ቅድስቲ መንበር፡ ዓውሎማዊ ቅድድም ዳግመ ምዕጣቅ ንደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ቀዳማይ ሽማግለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መራሕቲ ዓለም ንምፍታሕ ኣጽዋር ዳግማይ ቃል ክኣትዉን መጻኢ ሰብኣውነት ንምሕላው ዝዓለመ ብዝሓ - ጎናዊ ዘተ ዳግማይ ክበራበሩን የተሓሳስቡ።
"ሓደገይና ዳግመ ምብርባር ሓይልን ፍርሕን"
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ኣቶሚዊ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝምስረትን ሰማንያ ዓመት ከም ዝሓለፈ ኣዘኻኺሮም፣ ይኹን እምበር እቲ ሓደ እዋን ንደቂ ሰብ ካብ መዓት ውግእ ንምዕቋብ ዝጽዕር ዝነበረ "መንፈስ ብዙሓ ጎናውነት መሰረት ዝገበረ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ" በቲ "ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ዘኽእል ተባሂሉ ብዝስበኽ ኣብ ሓይልን ምፍርራህን ዝተመስረተ ተግባር ይዕብለል ኣሎ - ቢሎም - እዚ ፍግረ ምትእምማንን ዘተን ምትሕብባርን የዳኽም፣ ቁጠባ ይጎድእን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ማሕበረሰባት ስቓይ የዕምቖን ከምዘሎ ኣመልኻኺቶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊካውያን ትካላት ረድኤት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ድሕንነት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክህነጽ ወይ ውሑስ ምግባር ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዘኪሮም፣ “ወተሃደራዊ ልዕልና ዝያዳ ንጽልእን ድሌት ሕነ ምፍዳይን ነዳዲ ክነሱ ንሽግራት ከም መፍትሒ ብዝቐርብ ቤለው ከመይ ጌርና ኢና ንድሌታት ሰላም ህዝብታት ዓለም ጠለምቲ ንኸውን? ዝብል ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ምዕጋት ዝብል “መደናገሪ ስነ - መጐት”
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም፣ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማን ምስፋሕን ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ብዝምልከት ሎሚ ብዝተሓደሰ ቃላት ዝግበር ዘሎ ቤለው ዓሚቝ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ንሱ ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓታት ብምውህሃድን ቅድድም ናብ ህዋ ብምዝርጋሕን ዝተደረኸ “ሓድሽ ቅድድም ኣጽዋር” ኮኒኖም፡ “እዚ ዓይነት ምዕባለታት እዚ፡ ንደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ እዩ።” ኪኖ “ኑክልየሳዊ ኣገዳ ዝብል መደናገሪ ስነ - መጐት” ቅድስቲ መንበር ብመሰረት ውዕል ዘይምስፋሕ ኑክልየሳው ኣጽዋር (NPT) ብሰናይ እምነት ዘተ ክካየድ ዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኩለን ኑክለየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናይ ምፍታሕ ግዴታአን ከኽብራ ኣተባቢዖም፡ ከም ኩለመዳያዊ ውዕል እገዳ ኑክልየሳዊ ፈተነ (CTBT)ን ውዕል ምኽልካል ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን (TPNW) ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ኣህጉራዊ መሳርሒታት፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ብኹሎም መንግስታት ክጸድቅ እውን ከም ዘተባብዑ የመላኽት።
ልሙድ ኣጽዋርን “ምሕዱር ርእሰ - ጥፍኣትን”
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ ክቕጽል እንከሎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ነቲ ልሙድ ኣጽዋር ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን እውን ኣቓልቦ ገይሮም፡ ኣብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቀጻሊ ኣጠቓቕማ ነታጒ “ድሕሪ ምዝዛም ግጭታት ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሞትን መቑሰልትን ነባሪ ስንክልናን ኮይኑ ኣሎ” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ዘይሕጋዊ ዝርገሐ ንኣሽቱን ቀለልትን ኣጽዋር ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዓለማዊ ስክፍታታት ጸጥታ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማኡ “ንዘይምርግጋእ ነዳዲ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ተነቃፊ ማሕበረሰባት ከቢድ ዋጋ ከም ዘስዕብን” ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ብጹዕነቶም ናብ ዝቕልቀል ዘሎ ሓድሽ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣተኲይሮም፡ ኣብ ምምዕባል ቀታሊ ርእሰ -ምሕደራ ዘለዎ ስርዓታት ኣጽዋር ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣት ኣስሚሮም፡ እዚኣቶም “ትርጉም ዘለዎ ሰብኣዊ ቁጽጽር ከይተገብረሎም ይንቀሳቐሱ” ከምኡ’ውን “ንነፍሲ ወከፍ ሕጋዊ፡ ጸጥታዊ፡ ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን ዶባት ዝጥሕሱ” እያቶም ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ኣባል ሃገራት ነቲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ዝእግድ ብሕጊ ቀያዲ መጋበርያ ክሳብ 2026 ተጠናቒቑ ክቐርብ ኣለዎ እንክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ብኹለን ሃገራትን መንግስታትን ክድግፍ ከም ዘተሓሳሰቡ የመላኽት።
ጻውዒት "መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኣረኣእያ"
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ይብሉ፥ ዋላ’ውን ናብ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ምዕባለ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ድኽመት እናጋጠሞ፡ ኣብ 2024 ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት 2.7 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ኣመልኪቶም፣ እዚ ኩነታት እዚ “ቅቡል ኣይኮነን - ቢሎም - እቲ ኣብ ኣጽዋር ዝውዕል ጸጋታት ኣብ ክንድኡ ድኽነትን ትምህርትን ጥዕናን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጸገማት ንምፍታሕ ክውዕል ከም ዝኽእል ብኣጽዖት ኣተሓሳሲቦም። ሃገራት ኣብ ኣጽዋር ምውካል ኣይፋል ቢለን ኣብ ሰብኣዊ ክብረትን ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን እተመስረተ ዘተ ሰላም ብምህናጽ "መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያ ለውጥ" ክሓቝፋ ተላብዮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።