ኣህጉራዊ ኣካል ኣማኻሪ መንእሰያት፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጉባኤ የካየድ ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣህጉራዊ ኣካል ኣማኻሪ መንእሰያት (IYAB) ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንምእመናንን ስድራቤትን ህይወትን ተጋቢኡ ይርከብ ኣሎ። እዚ ኣህጉራዊ ኣካል እዚ ዕላማኡ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ኣረኣእያ መንእሰያት ናብ ቅድስቲ መንበር ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ።
ኣርእስትታት ዘተ
እቲ ኣኼባ ንኣባላት ናይቲ ኣብ 2024 እተመዘ ኻልኣይ ጕጅለ መንእሰያት ዘራክብ መደብ ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ እተገብረ ቐዳማይ ኣኼባ ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስድ ኣኼባ፣ ካብቲ ኣብ 2027 ኣብ ሴኦል ዝግበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ምድላው ጀሚርካ ክሳብ ብዛዕባ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል መንእሰያት ኣብ ስድራቤት ዝገልጽ ዛዕባታት ኣልዒሉ ክዛተ ኢዩ፣ ብዛዕባ ኣገልግሎት መንእሰያትን ኣገልግሎት ስድራቤትን ምትእስሳር ዝግበረሉ መገድታት፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዘወጸ ሃዋርያዊ ምሕጽንታ ክርስቶስ ህያው ኢዩ! ዘርእስቱ ሰነድ፣ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ማሕበራዊ ኩነታት ውን ኣመልኪቶም ክዛተዩ ኢዮም። እቲ ኣኼባ ናብ 'ቦርጎ ስቡህ ኣንተ' ምብጻሕ እውን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።
ተሳትፎ፣ ሲኖዶሳዊነት ከምኡ ውን ተልእኾ፣ መሰረት ናይዚ ኣስተንትኖታት ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ብመንፈስ ተዋስኦን ዝርርባትን ክቐርብ ኢዩ። ነዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ድማ ጭቡጥ መስመራት ስጕምቲ ዝህብ ሓቀይና ዓውደ መጽናዕቲ ንምፍጣር ውጥናት ንምድላው፣ ሓሳባትን ግብራዊ ተመክሮታትን ዘካፍሉ ጕጅለታት ክህልዉዎም ኢዮም።
ንጥፈታት ኣህጉራዊ ኣካል ኣማኻሪ መንእሰያት
እዚ ኣህጉራዊ ኣካል እዚ ካብ 2018 ንነጀው ኣብቲ ብንጹር ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ መንእሰያት ተመስሪሩ ካብ እተፈላለየ ዞባታት ዓለምን እተፈላለዩ ኣህጉራውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ማሕበረሰባትን ዝመጹ 20 መንእሰያት ንተሓባበርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኩርያ ሮማና ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ምስ ኣገልግሎት መንእሰያትን ካልእ ሓፈሻዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጕዳያትን ዚተሓሓዝ መስርሓት ንምምርማር፣ ሲኖዳውነት ብዝብል ቃላሲ ሓሳባት ይምርሑ። ናይዚ ኣማኻሪ መንእሰያት ዝኾነ ኣህጉራዊ ኣካል ከም "ኣፈኛ" መንእሰያት መጠን ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መብንበር ከምኡውን ካልኦት ምኽሩ ዝሓትቱ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣብ ክንዲ መንእሰያት ኮይኑ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኣካላትን ድኻታትን ወይ ዝተነጸሉ ዝዀኑ ዝስምዖም ሰባትን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብ ሕድጋት ዝነብሩ ወይ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ኣጋጣሚታት ንምርካብ ዘጸግሞም ሰባት ምኽሪ ኣብ መሃብ ንጡፍን ኣገዳስን ደገፍ ዝህብ ዘሎ ኣካል ኢዩ።