ዑደት ንጉስ ቻርለስ 'ኣብ መንጎ ካቲሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣብያተ ክርስቲያን ቅርበት ዘረጋግጽ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 23 ጥቅምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎምን ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ምስታፍን ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ኣብ ዝተኻየደ ኤቍመናዊ ጸሎት ሓዊሱ፣ ኣብ ርክብ ኣንግሊካንን ካቶሊክን ታሪኻዊ ህሞት ዘመልክት እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበር ዘካየድዎ ብሕታዊ ርክብን ካብ ሰገር መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ንንጉስ ቻርለስ ዝተዋህበ “ንጉሳዊ ወዲ ቅዱስ ጳውሎስ” እተሰምየ ማዕርግ ዘጠቓልል ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ኣማእኪሎም ተወላዲ ኣየርላንድ በነዲክታዊ መነኮስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ብዛዕባ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ ገለ ካብ ቀንዲ ባእታታት ናይዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኤቍመናዊ መዳያትን ሓልዮት ፍጥረትን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካይዶም።
ተኸታታሊ ኣገደስትን ታሪኻውን ፍጻመታት
“ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ሓደ እንግሊዛዊ ንጉስ ካብ ቅድሚ ናይ ተሓድሶ ዘምንን፣ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ምፍልላይን ጀሚሩ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቦታ ተረኺቦም ብሓባር ጸልዩ ኣይፈልጥን” ሰለዚ እዚ ኣብ ናይ ዕለት 23 ጥቅምቲ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮንን ንጉስ ቻርለስን ብሓባር ክጽልዩ ምርኣይ ታሪኽዊ እዩ ይብሉ።
ብዙሓት እንግሊዛውያን ልኡላውያን ናብ ቫቲካን እኳ እንተበጽሑ፡ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸለዩሉ ቅድሚ 500 ዓመት እዩ። እምበኣር እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት “ዝያዳ ምዕባለ ኣብ ውዑይ ዝምድና” ዘመልክት ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ መናድቕ ወጻኢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዕለት 23 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየደ መደብ “ኣብ መንጎ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስን ዘውዲ እንግሊዝን ንዝተፈጥረ ሓድሽ ዓይነት ዝምድና” ዝውክል እዩ።
ንጉስ ቻርለስ ንጉስሕ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተወሃቦ ማዕርግን መንበርን ኣርማ ካብ ወንጌል ዮሃንስ እትወስደ፡ Ut unum sint (“ሓደ ምእንቲ ክኾኑ”) ዝብል ብላቲን ዝተጻሕፈ ጥቕሲ እዩ። እዚ እውን ነቲ ኣብ መንጎ ኣንግሊካዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ኤቍመናዊ ጉዕዞ ዘደልድል እዩ።
ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ዝርአ ናይ ሓባር ባይታ
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ “ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ” ዝብል መዓርግ እውን ስለዘለዎ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘካይዶ ምብጻሕ መንግስታዊ ምብጻህ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መገሻኡ “መንፈሳዊ ሸነኽ” ክህልዎ ከምዝደለየ እቲ ዘካየዶም መደባት የረጋግጾ።
ብተወሳኺ ክልቲኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ - ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ምስኦም ኤቍመናዊ መደብ ጸሎት ተታሒዙ ከም ዝነበረን ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሕማም ክናዋሕ ጸኒሑን - ድሕሪ ዕረፍቶም ድማ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነዚ ተበግሶ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ እዮም። “ብኽልቲኡ ወገን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትና ዝተኸተመ ምፍልላይ እኳ እንተሃለወ - ኣብ ዝተፈላለየ ቲዮሎጊያዊ ዘተ እንሰርሓሉ ኩሉ ዓይነት ጉዳያት ኣዝዩ ዕቱብ ምፍልላይ እንተሃለወ - ዓቢ ናይ ሓባር መርገጺ፡ ናይ ሓባር እምነት፡ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ትውፊት ከምዘሎ ርዱእ እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን፡ ንኽልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ እምነት ምስክር
ኣባ ብራውን ኣስዒቦም፡ ኣብ ቤተ ቤተ ጸሎት ሲስቲናን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተኻየደ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ህልው እዩ - “ቅዱስ ሄንሪ ኒውማን ፍርቂ ህይወቱ ኣባልን ካህንን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ፣ ፍርቂ ህይወቱ ድማ ከም ኣባልን ድሒሩ ድማ ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣሕሊፍዎ እዩ፡ ኣብ ሓባራዊ ታሪኽ እምነትን ምስክር ክልተ ትውፊትናን ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ቅዱስ እዩ።”
“ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ንኽልቲኡ ቅድስናኡን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ሊቅ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ክእውጁ ዝተወስደ ውሳነን ኣዝያ ብትሪ ደጊፋቶ እያ፡” ብሓቂ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ናይ ሽዑ ልኡል ቻርለስ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ቅድስና ኒውማን ተረኺቡ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኦራቶርያን ዝርከብ ክፍልታቱን በጺሑ እዩ።
ኤቍመናዊ ኣብ ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና
እቲ ዕለት 23 ጥቅምቲ ንግሆ ዝተኻየደ ኤቍመናዊ ጸሎት ዘሰነዩ ንባባትን መዝሙራትን ኣብ ዛዕባ፡ ንፍጥረት ዚግበር ሓልዮት ዘተኮረ እዩ ዝነበረ፡ “እዚ ምብጻሕ ፈለማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ንጉስ ቻርለስን ኣብ መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ሕትመት ስቡሕ ኣንተ ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ንዘሎ ሓባራዊ ተወፋይነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ከም ዝነበረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እዚ ፍጻመ እዚ እውን ብሓጎስ እዮም ዝተቐበልዎ፡ እቲ ስክፍታታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናቶም እውን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
“እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ምሕዳር ዘለዋ ሻቕሎት ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናታ ከም ዝገበረቶን፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቅስጥንጥንያ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓቲያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብቀዳምነት ከም ዝሰዓብዎን፡ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ከም ዝሓበራን ኣዘኻኺሮም ሓደ ሰብ ብርግጽ እዚ እውን “ኤቍመናውነት ኣብ ናይ ሓባር ገዛና” ቢልካ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓባር ንኣከባቢ ብቓልን ተግባርን ኣብ እንፍጽሞ ኩሉ ናይ ሓባር ገዛና ጉዳይ ብሓባር ክንርእዮ ዘሎና ነገር ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ" እንክብሉ ኣባ ብራውን ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።