፣ እቲ ዕለት 3 ሕዳር ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝጸደቐ ውሳነ፡ ኢየሱስ ኣብ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶሱለ ካብ 1972 ክሳዕ 1978 ኣብ ዝነበረ እዋን 49 ሳዕ ንማድሊን ኦሞንት ዝስማ ኣደ "ክቡር መስቀል ዶሱለ" ተባሂሉ ዚጽዋዕ "ዓቢይ መስቀል ኪህነጽ ከም ዝሓተታ ዝንገረሉ፡ እቲ መስቀል ከም ምልክት ኵላዊ ድሕነት ካብ ርሑቕ ክርአ ድማ ስለ ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ኪበርህ እሞ ቍመቱ 738 ሜትሮ ኪበጽሕ 123 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኣእዳው ዘለዎ ክኸውን ዝብልን ትእዛዝ ግልጸት መሰረት ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዓለም "መስቀል ፍቕሪ" ብዝብል መጸውዕ ከም ዝተተኽለ እውን ይንገር።

ድሮ ኣብ ሚያዝያ 1983 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ዣን - ማሪ - ክለመንት ባድረ፡ “ኣሉታዊ ርእይቶ ዝሃቡሉን ድሓር እውን ዕለት 8 ታሕሳስ 1985 እቶም ጳጳስ እቲ ኣብ ዶሱለ ዝካየድ ዝነበረ - ንጥፈትን ምንቅስቓሳትን: ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ዝሰርሑ ሰባት: ብዘይ ትእዛዝን ኣኽብሮትን ዝዋስኡ ገንዘብ ምእካብ፤ [...] ነቲ ‘መልእኽቲ’ ዝድግፍ ጸንፈይና ዝርጋሐ መልእኽትታትን፤ - ኪኖ እዚ ዅሉ ተግባራት፡ ነቲ ዝንገር ዘሎ ‘ግልጸት’ ሓቀይና ምዃኑ ክእውጅ ነዚ ‘መልእኽቲ’ ንምዝርጋሕ ንቤተክርስትያን ዝተዋህበ ተልእኾ መሰረት ኣፍልጦ ዘይህብ ውሳኔ ከመሓላልፍ ብሕልናይ እምራሕ ኣለኹ” ከም ዝበሉ እውን እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ናይ ውሳኔ ሰነድ የዘኻኽር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመልእልተ ባህርያዊ ተርእዮታት ንምልላይ ብዝምልከት ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ እቶም ሕጂ ዘለዉ ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ሃበርት፡ እቲ ግልጸት “መልእልተ ባህርያዊ” ከም ዘይኮነ ንኽእውጁ ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ፍቓድ ሓቲቶም ከም ዝነበሩን፡ እቲ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስትዲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝተኸተመ ናይ ውሳኔ ሰነድ ናይቶም ጳጳስ ሓሳብ ተቐቢሉ:- እቲ ኣብ ዶሱለ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግልጸታት፣ ብውዱእ መንገዲ፣ መበቆሉ መልእልተ ባህርያዊ ከምዘይኮነ፣ ምስ ኩሉ ካብዚ ውሳነ ዝውሕዝ ሳዕቤናት ውሳኔ ክእውጅዎ ስልጣን ዝህቦም እዩ።

እቲ ደብዳበ ምስቲ ተርእዮ ዝተኣሳሰረ መልእኽትታት ሓያሎ ጸገም ዘለዎም ባእታታት የጉልሕ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ "እቲ ኣብ ዶሱለ እተሓትመ መስቀል ምስ መስቀል የሩሳሌም" ምንጽጻር ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ኸኣ "ነቲ ትእምርትን ምስጢርን ዜደናግር ከምኡውን እቲ ክርስቶስ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝፈጸሞ ነገራት ብኣካላዊ መዳይ "ኪባዛሕ" ወይ "ኪሕደስ" ይኽእል እዩ ዚብል ስምዒት ኪህልዎ ይኽእል እዩ" እንክብል የብርህ። ብተወሳኺ “ኣብቲ ዶሱለ ዝተባህለ መልእኽትታት ዝርከብ ገለ ቅጥዕታት ፡ ‘ክቡር መስቀል’ ከም ሓድሽ ምልክት፡ ንድሕነት ዓለም ኣድላዪ፡ ወይ ድማ ኣድማሳዊ ምሕረትን ሰላምን ንምርካብ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ መሳርሒ ጌሩ ክህነጽን ዝሓትት እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርጋሐ ክርስቶስ ባዕሉ ዝሃቦ ተልእኾ ገይሩ የቕርብ . . .  "እቲ ዝተገልጸ መስቀል ኣፍልጦ ንኽወሃቦ ብኸመይን ብምታይን ቁመቱ ናይቲ መስቀል ኣእዳው ንውሓቱን ተመልኪቱ እውን ኣሎ . . . ስለዚ “ዝኾነ ናይ ብሕታዊ ግልጸት ከም ኵላዊ ግዴታ ወይ ንሕልና ምእመናን ዝኣስር ምልክት ተገይሩ ክውሰድ ኣይክእልን እዩ፣ ዋላ’ውን መንፈሳዊ ፍረታት ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ከሰንዮ ዝኽእል እውን እንተኾነ። ቤተ ክርስቲያን ናብ ምልዋጥን ውፉይ ፍቕርን ዝመርሕ መግለጺ እምነት ከተተባብዕ እንኮላ፡ ኩሉ ዓይነት ‘ምልክት ብምኽባር’ ሰባት ንሓደ ንዋታዊ ነገር ከም ውሕስነት ድሕነት ክቖጽርዎ ካብ ዝመርሕ ኵሉ ተጠንቅቕ።”

