ድለ

ቅድስቲ መንበር ንፍታሕ ክልተ ሃገራትን ንትካል ረድኤት ስደተይናታት ፍልስጥኤም ደገፋ ደጊማ ተረጋግጽ ቅድስቲ መንበር ንፍታሕ ክልተ ሃገራትን ንትካል ረድኤት ስደተይናታት ፍልስጥኤም ደገፋ ደጊማ ተረጋግጽ  (HATEM KHALED)

ቅድስቲ መንበር ንፍታሕ ክልተ ሃገራትን ንትካል ረድኤት ስደተይናታት ፍልስጥኤም ደገፋ ደጊማ ተረጋግጽ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ንትካል ረድኤት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዝተወፈየ መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናይቲ ትካል ኣገዳሲ ሰብኣዊ ኣገልግሎቱ ብምንኣድ ሃገራት ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፈን ከሐይላ ጸዊዖም ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት እቲ ትካል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ "ክልተ ሃገራት፡ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት፡ ብሰላምን ጸጥታን ጎኒ ንጎኒ ዝነብራ” ንዝብል ኣመለኻኽታ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ተረጋግጽ፡ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም - UNRWA  "ቤት ጽሕፈታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ሓዊሱ" ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዓብይ ጓሂ ከም ዝፈጥረላ እውን ኣተሓሳሲባ፡ ተልእኾ ናይቲ ሰብኣዊ ትካል ኣገዳስነቱ ብምርግጋጽ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት "ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፈን ከሐድሳን ከሐይላን" ትጽውዕ እንክብሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ዕለት 13 ሕዳር ኣብ ራብዓይ ሽማግለ መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ዛዕባ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም - UNRWA ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍታሕ ክልተ መንግስታትን ብዙሓ - ጎናውነት

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ መዓታዊ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባን "ማሕበረሰብ ዓለም ንኹሎም ህዝብታት እቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ሕውነትን ንምስፋን ከይተሓለለ ክሰርሕ ኣለዎ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ነቲ ክልተ ሃገራትን መንግስታትን ዝብል ፍታሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ድጋፍ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ሓቀይና ምዕባለ ክረጋገጽ ዝኽእል ብብዝሓ ጎናውነትን፡ ብትዕግስቲ ዝካየድ ዘተን ንኹሉ ዝሓቁፍ ምትሕብባርን ጥራይ እምበር ብሓይሊ ምጥቃም ኣይኮነን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተልእኾ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም

ብዛዕባ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም - UNRWA ብዝምልከት ወኪል ቅድስቲ መንበር፡ ንልዕሊ 70 ዓመታት፡ ብሕቡራት ሃገራት ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ተልእኾኡ፡ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ዮርዳኖስን ፍልስጤምን፡ ብመልክዕ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ረድኤት መግቢ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብቐጻሊ ህጹጽ ረድኤትን ኩለመዳያዊ ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዝፈጸመ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ትካል ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ - ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን "ተስፋ፡ ሓለዋን ክቡር ህይወት ናይ ምህላው ተኽእሎን" ይህብ - ቢሎም - "ኣብ መንጎ ናይቲ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም ግቡኦም ኣብ ምፍጻም ግዳያት ዝኾኑ ብዙሓትም ሰራሕተይናታት” ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሎት ኣረጋጊጾም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ "ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስን ቀጻልን ዕንቅፋት ዘይብሉን ተበጻሕነት ክረጋገጽን" ጻውዒት ኣቕሪቦም እዚ ድማ ግብረ ገባውን ሕጋውን ግዴታ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ትካል ረድኤት ፖለቲካውን ቍየናውን ደገፍ ምሕያል

ዕዮ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም - UNRWA ንቕድስቲ መንበር ኣገዳሲ እዩ! "ኣብ መትከላት ሰብኣውነት፣ ገለልተይናነት፣ ዘይሻራውነትን ናጽነትን ጽኑዕ ሱር ዝሰደደ ኮይኑ ክቕጽል፡” እዚ ድማ ንምልመላ፣ ምሕደራን ንጥፈታትን ናይቲ ከባቢ ሰራሕተይናታት ክመርሕ ኣለዎ። በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ እቲ ትካል "ዘተኣማምን መጋበርያ ምትሕግጋዝን ሰላምን" ኮይኑ "ካልእ ምንጪ ሓገዝ ንዘይብሎም ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን" ውሕስነት ኪህብ ዚኽእል። በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ቅድስቲ መንበር "ኵለን ኣባላት ሃገራት ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍልስጤም - UNRWA ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፈን ከሐድሳን ኬደልድላን ትዕድም - ቢሎም - ብተወሳኺ እውን ንተልእኾ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ ነዚ ድማ "ብዛዕባ እቲ ምትዕርራይ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ምይይጥ ኣብ ከባቢ ሓፈሻዊ ባይቶ ክግበር ኣለዎ፣ እዚ ድማ ሓባራዊ ድሌትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኵለን ኣባላት ሃገራት ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Nov 2025, 09:12