ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክራኸቡ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክራኸቡ እዮም 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክራኸቡ እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን እቲ ካብ ዕለት 21 – 24 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓምሻይ ዓለምለኸ ዓውደ ጉባኤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣማእኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ተጋባእያን ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ክፍጽሙን ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡን ቅዱሰንቶም ናይቲ መደብ መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቤተ - ክርስትያን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዓለም እትገብሮ ቐጻሊ ጕዕዞ ኣብዚ ወርሒ እዚ ሓድሽ ስጕምቲ ብምውሳድ ካብ ዕለት 21 ክሳዕ 24 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ሓምሻይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ስዒቡ ድማ ካብ ዕለት 25 - 26 ጥቅምቲ ኣባላት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ንግደት ዓመተ ኢዮኔል ተስፋ ክፍጽሙ ከም ዝኾኑን ዕለት 23 ጥቅምቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ክራኸቡን ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 26 ጥቅምቲ ንምዕጸዊ መዓልቲ ኢዮቤል ህዛባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ካርዲናል ቸርኒ፡ ልምዓት ድኻታት ከሳትፍ ኣለዎ

ነቲ መደብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘቕረቡ ካርዲናል ሚካኤል ቸርኒ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብዘይ ተሳትፎ ድኻታት ሓቀይና ምዕባለ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ገሊጾም። ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 Dilexi Te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፣ “ድኻታት ዓቕሞም ብምምዕባልን ርትዓዊ ብጽሒቶም ብምውፋይን ዝያዳ ክቡር ህይወት ክመርሑ” ይምነዩ ቢሎም፣

ንህጹጽ ድሌታት ኣብ ምምላእ ዝድረት ዝኾነ ዓይነት ኣባታውነት ከይፍጸም ኣጠንቂቖም። "ደገፍ ማለት ንመዋቕራዊ ጠንቅታት ድኽነትን ዘይምዕሩይነትን ምቅላስ ማለት እዩ። ታሪኽ ዝሰርሓሉ መንገዲ'ዩ፡ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዝገብርዎ ዘለዉ ድማ ንሱ እዩ” ይብሉ።

ኣባ ማቲያ ፌራሪ፡ መስርሕ እምበር ፍጻመ ኣይኮነን

ኣወሃሃዲ Encuentro Mundial de Movimientos Populares - ዓለም ለኸ ምትእኽኻብ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት (EMMP)፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ምትኽኻብ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ቅድሚ ዓመታት ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ምስ ቤተ ክርስቲያን ክጓዓዙ ምስ ጀመሩ ዝተበገሰ ኮይኑ፣ “ "ፍጻመ ዘይኰነስ መድረኽ መስርሕ እዩ" እንክብሉ የጒልሑ።

እዞም ምንቅስቓሳት እዚኣቶም፡ መሰል መሬት፡ መንበሪ ገዛ፡ ስራሕ፡ ወይ መሰረታዊ መሰላቶም ብዝተሓረሙ ሰባት ዝቖሙ ኮይኖም፡ በደል ንምምካትን ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰ ቁጠባ ንምህናጽን ዝተጠርነፉ ምዃኖም ኣረዲኦም። ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝገበርዎ ምትሕብባር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተተባበዐ ክሳዕ ሎሚ ዝቕጽል ናብ ሲኖዳውነት መስርሕ ዝተቐየረ ከም ዝኾነን እዚ ሓሙሻይ ኣኼባ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታን ልኡኻት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዓለማውያንን ተሰንዮም ዝሳተፍሉ ናይ መጀመርታ ክኸውን እዩ። እቲ “ቤተክርስትያን ባዕላ ንድኻታት ከተሰንዮም” ዝብል ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሕልሚ ይፍጸም ኣሎ ኢሎም።

እቲ መደብ፡ ሰለስተ ወሰንቲ ህሞታት ዘጠቓልል ምዃኑ እንከብርሁ፥

- ዓውሎማዊ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ሮማ፡ ካብ ዕለት 21 – 24 ጥቅምቲ።

- ተጋባእያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ሰዓት 16 ዕለት 23 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ክረኸቡ እዮም

- ብደገፍ ከተማ ሮማ ዝተዳለወ ኣብ ፒያዛ ቪቶርዮ ካብ ዕለት 22–24 ጥቅምቲ ዝካየድ ፈስቲቫል ምስ ዜጋታትን ማሕበራዊ መሻርኽትን ርክብን ምክፋልን ቦታ ዝህብ እዩ።

- ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ዕለት 25 – 26 ጥቅምቲ ዝካየድ ኢዮቤል ንግደት፡ ምስ መዓልቲ ኢዮቤል ሲኖዳውነት ተሳተፍቲ ዘራኽብ - “ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነትን ልኡኻውነትን ባህርይ ምልክት” ምዃኑ እውን ይገልጹ።

ሚሸሊን ምወንዲከ ካማተ፡ “ሕውነት ሕጂ’ውን ይከኣል እዩ ኢልና ንኣምን” ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸት ካማቴ እቶም ብቝጠባውን ኣከባብያውን ምጕዳል ፍትሒ ዝያዳ ዝሳቐዩ ሰባት ተወፋይነቶም ኣጒልሐ

በቲ ንዓለምለኻዊ ናይ ጸዓት መሰጋገሪ ኣድላዪ ብዝዀነ ማዕድናት ሃብታም እኳ እንተዀነት ብጥሜትን ድኽነትን ዝሳቐዩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝነብሩላ ናይ ሃገራ ስግጢራውነት ኣመላኺታ፣

"እቲ ንህዝብና ዜጋጥሞ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባር ውጽኢት ናይቲ ንዘመናት እተኣከበ መዋቕር ዓመጻ እዩ መግዛእትን ሓድሽ - መግዛእቲ ከምኡውን ምልካዊ ስርዓት ቀታሊ ቍጠባ" ውጽኢት ምዃኑ ኣብሪሃ፣ እዚ ጸገም እዚ ንምብዳህ  "ብሓባር ኴንና ዝሓሸ ካልእ ዓለም ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ቅድሚ ውግእን ምጕዳል ፍትሕን ብልሽውናን ገና ኣብ ሕውነት ንኣምን” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Oct 2025, 17:36