መልእኽትታት ዶዙለ “እቶም ኣብ እግሪ ‘ክቡር መስቀል’ ንኽንስሑ ዝቐርቡ ዅሎም ክድሕኑ እዮም፡ ክቡር መስቀል’ ንዅሉ ሓጢኣት ከም ዜርሕቖ” ከምኡ’ውን ኵሎም እቶም “ክንስሑ ብእምነት ናብኡ ዝመጹ ኣብዛ ሕይወትን ንዘለኣለምን ከም ዝድሕኑ” ይገልጽ። ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መልእኽቲ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ምስቲ ብዛዕባ ድሕነትን ጸጋን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝምልከት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዘይቃዶ እዩ” ብምባል ኣጽኒዑ ይገልጽ።

ቀጺሉ እቲ መልእኽቲ ኣብቲ ግልጸት ዝተነብሩ ፍጻመታት ከምዘይተረጋገጸ እንክሕብር፡ ሓደ ካብ ከምዚ ድማ ንኣብነት፡ “ቅድሚ ምዝዛም ዓመተ ኢዮቤል 1975” ድሕሪኡ ካልኦት ክልተ መደበይና ዓመተ ኢዮቤል (2000ን 2025ን) ከምኡ’ውን ክልተ ፍልዩ ቅዱስ ዓመታት (1983ን 2016ን) “ክቡር መስቀል ክቐውምን መካነ ንግደት” ክህነጽን እዩ ዝብል ከም ዘይተፈጸመ የመልክት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ግልጸት ተባሂሉ ዝንገረሉ ዝቐርቡ  መልእኽትታት ጐይታ ኣብ ቀረባ እዋን ክምለስ ምዃኑ ዚሕብር እተፈላለየ ኢየሱስ “መስቀል እንተ ዘይተተኺሉ: ክግለጽ እየ - ግን ደጊም ግዜ ኣይክህሉን እዩ” ዝብል ኣቡቀለምሲሳዊ መግለጺታት እውን ከም ዘስተብሃለን ኣመልኪቱ።

"ምምላስ ጐይታ ዘይንጸል ክፋል ክርስትያናዊ እምነት እኳ እንተ ዀነ ቤተ - ክርስትያን ምምላስ ክርስቶስ ሓቂ እምነት ምዃኑ ብምዝካር፡ ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ልክዕ ዕለት ወይ ምልክታቱ ኺፈልጥ ወይ ኪንበ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚኸውን ግዜ ንምውሳን ወይ ሜላታት ንምውሳን ዘስግእ ናይ ሽሕ ዓመት ወይ መስርዕ ትርጕማት ንቕሕቲ ኰይና ትዓዪ . . . ኣብ መደምደምታ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መልእኽቱ፦ "መስቀል ከም ምልክት ተወፋይነት ደጋዊ ነገር ኣይኰነን። ክርስትያን ንመስቀል ኬምልኹ ኸለዉ ዕንጨይቲ ወይ ሓጺን ኣየምልኹን እዮም፣ ግዑዛዊ መስቀል እውን ነቲ ኣብ ምስጢር ፋሲካ ክርስቶስ እተፈጸመ ናይ ምድሓን ተግባር ከም ዝትክእ ገይሮም ክሓስቡ ኣይክእሉን። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ህይወቱ ዝሃበ እዮም ዘምልኽዎ፡ በዚ ኸምዚ ኣምልኾ መስቀል ናብ ጭቡጥ መንፈሳውነትን ስጋ ዝለበሰ እምነትን ይቐርጸና፡ ረቂቕ ዘይኰነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተና ድሕነት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣዒንትና ናብቲ እተሰቕለ እንገጥመሉ መገዲ ህይወት እዩ።"

13 Nov 2025, 16:52