ድለ

2020.03.14 2020.03.14 assistenza agli anziani, persone anziane supportate dai medici

“ኣገልግሎት ተስፋ”፦ ኣብ ከተማ ሮማ እተኸፍተ ካቶሊካዊ መድረኽ ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታት ተመኩሮታቶም ንምክፋልን ንምስትንታንን ብሓባር ንምጽላይን ኣብ እተጋብእሉ እዋን፣ ዕለት ካብ 5-7 ሕዳር ኣብ ከተማ ሮማ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ካቶሊካውያን ብዛዕባ “ኣእምሮኣዊ ጥዕና” ይካየድ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓውደ መጽናዕቲ “ኣገልግሎት ተስፋ!”፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናትን፡ ክኢላታትን፡ ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነታትን ተጋቢኦም፣ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዋ ጕስነታዊ ተሳትፎ ንምድልዳል ዓውደ መጽናዕቲ የካየዱ ኣለዉ።

እቲ ብደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣገልገልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ካቶሊክ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወት እተወደበ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣህጉራዊ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ እቶም ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን መንፈሳውን ጭንቀት ዜጋጥሞም ዘሎ ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ምስማዕን ምስትንታንን ምትሕብባርን ንምትብባዕ ተባሂሉ እተወደበ እዩ።

ንድሕረ ባይታ ውግእን ምምዝባላትን ዘይማዕርነትን ማሕበራዊ ምክፍፋልን ኣብ ግምት ብምእታው፣ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ፣ እምነትን ማሕበረሰብን ኣብ ፍልጠት እተመስረተ ጕስነታዊ ክንክንን ምሕዋይን ተጻዋርነትን ብኸመይ ከም ዘማዕብል፣ ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ምርዳእ ከዕሙቕ ኢዩ ዝጽዕር ዘሎ።

እዚ መድረኽ ፓስተራዊ ኣገልግሎት፣ ርሕራሐን ድልዉነትን ክህሉ ከም ዘለዎ የጕልሕ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሰብኣዊ ምቅርራብን ኣብ ድልዱል ፍልጠትን ሜመያን እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ።

እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሳሲያ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዘመንፈስ ቅዱስ፣ ብሓባራዊ መደብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተኸፊቱ፣ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወርሒ ሕዳር ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ብምትሕሓዝ ድማ፣ ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣብ ምክልኻል ርእሰ ቕትለት ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

ቀጺሉ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤታት ብዛዕባ ርእሰ ቕትለትን፣ ብዛዕባ ምክልኻሉን ጕስነታዊ ክንክንን ሓባራዊ ኣስተንትኖን ምስክርነታትን ዝሓዘ ሓዋርያዊ ጉስነት ክብ ዝበለ ሰደቓ ዘተ ክካየድ ኢዩ። ንዕላማኡ ኣፍልጦ ንምሃብ ሓባራዊ ጸሎት ንምምዕባል ከምኡውን ህዝባዊ ተሳትፎ ብመንፈስ ሓድነትን ልምምዳትን ንምዕዳም ዝዓለመ ድማ እዩ።


እዚ ንኽልተ መዓልታት ጥራይ ዝቕጽል መድረኽ፣ ካህናትን፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ ምእመናን፡ ጓሶት ነፍሳትን፡ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ከምኡውን ናይ ህይወት ተመክሮ ዘለዎም ውልቀ-ሰባትን ዝርከብዎም ኣስታት 50 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ድማ ይርከብዎም።

እቲ ኣኼባታት ስነ-መለኮታዊ ኣስተንትኖን ሜመያን ዘተን ዘለዎ ክፉት መድረኽ ምይይጥ ሓባራዊ ትምህርቲ ከምኡውን ካብ ከም ግጭት ዘለዎ ዞባታትን ማሕበረሰብ ስደተኛታትን ኣብያተ ትምህርትን ሰበኻታትን ዝኣመሰሉ እተፈላለየ ጉስነታዊ ግብራዊ መደባት ንምክፋል ድማ የተባብዕ።

እቲ ከካይዶ ዘለዎ ቐንዲ ኣርእስትታት ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፦ 1) "ኣብ ዙርያ ጭንቀትን ተጻዋርነትን" - ስቓይን ተጻዋርነትን ኣብዚ ግዜና ዘሎ ማሕበራውን ባህላውን ጂኦፖለቲካውን ክውንነት ብኸመይ ከም ዝግለጽ ምርዳእ፣ 2) "ህያው ተመክሮን ጕስነታዊ ልምድታትን"—ኣገልግሎታት ሓዋርያዊ ጕስነት ኣብ ቍምስናታትን ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበረሰባትን ብኸመይ ዝምድናን ምትሕብባርን ከም ዜተባብዕ ምምርማር፣ 3) "ሓልዮት ንኣለይቲ ሕሙማትን ንኣገልገልቲ ህላወን"— ፍልጠት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ጕስነታዊ መደባት ምትእትታው፣ ድሕንነት ናይቶም ኣገልገልቲ ኣካላት ምርግጋጽን፣ ከምኡ'ውን 5) "ስነ-መለኮትን፡ ስነ-ሰብ፡ ከምኡውን ሕቶታት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን"—ብዛዕባ ትርጕም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ካቶሊካዊ ስነ-መለኮትን፡ መንፈሳውነትን፡  ስነ-ሰብን፡ ብምምልካት የስተንትን።

ኣገልግሎት ተስፋ ካብ ትምህርታዊ ወይ ጸዋዕታዊ ምልውዋጥ ንላዕሊ ክኸውን ኢዩ ዝደለ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾ ንምሕዳስ ተባሂሉ እተዳለወ መንፈሳውን ጕስነታውን ጉኼባ ክኸውን እዩ።

እዚ መድረኽ እዚ ንተሳተፍቲ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ኣብ መንጎ እቶም ብተነጽሎ ጕድኣት ወይ ብተስፋ ቝርጸት ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምትእምማንን ክብረትን ሕብረትን ብኸመይ ከተማዕብል ከም እትኽእል ከስተንትኑ ይዕድም። ኣብ ኣገልግሎቶም ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርዳእ ምስ መንፈሳዊ ዕምቈት ክወሃሃድ ዝኽእል፣ ተራ ኣገልገልቲ ሥነ መዕበያ ኣድላዪ ምዃኑ እውን የጕልሕ።

06 Nov 2025, 10:34