ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ኩሉ ቦታታትን ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ኣለዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 21 ጥቅምቲ 2025 Religious Freedom Report - ናይ ሃይማኖት ናጽነት ጸብጻ 2025 ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ መደረ “ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም መሰረታዊ መዳይ ህላወ ደቂ ሰባት” የጉልሑ።
ኣብ ባህርይ ወዲ ሰብ ዝተሰረተ “ኣምላኽ ዝሃቦ ናጽነት” ምግሃድ “ብውልቃዊ፡ ማሕበረሰባዊ ወይ መንግስታዊ ባህሪ ዘለዎ መሰናኽላት ክዕንቀፍ የብሉን” ከምኡ’ውን “ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጉዳይ እምነት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸቕጢ ማለት ረቂቕ ማሕበራዊ ጸቕጥታት ይኹን ብግህዶ መንግስታዊ ትእዛዝ ናጻ ክኾኑ ይግባእ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም ክድረት ወይ ክኽልከል የብሉን - ምስ በሉ - ኣስዒቦም፡ "መንግስታትን ማሕበረሰባትን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ዓሚቝ እምነቶም ንኽጥሕስ ከገድድዎ ወይ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብቕንዕና ንኸይነብር ካብ ምዕጋት ክቝጠቡ ግዴታ ኣለዎም። ናጽነት ንሓሶት ምሉእ ብምሉእ ምድጋፍ ወይ ንጌጋ ብዘይግቡእ ንምሕቋፍ ዝፍቀድ ኣይኮነን” እንታይ ደኣ “ንሓቂ ብትግሃት ክትስዕብ ዕድመ እዩ” ከምኡ’ውን “ኩሎም ናብ ግብረ ገባዊ ተሓታትነት ዝተጸውዑ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዘተሓሳስብ ውጽኢት
እቲ ሎሚ ዓመት ዝወጸ መበል 25 ሕታም ጸብጻብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፡ “ዳርጋ ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ኣብተን ከቢድ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝፍጸመለን ሃገራት ይነብር” ማለት “ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሚልዮን ሰባት” ከም ዝተጠቕዑ እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ። እቲ ናይ 2025 ሰነድ “ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብዓቐን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም። “ክቡር ምንጪ ሓበሬታን ትንተናን” ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጉጅለ ልኡካን ንዝሳቅወያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ትካል ግብረ ሰናይ(ACN) ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ትርጉም ናይዚ ጸብጻብን ሰላማዊ ሕብረተሰባት ንምህናጽ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብኸመይ ከምዘድልን ኣስሚሮም፡ እዚ ጸብጻብ “ንድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ዝህብን ሕቡእ ስቓይ ብዙሓት ዝገልጽን” “ሓያል መሳርሒ” እዩ ከም ዝበሉ ብምዝኽካር፡ ር.ሊ.ጳ. ብጀካዚ፡ “ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣማራጺ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዘሎ፡ ምስቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ፍጥረት እተኣሳሰረ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓቂ ኺስዕብን ፍትሓዊ ማሕበራት ኪሃንጽን” ሓይሊ ይህቦ ከም ዝበሉ እውን ዘኪሮም፡ “ብዘይ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፡ ስነ - ምግባራዊ ኣካሊት ሕብረተሰብ ይምህምህ፡ ናብ ዑደት ተገዛእነት ግጭትን ይመርሕ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክትከላኸለሉ እትኽእል መሰረት ኮይኑ፡ “ኣብ ሕጋውን ትካላውን ህይወት ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ” ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ። ናይ ሃይማኖት ናጽነት ይብሉ ብጹዕነቶም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ ቃል ብምጥቃስ “ዘይጭበጥ ኮይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ክንበርን ክሕሎን ክድልድልን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ዓንቀጽ 18 ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣገዳስነት ሃይማኖታዊ ናጽነት ንዓለምና ዘመልክቱ ክልተ ኣገደስቲ ሰነዳት እንከስተንትኑ፡ እቲ ቀዳማይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብርታት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ሎሚ ዓመት ዕለት 7 ታሕሳስ መበል 60 ዓመት ዝዝከር ውሳኔን
