ቅድስቲ መንበር ንሃይቲ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ብምርግጋጽ ንፍጥረት ድማ ሓልዮት ክግበር ትጽውዕ ቅድስቲ መንበር ንሃይቲ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ብምርግጋጽ ንፍጥረት ድማ ሓልዮት ክግበር ትጽውዕ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ንሃይቲ ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ብምርግጋጽ ንፍጥረት ድማ ሓልዮት ክግበር ትጽውዕ

ቅድስቲ መንበር ምስ ህዝቢ ሃይትን ብህቦብላ ሜሊዛ ዝተሃስዩን ዘለዋ ቅርበትን ደገፍን ደጊማ ብምርግጋጽ፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሓልዮት ከባቢን ዳግማይ ዓለማዊ ተወፋይነት ክግበር ትላቦ።

ስምዖን ተ.  ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ቀዋሚ ጉባኤ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ (OAS) ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር የኔታ ዅዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ፡ ቫቲካን ምስ ህዝቢ ሃይትን ብህቦብላ ሜሊዛ ዝተሃስዩን ዘለዋ ቅርበትን ደገፍን ገሊጾም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላምን ምርግጋእን ንኣከባብያዊ ምሕደራን ዳግማይ ተወፋይነት ሒዙ ክዋሳእ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሃይቲ

የኔታ ክሩዝ ሴራኖ ኣብ ሃይቲ ብዞባውን ኣህጉራውን ደገፍ ዝምራሕ “ውጥን ምርግጋእን ሰላምን” ብዝምልከት ናይ ገስጋስ ጸብጻብ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሃገራት ኣመሪካ ኣብ ዘስምዕሉ መደረ፣ ቅድስቲ መንበር ንህዝቢ ሃይቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ማሕበራውን ብድሆታት ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡  እቲ “ውጥን ምርግጋእን ሰላምን” ብዘይውሕስነትን ድኽነትን ዓመጽን ዝተለለየ ተኣፋፍን ጽንኩርን ክውንነት ሃይቲ ኣብ ማእከል ዘተ ዘቐምጥ እዩ ቢሎም፡ ብተወሳኺ፡ ነቲ ብህቦብላ ሜሊዛ ዘስዓቦ ዕንወት ሓዊሱ፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሳዕቤናት ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ሓልዮት ካብቢ ዳግማይ ዓለም ሓቆፍ ተወፋይነት ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት - FAO ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ብምዝካር፡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ ሓድነት ንኽህልወና ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም፡ "እቶም ክሳዕ ሕጂ ብጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብድሆ የቕርቡልና ኣለዉ፡ ንኣነባብራናን ቀዳምነት እንህቦ ነገራትን ሓፈሻዊ ኣነባብራናን ዳግመ ግምት ክንገብር ዝዕድም እዩ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ኩነታት እዚ እናረኣየ ከም ዘይረኣየ ኮይኑ ክነብር ኣይክእልን እዩ። ስቓዮም ስቓይና ኽንገብሮ ኣሎና!" ቢሎም - ቅድስቲ መንበር ንቐጻሊ ጻዕርታት ውድብ ሃገራት ኣመሪካ (OAS) ብመሰረት እቲ መበል 55 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘውጸኦ መምርሒ ኣኽቢራ ብምርኣይ “ምስ ህዝቢ ሃይቲ ዘለዋ ቅርበትን ንኹሉ ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ተበግሶታት ቀጻሊ ደገፋን ደጊማ ተረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመልላኽት።

ምስተን ብህቦብላ ሜሊዛ ዝተሃስያ ሃገራት ምትሕግጋዝ

ኣብ ካልኣይ ብዛዕባ ጽልዋ ህቦብላ ኣብ መላእ ካሪብያን ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዘተ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፡ “ሓዘንን ጸሎትን መንፈሳዊ ቅርበትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14” ንመንግስታትን ህዝብታትን ጃማይካ፡ ሃይቲ፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፡ ኩባን ባሃማስን ገሊጾም። እቲ ህቦብላ ከቢድ ምዕልቕላቕ፡ ምጥፋእ ህይወት፡ ምምዝባል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣባይቲ፡ ትሕተ - ቅርጺ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘስዓበ ብምዝካር፡ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ከባቢ ማሕበረሰባትን ከም ትካል ግብረ ሰናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ብዝተፈላለዩ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤት ዝኣመሰሉ ትካላትን ኣቢላ “ኣብዚ ጽንኩርን ዘይርጉጽን እዋን ንዝተጎድኡ ሰባት ክትበጽሕ ትጽዕር ኣላ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “ብጭቡጥ ተግባራትን ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዓቢ ሃገራውን ኣህጉራውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት ንተፈጥሮ ምሕላይ ግድን” ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ቫቲካን ምህዳራዊ ሓላፍነት ክኽበር ዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ፍጥረት ሓባራዊ ሓላፍነት

ቅድስቲ መንበር “ከም ውድብ ሃገራት ኣመሪካ (OAS) ዝኣመሰላ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ግህሰት ኣብ መንጎ መንግስታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ንቕሓት ኣብ ምዕባይን ኣብ ምዕቃብ ኣከባብን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ዘይውከል ግዴታ ንምፍጻም ዝዓለመ ኣገባባት ኣብ ምድንፋዕ ዘካይድኦ ዕማም ዝነኣድ እውን ይኹን ብዙሕ ንቕድሚት ምስጓም የድሊ - ቢሎም - “ንፍጥረት ምሕላይን ምሕላውን ሓላፍነት ኩሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Nov 2025, 15:37