ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ዘመነ ምዕሪት ቅመራ መርበብ ሓበሬታ ንሓድሽ ሰብኣውነት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ውሽጣዊ ዘተ ንመንነት ብኸመይ ከም ዘሐይልን ንማሕበረሰብ መናብርተ ጥበብ ኣብ ዙርያ ናይ ሓባር ተልእኾ ከም ዝጥርንፍን ምድህሳስ፡ እዚ ናይቲ ኣብ ስጳይና ከተማ ሳላማንካ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ሕመረት ኮይኑ፡ “ውሽጣዊ ርክብ ኣብ ካቶሊካውን ጳጳሳውን ትካላት፡ ደረትን ብድሆታትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም ዝዘተየን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብዕለት 14 ሕዳር ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ ብጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሰላማንካን ዓለምለኸ ፈደራላዊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝተዳለወን ኣብቲ ዋዕላ ካብ መላእ ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኣሜሪካ፣ እስያን ኦቻይናን ዝርከባ መናብርተ ጥበብ ወከልቲ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል
እቲ መደብ ዕለት 12 ሕዳር ብናይ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳላማንካ ዓቢይ ሓለቓ ናይ ሳላማንካ ሊቀ ጳጳሳት ሳንትያጎ ጋርስያ- ኻሎን ደ ላ ላማ ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ ኣንጠረይናን መንጎይናታት ምርድዳእን ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት "ኣብ ውሽጢ ካቶሊካውያን መናብርተ ዘተ - ምይይጥ ማለት ማእሰር ሓቅን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን ምሽፋን ማለት እዩ። ንውልቀ ሰብ ዝሰግር ዝኾነ ኣብ ናይ ሓባር ተልእኾ ናይ ምዃን ስምዒት ምዕባይ ማለት እዩ። ኣብ ጳጳሳውን ካቶሊካውን ትካላት ጽቡቕ ውሽጣዊ ርክብ እውን ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግለል ኣገዳሲ መንገዲ” ምዃኑ ብጹዕነቶም ኣብ ዘዝምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ እትኽእል ህያብ
ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፡ ንተሳተፍቲ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መትከላት ቤተ ክርስቲያን “ርክብ” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዝምልከት፡ “ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ክውዕል ዝኽእል ህያብ” ምዃኑ ክስተውዓል ከም ዘለዎ ኣስሚሮም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ውጽኢት ናይ ሰብ ብልሒ እምበር መተካእታኡ ከምዘይኮነን ሓቀይና ብልሒ ንርትዕን ልብን ናይ ስምዒት ዓቕምን ኣጣሚሩ ብፍቕሪ ዝምገብ እዩ - ቢሎም - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብባህሪኡ ሰብኣዊ ዝኾነን ግብረ ገባዊ ምሕሳብን ጽቡቕ ካብ ክፉእ ናይ ምፍላይ ክእለትን ዘጠቓልል ውሳነታት ከነርከቦ የብልናን . . . ሰብኣውነት ዝጎደሎ ርክብ ካብ ዘስዕቦ ሓደጋታት እውን ኣጠንቂቖም፡ ርክብ ብኸመይ ብዝበለጸ ብሓቅን ናጽነትን ዝተኣለመ መርበብ ክኸውን ከም ዘለዎ፡ ግን ከኣ ኣንጻር እዚ ምስ ዝኸውን ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕን ንዓና ክንጽለና ከም ዝኽእል ገሊጾ፡። ብሰንኪ “ዝቕባበ ሓበሬታ - Infodemia፡ ናይ ሓሶት ” ዝፈጠሮ ዘይምትእምማን ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ኣብ ሓቅን ምስ ካልኦት ኣብ ዘለና ርክብን ዳግማይ ምትእምማን ምህናጽ” ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ንምስማዕን፡ ኣስተንትኖን ዘተን ቦታታት ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ትምህርትን
ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ጳጳስ ፖ ትግሄ፡ “ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኲይሮም ኣብዝ አስምዕዎ መደረ፡ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምምሃር ከምዘድሊ፡ ግን ከኣ ኣብዛ ትቕየርን ኣብ ቀጻሊ ፍልቀትን ዘላ ዓለም ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምምሃር ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡ "ፈራዪ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ራብዓይ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ተባሂሉ ዝግለጽ ርኡይ ለውጢ ይውክል፡ እዚ ድማ ንሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ዝቕየርን ብቐጻሊ ዝምዕብልን ዓለም ዝነብር ወለዶ ንምድላውን ንምፍጣርን ዝሕግዝ መሰረታዊ ፍልቀት ትምህርቲ ዝሓትት እዩ" ከም ዝበሉን፡ ኣተሓሒዞም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - AI ንናይ ስነ - ምምሃር ምህዞታት ዘለዎ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ኣፍልጦ እኳ እንተሃቡ፡ ተራ መምህር ኣብ ተወፋይነት ንነጻ፡ ማሕበራውን ስምዒታውን ምዕባለ ተማሃሮ ዝተሰረተ ስለዝኾነ፡ ኣቃሊልካ ክርአ ከምዘይብሉ እውን ኣዘኻኺሮም። ምምዕባል ስርዓተ ትምህርቲ ንኽልቲኡ ስነ ኣሃዛዊ ብቕዓትን ስነ ኣሃዛዊ ትምህርትን ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብድሆታት ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ
ብፍላይ ኣብቲ ብዛዕባ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብዙሕ ተመኮሮ ኣብ ዘይብሉ ቦታታት ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘምጽኦ ውጽኢት "ብዑረት ከይከታተል" ክድገፍ ኣለዎ ዝበሉ ብጽዕነቶም፡ ኣብ ውሽጢ ምዕሪት ቅመራ (ኣልጎሪዝም) ኵሉ ሳዕ ርእይቶን ኣንፈትን ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ቤተ-ክርስትያን ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ክትዕ ክትሳተፍ ከም ዘለዋ ብምዝኽካር፡ ንተኽእሎኡ ከነኽብር እንኾለና ንደቂ ሰብ ናይ ምምላእ ክእለቱ እውን ክንምርምሮ ኣሎና . . . ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ከኣ በቲ ኣብ ትምህርትን ምምሃርን ዘለወን ተልእኾ ንዓለም ኣበርክቶ ንምግባር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለወን። ኣብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ "ስነ - ፍልጠታዊ ባህልን ሰብኣዊ ባህልን ናብ ሓደ ምምጻእ ይከኣል እዩ።" ስለዚ ኣብዘን መናብርተ ጥበብ ርክብ ምስ ዝህሉ ዝያዳ ኣድማዕነት ይህልወን፡ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዝምልከት ሓድሕዳውን ውስጠ - ክፍለ መጽናዕትታትን ናስይ ምርኻብ ኣቀራርባን የድሊ። ኣብ መወዳእታ - ይብሉ ብጽዕነቶም ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ኣገዳስነት ክረኽቡን ኣብ መድረኽ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ቀንዲ ግደ ክጻወቱን ዝኽእሉ ምዃኖም ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ርክብን ባህልን
እቲ ዓውደ ርክብ ዕለት 14 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ ርክብን ባህልን ዘወሃህዶም እንታይ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘስምዕዎ መደረ ከም ተዛዘመን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መድረኽ ሃነጽቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ 2025፡ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምጥቃስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ስንቂ ወይ ተራ ተግባር ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም፡ ነፍሲ ወከፍ ጠውቂ መኽሰብ ንምርካብ ዝተዳለዉ ምዕሪት ቅመራ፡ ነቲ ናይ ሓበሬታ ሃዋሁ ዝብክሉ ከም ዝኾኑን፡ ብዘይ ኣፍልጦ ዝኾነ መልሲ ከምዘይከኣልን፡ ብዘይ ርክብ ድማ ዝኾነ መልሲ ክካፈል ከምዘይክእልን ኣመልኪቶም። ኣብ ምክፋል ፍልጠት ንጽባቐ ርክብ ደቂ ሰባት ዝትክእ ምዕሪት ቅመራ የለን። “ኣብ ዓውድታት ባህሊ፡ ትምህርትን ርክብን ድልድላትን ምሕዝነትን ምህናጽ” የድሊ። እቲ ብድሆ ዓቢ እዩ። ኣብ መንጎ ዘመናውነትን መልእኽቲ ወንጌልን፡ ኣብ መንጎ ስልጣነ መጋበርያ፡ ርክብን ክርስትያናዊ ስልጣነን ዘሎ ምፍልላይ ብኸመይ ክንእርሞ ከም ዘለና ብምጥቃስ፡ “እዚ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነትና እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ጭቡጥ ሕቶ “ከመይ ጌርካ ሓድሽ ሰብኣውነት ትሃንጽ” እምበር ብምዕሪት ቅመራ እትዕብለልን ዝተቐረጸትን ዓለም ኣይኮነን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።