እ፡ ካልኣይ ድማ ድሕሪ “መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍዒ ካልኣይ ውግእ ዓለም” ዝተደንገገ Universal Declaration of Human Rights - ዓለም ሓቅፍ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ “እምነ ኩርናዕ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ቅዋም እዋናዊ ሰብኣዊ መሰላት” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ዓንቀጽ 18 ብዛዕባ ኣገዳስነት ሃይማኖታዊ ናጽነት ብትኽክል ዝገልጽ ኮይኑ፡ “ንቕድስና ውልቃዊ እምነታት ብስርዓት ዝተደምሰሰሉ፡ ናብ ናዚን መዳጎን ሰፈርን ካልእ ብዙሕ ግፍዕታትን ዝመርሐ ፍጹም ምልካዊ ስነ - ሓሳባት ብሓባር ምንጻግ” ዝውክል ምዃኑ ገሊጾም፡ “ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘይተሓስበ ፍሉይ መሰል ዘይኮነስ ዘይገሃስ መሰል እዩ፣ ሰብኣዊ ፍጥረት ገዛእ ርእሱ ክኽውን ዘብቅዕ ኣገዳሲ ባይታ እዩ” ብምባል ኣስሚሮም፣ እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዓንቀጽ 18 ሎሚ “ኣብ ማእከል ዕግርግር ዝመልኦ ዑደትን ጸገማትን” ተነቃፊ ዕርዲ ምዃኑ የብህር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽልዋ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ‘Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ’
እዚ Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ ኣዋጅ፡ “ሓላፍነት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ሕብረተሰባት ንሓቂ ንምድላይ መሰናኽል ኣብ ክንዲ ዚተኽሉ ድልድል ኪሃንጹ ዘተባብዕ እዩ - ቢሎም - እዚ ራእይ እዚ ካብ ሽዑ ንነጀው ካቶሊካውያን ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ውድባት ንኽሳተፉ፡ ኣንጻር ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ዚግበር ምንቅስቓሳት" ከም ዘነቓቀሐን ኣዘኻኺሮም፣ "ብግቡእ ትእዛዝ ኮይኑ ናጽነት መሰል ጥራይ ከም ዘይኰነ መዘኻኸሪ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ናብ ሓቅን ምስ ኣምላኽን ብጻይን ዝመርሕ ዓሚቝ ሕብረት እውን እዩ።"
እቲ ቐንዲ መልእኽቲ Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን "ናይ ውልቀ - ሰብን ማሕበረሰብን ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ማሕበራውን በረገሳውን ናጽነት ናይ ምርካብ መሰል" ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "እምነት ንመለኮታዊ ጻውዒት ናጻ ምላሽ ደኣ እምበር ብግዲ ተገዛእነት ኣይኰነን፡ እቲ ኣዋጅ ብንጹር ከም ዝገለጾ "ሓቂ ብገዛእ ርእሱ ሓቂ እንተ ዘይኰይኑ ክትግበር ኣይክልን እዩ" ከም ዝበሉ የመላኽት።
ተራ በርገሳዊ ስልጣንን ኣህጉራዊ ውዕላትን
ብተወሳኺውን "መትከል ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ኵሉ መዳያት ሰብኣዊ ርክባት ብውልቀ - ሰብን ብሓባርን ከም ዝዝርጋሕን" በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ኣብ ቅዋምን ውሽጣዊ ሕግታትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ከም መሰረታዊ በርገሳዊ መሰል ክቕመጥ ከም ዘለዎ" ገሊጾም፣ ይኹን እምበር "ሃይማኖታዊ ናጽነት ፍጹም ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ዝኾነ ጌርካ ኺርአ የብሉን" የግዳስ "ብጥበብን ማዕርነትን እተደረተ ሚዛናዊ" ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።
ስለዚ "ፖለቲካዊ መመያ" ብጠለብ "ሓባራዊ ጥቕም" እተቐርጸ ዶባት ንምፍጣር ከገልግል ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ምስ ሓበሩ፡ በርገሳዊ ስልጣን ከኣ ምስቲ ዘይቅየር ስነ - ምግባራዊ ሕጊ (ኣብ ተፈጥሮኣዊ ምኽንያትን መለኮታዊ መግለጺታትን እተመስረተ) ዝሰማማዕ ሕግታት ኣብ ምውጻእ "ወሳኒ ግደ" ኣለዎም።"
Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምክልኻል "ኣድላዪነት" ዕቝባ ክወሃብ ከም ዘለዎ ዘጒልሕን፣ እዚ ኸኣ መሰላት ዜጋታት ምሕላው ህዝባዊ ሰላም ምምዕባል ከምኡውን ህዝባዊ ስነ -ምግባር ምድጋፍ ዘጠቓልል ኢዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።