ድለ

2025.11.18 COP30 Nunzio Brasile 2025.11.18 COP30 Nunzio Brasile 

ቅድስቲ መንበር ኣብ COP30፦ ኣብ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር " ሰብኣዊ ገጽ" ኣፍልጦ ምሃብ

ኣብ ቅድሚ ሚኒስተራት ሥነ ኣከባቢ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተጋባእቲ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮፕ30 ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ በለም ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፉ ወኪሎም ብፁዕ ኣቡነ ጂያንምባቲስታ ዲኳትሮ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ብራዚል፣ ብኣከባብያዊ ጕዳያት ብኸመይ ከም እተጸልዉ ኣጕልሑ። ነቲ "ዶባት" ዘይብሉ ጸገም ንምፍታሕ "ሓድነት ዘለዎ ብዙሓውነት" ክግበር ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ንሰብኣዊ ገጽ" ናይቲ ዕንቅፋታትን "ዶባትን" ዘይፈልጥ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣፍልጦ ምሃብ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሓባራዊ ጻዕርታት ዝሓትት ብምዃኑን፣ ነዚ ንምፍታሕ ውን "ስኒት ዘለዎ ብዙሕነት" ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ ኸምዚ እቶም ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጂያንባቲስታ ዲኳትሮ - ከም ምክትል ሓላፊ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ኣብ ቤለም እተገብረ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፉ - ትማሊ ዕለት 18 ሕዳር ኣብ ቅድሚ ሚኒስተራት ሥነ ኣከባቢ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሚኒስተራት ነዚ ሓሳባት እዚ ኣካፈልዎም።

ማእከልነት ሰብኣዊ ክብሪ

እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመረ ካልኣይ ፖለቲካዊ ኽፍሊ ዋዕላ COP30፣ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ብራዚል ድሕሪ ምስታፎም፣ ዓሰርተ መዓልቲ ጸኒሖም ኣኺባ ሰበ-ስልጣን ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኸፍተ። እቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ብራዚል፣ ነቲ ብዕለት 7 ሕዳር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዘንበውዎ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ መደረኦ ከፈቱ፣ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዘምጽኦ ብድሆታት "ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝዀነ፣ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ንቅድስና ህይወት ኣብ ማእከል ዝገብረ ንቕድሚት ክጥምት ዝኽእል ስኒት ዘለዎ ብዝሓውነት ዝሓትት ምዃኑ ውን ገለጹ።  ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምላኽ እተዋህበን ሓባራዊ ጥቕምን " ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።

ብዝሓ ጐናዊ ርክባትን ፍትሓዊ መሰጋገርን

ብፁዕ ኣቡነ ዲኳትሮ ቀጺሎም ነቲ ንልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ቐንዲ ጕዳያት ብምሳሌኣዊ ኣዘራርባ ኣካፈልዎም። "ብቐዳምነት ሓድነትን ንቕድሚት ዝጥምትን ብዝሓውነ ምድልዳል ኣድላዪ ኢዩ" በሉ። "ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር፣ ዶብ ስለ ዘይፈልጥ ሓባራዊ ጻዕርታት ዝሓትት ኢዩ" ብምባል ወሲኾም ውን "ክቡርን ዘይተርፍን ጉዳት እንተ ኣልዩ ብዝሓውነት ጥራይ ኢዩ፣ ነቲ ቀንዲ ጸገማት ደቅሰብ ክፈትሖ ዘኽእለና፣ ብቐዳምነት ንኽብሪ ደቂ ሰባት ብምኽባር፣ ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ኣብ ሥነ ከባቢ ወይ ንግዜ ዝጠቅም ረብሓታት ከማዕብል" ከም ዘለዎ ውን ኣመልከቱ። እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ ምንበር ኣብ ብራዚል፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ  ኣብ ዱባይ እተገብረ ዋዕላ COP28 ነዊሕ ከይጸንሐ እተሓትመ ሃዋርያዊ ማዕዳን ስቡህ ኣንተ እተዛረበኦ ቓላት ውን ዘከሩ። ኣብ 2023 ኣብ እተገብረ ዋዕላ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እተን ዝኸተማ ሃገራት ቀስ ብቐስ ካብ ነዳዲ ንምውጻእ ተሰማሚዐን እየን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ብቅድስቲ መንበር እተደገፈ ግን ከኣ ምስ ፍትሕን ማዕርነትን እተተሓሓዘ መሰጋገሪ "ሳዕቤን ለውጢ ኩነታት ኣየር ልዕሊ ዅሉ ነቶም ድኻታትን ተነቃፊታትን ከም ዚጸሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ" ዝንበረ ውን በሉ።

ኣዴታትን ኣዋልድን ኣብ ቅድስሚ ለውጢ ኩነት ኣየር ዝወርድ ዘሎ ሳዕቤን

ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቤለም "ሰብኣዊ ገጽ ኣከባቢያዊ ቅልውላው" ኣመልኪቶም ኣትሪሮም ተዛረቡ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ቅድስቲ መንበር እቲ  መደብ ተግባረ  ኣዴታትን ኣዋልድን ብፍላይ ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ብለውጢ ክሊማ ብመጠኑ ኸም እተጸልዉ ኣፍልጦ ክህብን፣ ነዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ምቅላስ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘሎና ኣፍልጦ ክህብ ተስፋ ትገብር በሉ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣቡነ ዲኳትሮ ቀጺሎም "ስስዐ ዝመልኦ ረብሓታት ገዲፍና፣ ኣብ ንሓድሕድና ዀነ ንመጻኢ ወለዶታት ዘሎና ሓላፍነት ህያው ብምግባር፣ ሓባራዊ ቋንቋን ሓባራዊ ስምምዕን ምድላይ ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።

ኣገዳስነት ትምህርቲ

ኣብ መወዳእታ ስፍሓት ሥነ ኣከባቢያዊ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብምውሳኽ "ቍጠባውን ሥርዓታውንን ሃብቲ ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ፣ እኹል ግን ኣይኰነን" በሉ። "ፖለቲካውን ተክኒካዊን መፍትሒታትን፡ ንተፈጥሮ ዘኽብር ሓድሽ ቀዋሚ ሥርዓታት ዘቕርብ ትምህርታዊ መስርሕን እንተ ዘይተሰንዩ፣ ሸቶታት ስምምዕ ፓሪስ ክንወቅዕ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ። "ናይ ምንካይ ብከላ ሸቶታት ንምውቃዕ ነቲ ምስ ምትዕርራይ እተተሓሓዘ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ትግባሬ ሜላታት ንምድልዳልን ዕንወትን ጕድኣትን ንምክልኻል ከምኡውን ዕቤት ንምምጻእ ናይ ትምህርቲ መስቀላዊ ግደ ምምሕያሽ ኣድላዪ ኢዩ"  ብምባል ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ካብ ብዙሓት ሃገራት ምስ ትምህርቲ እተተሓሓዘ ረቛሒታት ኣብ ሃገራዊ ውሳኔ ኣበርክቶ ዝገበራ ዘተባብዕ ምልክታት ውን ኣጕልሑ፣ (ብሃገራዊ ደረጃ እተወሰነ ኣበርክቶታት)። ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ዲኳትሮ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተማሕጸንዎ፣ ናብ ልብና ክንምለስ ብምዕዳም "ናብ ልቢ ብምምላስ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ ኺግበር ዚኽእል” በሉ።

20 Nov 2025, 11:28