ካርዲናል ቸርኒ ናብ ሓደ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኾነ መዓስከር በጺሖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር (DPIHD)፣ ካብ ዕለት 1-4 ሕዳር ናብ ሃገረ ባንግላድሽ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣካየዶም። ኣብቲ እዋን እቲ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኬቨን ራንዳልን ላዕለዋ ጸሓፊ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ባንግላድሽ ክቡር ኣባ ሊተን ሁበርት ጎሜዝን ተሰንዮም ናብ መዕቆቢ ስደተይናታት ኮክስ ባዛር – ኡክያ ሮሂንጃ ምብጻሕ ኣካየዱ።
ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መዓስከራት ስደተኛታት ዓለም
ካርዲናል ቸርኒ ኣብ ዝገርዎ ምብጻሕ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሎረንስ ሱብራታን መላእ ጕጅለታት ካሪታስ ባንግላደሽን ድሙቕ ተቕባል ተገብረሎም፣ በዚ ከምዚ ድማ እዞም ልኡኻት ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናብ ኮክስ ባዛር ዑደት ኣካየዱ፣ ከመይሲ ካሪታስ ንደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ስድራቤታትን ካልኦት ተኣፈፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብን ኣብ ምግልጋል ብዙሕ ተሳትፎ ይገብር ብምህላው ኢዩ ዝነበረ።
ማሕበር ካሪታስ ባንግላድሽ ካብ ጥዕናን ሰብኣዊ መሰላትን ወግዓዊ ትምህርትን ክሳዕ ናይ ድሕረ ትምህርቲ ኣጋጣሚታትን፡ ሥነ ኣከባቢያዊ ምዝባዓትን ከምኡውን ኣብ ስልጠና ንግድን ናይ ኢድ ሥነጥበብን ዘጠቓለለ እተፈላለየ ውጥናት ዝህብ ዘሎ ካቶሊዊ ማሕበር ኢዩ።
ኣብቲ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ፣ ምስ ገለ ቘልዑን ህጻናትን መምህራኖምን ተራኺቦም፣ ምስ ስድራ ቤታት ውን ግዜ ኣሕለፉ፣ ኣብ ሓደ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ተሳተፉ። ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ውን ከተረፈ እተመደበ ግዜ ተጸምቢሮም።
ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዓበይቲ መዓስከራት ስደተኛታት ኮክስ ባዛር፣ ልዕሊ 1,100,000 ሰባት ተዓቍቦምሉ ዝርከቡን፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ምያንማር ዝመጹ ስደተኛታት ሮሂንጃ ዝርከብዎ መዓስከር ስደተይናታት ኢዩ ዝንበረ። ሃገረ ባንግላድሽ ካብ 1970ታት ኣትሒዛ ንስደተኛታት ሮሂንጃ ክትቕበሎምን ከተዕቁቦምን እያ እትርከብ ዘላ። ይኹን እምበር ካብ 2017 ንነጀው እቲ ቝጽሪ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወሲኹ ይርከብ ኣሎ፣ ካብዚኣቶም 50 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቈልዑን ህጻናትን ኢዩም ዝርከብዎም።
ጕስነትዊ ምብጻሕ እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ
ብፁእ ካርዲናል ቸርኒ ኣብ ኮክስ ባዛር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካልእ መደባት ጕስነታዊ ዑደቶም ንምቕጻል ናብ ዳካ ተጓዕዙ። ምስ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ባንግላድሽን ከምኡውን ምስ ኤጲስቆጶሳዊ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ውን ተራኸቡ፣ ኣዚ ዘካየድዎ ዑደት ድማ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ንሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣገልግሎታቶም ንምዝካር ዝዓለመ ኢዩ ዝንበረ። ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብላና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ መደባት እቲ ጽንብላት ተሳቲፎም ነበሩ።
ብፁዕነቶም ኣብ ሞራንዳንጉር፡ ሞዶንፑር፡ ናራያንጋንጅን ኣብቲ ንስደተኛታት ክርስትያንን ንደቀባት ስድራ ቤታትን ጒስነታዊ ኣገልግሎት ንምክያድን ከምኡውን ስልጠናታት ንምሃብን እተወፈየ ማእከል ክሬዲት ዩኒየን ፒተር ባባን ምብጻሕ ኣካየዱ። ኣብኡ ድማ ምስ ኣስታት 600 ዝዀኑ ሰባት ብምኽንያት ኢዮቤል ተስፋ ንስደተኛታት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ።
ኣብ ክብረ በዓል መዓልቲ ኵሎም ነፍሳት፣ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ምስ ኣስታት 5,000 ዝኾኑ ምእመናን ኣብ ሓንቲ ካብታ ሃገር ዝዓበየት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ መቝጸርያ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ብድሕርዚ ድማ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ መካነ መቃብር ምብጻሕ ኣካይዶም።