2025.11.06 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንምውጋድ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ይሓልፍ ኣሎ! 2025.11.06 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንምውጋድ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ይሓልፍ ኣሎ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንምውጋድ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ይሓልፍ ኣሎ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድሚ ንመበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ኣብ ቤለም ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ጎድኒ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቤተክርስትያን ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ስነ - ምግባራዊ ምላሽ ክትህብ ምዃና ኣረጋጊጾም፡ ሕጂ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ካብ ውግእ ንላዕሊ ሰባት ዘመዛብል ምዃኑ የጠንቅቝ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ጠቒሶም “እቲ ግዜ ሓጺር እዩ” ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ሕሉፍ ውዕላት ብዛዕባ ከባቢያዊ ኣየር ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ንምቕያር ህጹጽን ቆራጽን ውሳኔ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ካብ 10–21 ሕዳር ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ንጉጅለ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ይመርሑ ከም ዘለዉን ኣብቲ ዋዕላ እውን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስምዑን፡ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ምስ ከባቢያዊ ኣየር ዝተኣሳሰሩ ህጹጽ ኩነታት ካብ ዕጥቃዊ ግጭታት ንላዕሊ ማእለያ ዘይብሎም ይመዛበሉ ከምዘለዉ ኣጠንቂቖም፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ምፍታሕ’ውን ነቲ “ንዓመታት ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው” ዝጸንሐ ብዝሓ ጎናዊ ምትሕግጋዝ ዳግማይ ንምንቕቓሕ ዕድል ክኸውን ከምዝኽእል የረጋግጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዘለዎ ብሩትዕ ጽዋል የሻቕሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከባ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ቀዳምነታተን ኣንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ብሓቂ ንዙሕ ህዝቢ ዓለም ዝጸሉ ተርእዮ እዩ፣ ኩሉ ግዜ ድማ ብኣሉታዊ መንገዲ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ምስ ሰበስልጣን ሃገራት ደሴታት ፓስፊክ ተራኺብና ኔርና፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ክጠፍኡ ዝኽእሉሉ ዘሕዝን ክውንነት ኣቕሪቦምልና። እዚ ንህዝቦም እንታይ ማለት ምዃኑ ኩላትና ክንግምቶ ንኽእል ኢና።

ካብቲ ዘንበብክዎ፡ ሕጂ ካብ ብሰንኪ ኲናት ብሰንኪ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዝተመዛበሉ ሰባት ይበዝሑ። ብሓቂ ህጹጽ ኩነታት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅድስቲ መንበር ጀሚራ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዕምቖት ተጸሚዳ ኣላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብመንገዲ Laudato si - ስቡሕ ኣንተ ዓዋዲት መልእኽቶምን ከምኡ እውን በታ Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ዝሃብዎ ኣበርክቶ ኣቢላ፡ ኣብያተ ክርስቲያን እቲ ከባቢ ድማ ነዚ ቃል ኪዳን ከም ናተን ወሲደንኦ እየን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ኣብ ብራዚል እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባትን ኣብ ውልቀሰባትን ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ንቕሓት ንምዕባይ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከምዘላ እፈልጥ እየ። ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጳጳሳት እውን ዘሎ ዓሚቝ ምትሕብባር ሓቀይና ምንቅስቓስ ፈጢሩ እዩ። ሕጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ ልዕሊ ኩሉ ስነ -ምግባራዊ ሸነኽ ናይዚ ተርእዮ ምጉላሕ ዝብል ምዃኑ እምነት ኣሎኒ።

ብርግጽ ስነ ፍልጠታዊ ፍታሕ ንምሃብ ግብራዊ ኣገባብ ወይ ክእለት የብልናን፣ ዋላ እኳ ክኢላታት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ጉዳያት ወጻእን ነዞም ጉዳያት ብቐረባ ይከታተሉን ኣብ ዘተን ዓውደ ኣኼባታትን ይሳተፉን እንተኾኑ። መሰረታዊ ኣበርክቶ ቅድስቲ መንበርን ናይ ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንቕሓት ምዕባይን ንጸገም ለውጢ ኩነታት ኣየር ስነ - ምግባራዊ ምላሽ ምሃብን እዩ። እዚ ናይ ግድን ኣብ ትምህርትን ሕንጸትን ዓቢ ጻዕሪ ዘጠቓልል እዩ።

ምስ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ተራኺብኩም ኢኹም። ካብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30)ብደረጃ መንግስቲ እንታይ ጭቡጥ ስጉምቲ ክንጽበ ይግባእ?

ካብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ዓበይቲ ኣዋጃት ክንጽበ የብልናን፡ እንታይ ደኣ ነቲ ድሮ ቃል ዝተኣትወ - ልቀት በካሊ ከባቢያ ኣየር ምንካይ፡ ንዝተቓልዓ ሃገራት ምድጋፍን ጽንዓት ምህናጽን - እዚ ንምትግባር ጭቡጥ ተወፋይነትን ቆራጽነትን መራሕቲ ዓለም ኣገዳሲ እዩ።

ስጉምቲ ዘድልዮ ብዙሕ መዳያት ኣሎ፡ ሕጂ ኣገዳሲ ዝኾነ ግን ነቶም ቃል ኪዳናት ክውንነት ምግባር እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ግዜ ሓጺር እዩ።” ብዛዕባ ህይወት እዩ ተዛሪቡ፣ ኣብዚ እውን ዓቢ ጻውዒት እዩ - እቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ናይ ብሓቂ ክኸውን ኣለዎ።

ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ድማ ብዙሓ - ጎናውነት እዩ። ጉዳይ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ብሓቂ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከቢድ ቅልውላው ዘጋጠሞ ብዙሓ ጎናውነት መሰረት ዝገበር ምትሕግጋዝ ዳግማይ ንምጅማር ዕድል ዝህብ እዩ። እዚኦም እዮም ንቕድሚት ዝድርኹናን ብሓባር ክንሰርሓሉን ዝግብኣና ኣንፈታት።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ህጻናት ዘሳትፍ ውጥናት እውን በጺሕኩም ተዓዚብኩም ኢኹም . . .

ኣብቲ ብጳጳስ ኣሪስቲድ ፒሮቫኖ ዝተመስረተ ዘደንቕ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ዘለሉ ኣብ ዞባ ፓራ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ማሪቱባ ምብጻሕ ኣካይድና፡ ኣብ ሓደ እዋን ዓለማዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ማርሴሎ ካንዲያ ዘገልገለላ። ሕጂ ብማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ድኻታት ኣገልገልቲ መለኮታዊ ሓልዮት ብዝኾነ ብስድራቤት ዶን ካላብሪያ ዝመሓደር ዘሎ። ካብቶም ዝበጻሕናዮም ተበግሶታት Fazenda da Esperança - ሕርሻ ተስፋ እተሰምየ ንህጻናት እቲ ከባቢ ሰናይ ውጥን ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ካብ ማሕበራዊ ተቓላዕቲ ከባቢታት ዝመጹ እዮም። ኣብ ፍጥረት ዘሎ ምትእስሳራት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንኽመሃሩ ይሕግዞም። በቲ ዝረኣኹዎ ኣዝየ ተመሲጠ - ዘሎ ኣታኽልቲ፡ ካብ ጎሓፍ ዘፍርይዎ ንጹሕ ጸዓት - ብሓቂ ዘደንቕ እዩ። ነዚ ስራሕ ዝሰርሕ ድማ እቶም ቆልዑ እዮም። ካብ ኣሉታዊ ጽልዋታት ርሒቖም ነቲ ኩላትና እንምነዮ፡ ማለት ዝያዳ ፍትሓዊት፡ ጥዑይን ስሙርን ዓለም ኣብ ምፍጣር ክተሓባበሩ ይሕግዞም።

ካብ ቆልዑ ክንጅምር ንኽእል ዲና?

እወ ፍጹም። ገለ ካብኣቶም ተራኺበ፡ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣዝዮም ዝፈልጡ ይመስሉ። ኣብቲ ምብጻሕ ከም መራሕተይ ኮይኖም ተዋሲኦም፣ ብዛዕባ እቲ ብድሆ ክሳብ ክንደይ ንቕሓት ከም ዘለዎም - ከምኡ’ውን ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ንዕኡ ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሞም ክርድኦ ክኢለ ካብቲ ንሳቶም ዝሃቡኒ መብርሂ፡ እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

10 Nov 2025, 16:13