ንንጉስ ቻርለስ ዝተዋህበ ማዕርግ ‘ንኤቍመናዊ ከም ምልክት 'ተስፋ' እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
Ut unum sint – “ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ንመጻኢ “ተስፋ” ዝፈጥር ኣድማስ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ ሃዋህው መለለዪ ኮይኑ፣ ኣብቲ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ናይ ዓዲ እንግሊዝ “ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ” ዝብል ማዕርግ ንምሃብ ስግር መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብናይ እቲ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ዝርከብ ናይ በነዲክታውያን ገዳም ኣበምኔት ዶናቶ ኦሊያሪ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ጀምስ ሚካኤል ሃርቨይ፤ ናይ እንግልጣር ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ስቲቨን ኮትረል፤ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ መጋቢት ሮዚ ፍረው ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኤቍመናዊ ጽምብል
ንጉሳውያን ብቅዱስ ኣፍደገ ኣቢሎም ናብቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ኣተዉ ብካርዲናል ሃርቪ፣ ብኣበምኔት ኦሊያሪ፤ ሊቀ ጳጳሳት ኮትረልን ኣካያዲት ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ መጋቢት ፍረው ተዓጂቦም፡ መዘምራን ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ዝብል መዝሙር እናዘመሩ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ንሓጺር እዋን ናይ ጽሞና ጸሎት ምስ ፈጸሙ፡ ካርዲናል ሃርቪን ኣበምኔት ኦልያርን ነቶም ነገስታት መሪሖም ኣብ መቓብር ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሓጺር እዋን ጸሎት ደጊሞም፡ ብድሕሪኡ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ናይ ክብሪ ቦታኦም ምስ ሓዙ፡ መዘምራን ተሓጒይስና ነወድሶ ዝብል መዝሙር ከም እተሰምዐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ መንጎ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስን እንግሊዝን ዘሎ ርክብ
ድሕሪ እቲ ናይ መእተዊ ስርዓታት ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ ነቲ ንጳጳሳዊ ባዚሊካ ምስ ንግስነት ዓዲ እንግሊዝ ዘራኽብ ጽኑዕ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብምዝካር ናይ መክፈቲ መደረኦም ኣበጊሶም፡ እዚ ዘተ እዚ ኣብ 1966 ኣብ መንጎ ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ውህደት ኣንክሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ራምሲን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ዝበጸሐ ኮይኑ፣ እዚ ድማ “ድሕሪ ናይ ተሓድሶ ዘመን ንፈለማ እዋን” ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስትያን ኤቍመናዊ ሓድነት ንኽህሉ ዝድርኽ ሓባራዊ መደብ ዘተ ከም እተበገሰን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ መንበረ ጵጵስና ቀለቤቶም ኣብ ኣጻብዕቲ ኣንግሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ራምሲስ ከም ገጸ በረኸት ከም ዘጥለቝሎም ኣዘኻኺሮም፡ ብፍቓድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንንጉስ ቻርለስ ዝተወሃብ ናይ ክብሪ ማዕርግ “ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ” ምልክት “ተስፋ” ምዃኑን፡ ከምኡ እውን ንሓደ ልዑላዊ ጥራይ ዝወሃብ ዘይኮነስ ነቲ ልዑል ከም ሓው ናይ ምቕባል ምልክት እውን ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጸሎት ንፍጥረት
ኣበምኔት ኦልያሪ ነቲ ወግዓዊ ኣዋጅ “ንጉሳዊ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ” ምስ ኣንበቡ - ነቲ “ናይ ሓባር ኤቍመናዊ ጉዕዞን ሕውነታዊ ዕማምን’ ኣበጊሶም - ኣብ መንጎ ኣበምኔት ኦልያሪን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ሃርቨይ ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፡ ምስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ እውን ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ፈጺሞም፡ መዝሙር ምስ ተሰምዐ፡ ብኣካያዲት ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ መጋቢት ሮዚ ፍረው ቀዳማይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምስ ተነበ፡ “እንሆ ኣሕዋት ብሓድነት ክመላለሱ ክንደይ ሰናይን ባህ ዘብልን እዩ!” ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ መዝሙር ምስ ተሰምዐ፡ ቀጺሎም ኣንግሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ኮትረል ካብ ወንጌል ዮሃንስ (ምዕራፍ 17) ዝተወስደ ቃለ ወንጌል ምስ ኣንበቡ ድሕሪኡ ብቃል ኣምላኽ ክሕጎስ እየ ዘርእስታ መዝሙር ከም ዝቐረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተር፡ "ኣብ መላእ ዓለም" ብፍላይ ከኣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን "መራሕቲ ኣህዛብን" ንንጉስ ቻርለስ ሓሳብ ዝገበረ ጸሎት ምህለላ ምስ ተነበ፡ ካርዲናል ኒኮልስ ምስቲ ፍረ ነገር እቲ ንጉሳዊ ምብጻሕ ብምስምማዕ "ግዓር ፍጥረት" ምእንቲ ኺስማዕን ናይ ሓባር ቤትና ንመጻኢ ወለዶታት ምእንቲ ኺዕቈብን ንስለ ሓልዮትን ክንክንን ፍጥረት ከም ዝጸለዩን ቅድሚ ናይ መወዳእታ ጸሎት ንጉስ ቻርለስ ኣብ ገዳም በነዲክታውያን ዑደት ከም ዘካየዱ የመላኽት።