ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤት ሕክምና ህጻናት ቫቲካን ኣብ ዞባ ውግእ ንዝርከቡ ሕሙማት ብሓጎስ ይቕበል ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤት ሕክምና ህጻናት ቫቲካን ኣብ ዞባ ውግእ ንዝርከቡ ሕሙማት ብሓጎስ ይቕበል 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቤት ሕክምና ህጻናት ቫቲካን ኣብ ዞባ ውግእ ንዝርከቡ ሕሙማት ብሓጎስ ይቕበል

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምውህሃድ ምርምርን ክንክንን ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ንዘሳልጦ ዕዮታት ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ 1985 “እቲ ቤት ሕክምና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ከም ስነ ፍልጠት ትካል ምርምር ዝብል ኣፍልጦ ዝረኸበሉ መበል 40 ዓመት ንምዝካር፡ “መጽናዕቲ ንኽንክን” (“La ricerca X la cura”) ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓልዮትን ምርምርን ክልቲኡ “መንገዲ ሓደ ዓይነት ጻውዒት” ንኣገልግሎት ህይወት እያቶም፣ ምርምር “ስነ - ምግባር፡ ስነ  ፍልጠትን ምትሕግጋዝን ዘወሃህድ” ሓላፍነት እውን እዩ፡ ወትሩ ነቶም ካብ ርሑቕ ቦታታት ዝመጹ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምልክት ድኽነት ወይ ግርጭት ዘለዉ’ውን እንተኾነ ዝቕበለሉ መንገዲ ዝረክብ እዩ - ቢሎም - እዘን ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ “ምርምርን ሓልዮትን፡ ተወፋይነትን ብልሕን ኒሕን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ሰብኣውነትን ብሓባር ኣብ ኣገልግሎት ህጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ጎዕዞ ዝግበረሉ” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሕሙማት ኣብ ምሕብሓብ ርህራሄ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ዝለገስዎ Dilexi te -  ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ኣብ ምሕብሓብ ሕሙማትን ንዝሳቐዩን ምስ ግዜ ዝግለጽ ክርስትያናዊ ርህራሄ ብኸመይ ከም ዝንጸባረቕ የዘኻኽረና፡ ንሕሙማት ምብጻሕን ምሕጋዝን፡ ቃንዛኦም ዘጸናንዕ ትውፊት፡ "ናይ ግብረ ሰናይ ምልክት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ሕሙማት ነቲ ዝሳቐ ስጋ ክርስቶስ እትትንክፈሉ ተልእኾ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ሕክምና ዝቕጽል ዘሎ “ሕድሪ ሓልዮት”፡ እንኮላይ፡ ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ፡ “ክርስትያን ኣብ ጎኒ ሕሙማት ምህላዎም፡ ድሕነት ረቒሕ ሓሳብ ዘይኰነስ ጭቡጥ ተግባር ምዃኑ የዘኻኽረና።” ከምኡ’ውን፡ እዚ ተልእኾ’ዚ ብመጽናዕቲ’ውን ዝፍጸም ምዃኑ ወሲኾም ከም ዘብርሁ የመላኽት።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ቫቲካን ኣብ ናይ ሓጋይ ትምህርቲ ስነ ኸዋኽብቲ ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዘመናዊ ስነ - ፍልጠታዊ ምርምር፡ ዓበይቲ ዓወታት "ካብ ናይ ሓባር ስራሕ፡ ካብ ብስነ - ምግባር ዝስነይ እደ ጥበብ" ከምኡ'ውን ካብ ምብዛሕ "ኣሰር ፍልጠት ኣብ ከባቢና" ከም ዝመጽእ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓወታት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ

ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ፡ ካብቲ ኣብ 1986 ኣብ ኢጣልያ ንፈለማ እዋን ዝተገብረ ምትካል ልቢ ህጻናት ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣብ 2018 ንፈለማ እዋን ንጽኑዕ መንሽሮ ዝግበር ሰረታዊ ፍወሳ፡ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብዙሕ ምዕራፋት ሓሊፉ፡ ብዙሕ ከምዚ ዓይነት ኣሰር ገዲፉ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ ዝተመረቐ ቤተ ሙከራ ስነ ሰረት ፍወሳ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ምርምርን ሕክምናን ሕማማትን ህጻናት ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝግበር ዘሎ ስነ ምርምራዊ ተበጽሖታት ዝውክል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብድሕሪ እቲ ዝተዓወተ ዕላማታት ዘሎ ህዝቢ

ብድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ዝዕወት ዕላማ፡ “ሓድሽ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ ዛንታታት፡ ወጅህታት፡ ቆልዑን ኣባይቲ ስድራን፡ ፍታሕ ዝረኽቡ ተመራመርትን ሓካይምን፡ መንገዲ ሕክምና ዝቐየሩ ጉጅለታት፡ ክፍሊ ሓለዋ ጸጥታን ካልኦት ሰራሕተይናታት” ከምዘለዉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስተብሂሎም፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጡ ዓይነት ሕማማት ወይ ከቢድ ኩነታት ስነ ክንክን ዘስዕቦ ጸገማት ወይ ሕቶታት” ደው ከይበለ፡ ብትብዓትን ብጽንዓትን፡ ኩሉ ግዜ መልሲ ኣብ ምድላይ” ክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝተራእየ ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበረ ልሙስ ሰብ፡ ምስ ኢየሱስ ምእንቲ ክራኸብ ካብ ናሕሲ ዝወረደን ብኢየሱስ ዝተፈወሰን፡ ብምዝካር “መዋጽኦን መገድን ኣብ ዘይይነበረሉ እዋን ደረታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መሕለፊ መገዲ ዝረኸበ እዩ እዚ ድማ ንስነ ምርምር ኣብነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ቅዱስ ጆርጆ ፍራሳቲ ምጥማት

እቲ ናይ ህጻናት ቤት ሕክምና፡ “ስነ ፍልጠትን ግብረ ሰናይን፡ እምነትን ብልሕን፡ ምርምርን ሓልዮትን” ብምውህሃድ፡ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ፡ ነፍሲ ወከፍ ብመከራ ዝሳቐ ሰብ፡ “ክእንገድን ክፍቀርን ዘለዎ ወጅሂ ክርስቶስ” ምዃኑ ንምምስካር፡ ቀረባ ናይ ምዃንን ምስናይን ክእለቱ ንኢዶም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ነቲ መሳለጥያን ኣባላቱን፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ነቶም ሕክምና ዘይረኽቡ ከውዕልዎ” ነቲ ኣብ 1869 ነቲ ቤት ሕክምና ምስ ዝመስረተ ስድራቤት ሳልቪያቲ ርክብ ንዘለዎ ኢጣሊያዊ ተወላዲ ቶሪኖ ቅዱስ ፒየር ጆርጆ ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 Oct 2025, 15:54