ዳግማይ ምጅማር ቍጠባ፡ ብመንጽር ኢዮቤል ቍጠባ ዳግማይ ምሕሳብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቁጠባ ደው ምስ በለ እንታይ ይኸውን? ክንብል እንኮለና ብዛዕባ ቀረብ ሓባሪ ወይ ጸብጻብ ደቀቕቲ ቍጠባ ዘይኮነስ ብዛዕባ ዓሚቝ ኣንፈት ቁጠባዊ ስርዓታት ማለት እንታይ ትርጕም ከም እንህቦም እንታይ ዓይነት ኣንፈት ከም ዚመርሓና ኢና እንዛረብ፡ ደው ምባል ዘይቁጠባዊ ክመስል ይኽእል ይኸውን፡ ከምኡ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኢዮቤል ልክዕ ነዚ እዩ ዝሕብረና፡: ኣገባባት ዋንነት ዝቋረጸሉ፡ ዕዳታት ይቕረ ዝግበረሉ፡ መሬት ዝዓርፈሉ፡ ጊልያዎት ዝኾኑ ድማ ሓራ ዝወጹሉ እዋን። ቁጠባ መሳርሒ እምበር ዕላማ ከምዘይኮነ ዘዘኻኽረና ነቲ ልሙድ ስነ - መጎት ዝግልብጥ ግዜ እዩ።
እቲ ጥንታዊ ኢዮቤል ካልእ ዓይነት ቁጠባ ኣሰር ዘቕርብ እዩ፣ ንደረት ኣፍልጦ ዝህብ፡ ግዜ ይኹን ሰባት ዘይበልዕ፡ ንሓልዮትን ዝምድናን መሊሱ ቦታ ዝህብ።
ንመሬት ንምሕብሓብ ዝድርኽ፡ ንጉልበት ካብ ድኻም ነጻ ዘውጽእ፡ ንዕዳ ከም መቕጻዕቲ ዘይኮነስ ከም ዝፍወስ ቁስሊ ዝሪኢ ቁጠባ። ዋጋ እኹልነት ዳግማይ ዝረክብ ቁጠባ - ብዕብየት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብናይ ምጽዋር፡ ናይ ምክፋል፡ ብናይ ሕድገታት ዓቕሚ ዝዕቀን እውን እዩ።
እዚ ራእይ እዚ ብናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ መርበባዊ ማሕበር ዝድገፍ ቍጠባ ዳግማይ ምሕሳብ ዘርእስቱ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ካብ 28 ክሳብ 30 ሕዳር 2025 ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እዩ።
ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዕድመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዝተጀመረ ዓለም ለኸ መርበብ መንእሰያት ሊቃውንትን ምሁራትን ስነ ቁጠባ፡ ሰብ ሃብቲ፣ ለውጢ ዘምጽኡን እዩ። ካብ ኵሉ ኣህጉራት ዝመጹ ካብ ናይ ሓቂ ከባብያዊ ተመክሮ ጀሚሮም ዝያዳ ፍትሓውን ሓቛፍን ዘላቕን ቍጠባ ንምህናጽ ቈራጽነት ዝገብሩ ሰባት የጣምር።
እዚ ባህላዊ ዋዕላ ዘይኮነስ ኣህጉራዊ ቤተ - ሙከራ ናይ ምስማዕን ዘተን ምሕሳብን ክኸውን እዩ። ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ መንእሰያት ብሓባር ኣብ ዙርያ ሰለስተ ቁልፊ ቃላት ዝጓዓዙሉ ቦታ፡ ዕረፍቲ፡ ሓርነት፡ ምሕዳስ እዚ ሓባራዊ ኣስተንትኖ ኣብ ሓደ ህያው ማሕበረሰብ ዝሰረተ ኮይኑ፡ ሓሳባት ዘካፍል ጥራይ ዘይኮነስ መዓልታዊ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩነታት ሓደስቲ ቁጠባዊ ቀጥዕታት ንምህናጽ ዝፍትን እዩ።
ቅድሚ እቲ ምትእኽኻብ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ ሓያሎ ድምጽታት ካብ ማሕበረሰብ ቁጠባ ፍራንቸስኮ ነዚ ጉዕዞ ብተኸታታሊ ሓጸርቲ ኣርእስታት ኣብ ዜና ቫቲካን ብዝቐርብ ሓበሬታ ክስዕብዎ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ካብ ገለ ተኣፋፍቲ ሕቶታት ጀሚሮም ነቲ ህሉው ምስ መንፈስ ኢዮቤል ናብ ዘተ ከእትውዎ ክጽዕሩ እዮም፡ ሎሚ ስራሕ ሓራ ምውጻእ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዕዳ ይቕረ ክበሃል ይከኣል ድዩ? ምድሪ ናይ ዕረፍቲ መሰል ኣለዋ ድዩ?
ነፍሲ ወከፍ ድምጺ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዚህብ እንተዀነ ግን ኵላቶም ካብ ሓደ ገምሪ እዮም ዚምንጩዉ፣ ኢዮቤል በቲ ጥንታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓሳቱ ነቲ ሎሚ ዘሎ ቕልውላው ንምፍታሕ ሓድሽ ምትሕብባር ክህብ ይኽእል እዩ። ካብ ስነ ምህዳራዊ ፍትሒ ጀሚርካ ኽሳዕ ናይ ስራሕ ክብሪ ካብ ዕዳ ምቅላል ክሳዕ መንፈሳውነት ደረት ነፍሲ ወከፍ ኣሰናዳኢ ኣብ ቍጠባዊ ኣስተውዕሎ ንእሽቶ ልምምድ ኪኸውን እዩ።
ሓደ ፍጹም ቍጠባ ምህላው ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ ናብ ፍትሒ ንኽመርሕ ዝሕግዝ ተግባራት ግን ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኢዮቤል ነዚ እዩ ዜዘኻኽረና፦ ደው ምባል ግዜ ምጥፋእ ዘይኰነስ ናይ ምርጫ መጀመርታ እዩ።