ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝኽፍለኦ ‘ስነ-ምህዳራዊ ዕዳ’ ክእረም ትጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ዕለት 13 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ካልኣይ ሽማግለ ዘተ ኣብ ዛዕባ "ኣብ ውጥን ዘላቒ ልምዓት ነጥቢ 18" ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ትምህርቲ፡ ጭቡጥ ስጉምቲ፡ ከምኡ’ውን ለውጢ ኣተሓሳስባታት ንኽንክን ከባቢ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ኣተኲይሮም፥
ዝተሓደሰን ተባዕን ጻውዒት ንተግባር
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ "ቅድስቲ መንበር ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ጽኑዕ ኣተባባዒት እያ፣ ኩለንተናዊ ውሁድ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘጠቓልል ራእይ ዘለዋ እያ፣ ኣብዚ ብተደራራቢ ቅልውላዋት ድኽነት፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ግጭትን ዝተለለየ ወሳኒ እዋን፡ ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ተወፋይነት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ'ዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ኣብ 2025 ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ Laudato Sì - ስቡህ ኣንተ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ "ንሓድሕዳዊ ምትእስሳር ሰባትን መሬትን ዘጉልሕ ትንቢታዊ" ሰነድ እንክብሉ ገሊጾም ብተወሳኺ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዕንወትን ኣከባብን ዘለዎም ሻቕሎት ከም ዝገለጹን እቲ ኣዕናዊ ሳዕቤን ኣብ ድኻታትን ደቀባትን ማሕበረሰባት ዘይመጣጠን ጽልዋ ከም ዘለዎ ደደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ሰብኣዊ ክብርን ኵለንተናውነት ፍጥረትን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓጺር ግዜ ረብሓታትን መኽሰብን ክጭፍለቕ እንከሎ - ተፈጥሮ ከም ዋጋ ዕዳጋ ምስ ዝጥቀመሉ - ንትርጉም ዘላቒ ልምዓት እዩ ዝዕምጽጽ - ቢሎም - ከም መልሲ ነዚ ጸገም እዚ "ዝተሓደሰን ተባዕን ጻውዒት ንተግባር፣ እዚ ድማ ብሰለስተ ጭቡጣት ኣገባባት ክዕወት ዝኽእል ምዃኑ ኣንክትንትኑ፣
ምእራም ምህዳራዊ ዕዳ
ቀዳማይ ነቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል “ምህዳራዊ ዕዳ” ምእራም ዝብል እዩ፣ ቅድስቲ መንበር፡ ብቐጻሊ ናይዚ ስነ ምህዳራዊ ዕዳ ግብረ ገባውን ስነ-ምግባራውን ሸነኻት ኣጽኒዓ ከተስምረሉ ከም ዝጸነሐት ኣዘኻኺሮም፡ ስነ ምህዳራዊ ዕዳን ንግዳዊ ዘይምዕሩይነት ምስ ጽልዋታት ኣብ ከባቢ፡ ከምኡ'ውን ብገለ ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዘይመጣጠን ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮ" ዘስዕቦ ምዃኑ ብምምልካት፣ "እቶም ኣብ ምብራስን ዕንወትን ኣካባብን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዘይተመጣጠነ ኣበርክቶ ዝገበራ ሃገራትን ዓውድታትን፡ ነቶም ብሳዕቤናቱ ኣዝዮም ዝተሃስዩን ዝህሰዩን ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት ኣለዎም፣ ነዚ ስነ -ምህዳራዊ ዕዳ ንምእራም ምዕቡላት ሃገራት ዘይሕደስ ጸዓት ብዓቢኡ ክቕንሳን ድኻታት ሃገራት ንዘላቒ ልምዓት ኣብ ምድጋፍ ክሕግዛን ከም ዘለወን ወሲኾም ብምሕባር፣ እዚ ሓገዝ እዚ እኹል ገንዘብ፣ ኣብ እዋን ቅልውላው ዕዳ ምፍዋስ፣ ግቡእ እደ ጥበብ ምክፋልን ምህናጽ ዓቕምን ዘጥቓልል ክኸውን ኣለዎ፣ ከምዚኦም ዝበሉ ስጉምትታት ነቲ ስነ - ምህዳራዊ ዕዳ ንምኽፋል ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ መንገዲ ዘላቕነት ዝድግፍ ምዃኑ እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዙሕነት ህይወት ንምሕላው ዝተዋደደ ስጉምቲ
ካልኣይ ድማ ንብዙሕነት ህይወት ንምሕላው ኣድላይነት ዝተዋደደ ስጉምቲ ዝብል እዩ፣ ብዙሕነት ህይወት ንምዕቃብ ዝዓለመ ዓቢ ስጉምቲ "ንህሉው ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ወለዶታት እውን ኣብ ግምት ዘእትው ግብረ ገባዊ ግዴታን መጻኢ ወለዶ ናይዚ ሓላፍነት እዚ እውን ወራሲ ክኸውን ዝድርኽ እዩ፣
"ኣግራብና፡ ውቅያኖሳትናን ስነ - ህይወትናን ምሕላው፡ ከም ምልክት ኑባሬኣዊ ዋጋኦምን ንህላወ እቶም መነባብሮኦም ኣብኦም ዝምርኮስ ማእለያ ዘይብሎም ማሕበረሰባትን ኣገዳሲ'ዩ" እንክብሉ ገሊጾም፣ ቅልጡፍ ምጥፋእ ዝተፈላለየ ዓይነት እንስሳታት፡ ምጥፋእ መነባብሮታትን ብከላን ካብ ስክፍታታት ስነ - ምህዳር ንላዕሊ ምዃኑ ኣጠንቂቖም፣ ዓሚቝን ሰብኣዊን ሳዕቤን ከም ዘለዎ የዘኻኽሩ፣
ንውሁድ ስነ - ምህዳር ዝኸውን ትምህርቲ ምድንፋዕ
ሳልሳይ - ይብሉ ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ንውሁድ ስነ - ምህዳር ዝኸውን ትምህርቲ ዝያዳ ምድንፋዕ ዝብል ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ንውሁድ ስነ - ምህዳር ዝኸውን ትምህርቲ ዝያዳ ምድንፋዕ የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ብሕግታት ጥራሕ ነባሪ ለውጢ ክረጋገጽ ኣይኽእልን እዩ፣ ብተወሳኺ "ምልዋጥ ልብን ኣእምሮን" ይሕትት ቢሎም፣ ብፍላይ ድማ "ምርጫታት ዝሕብር፣ ምትሕግጋዝ ዘነቓቕሕን ንመንእሰያት ኣብ ዘላቕነት ባህሊ ንምህናጽ ዘዕጥቕን" ናይ ኣነባብራ ለውጢ ዘስዕብ ትምህርቲ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ትምህርታዊ ተበግሶታት ካብ ግብራዊ ፍታሕ ሓሊፉ ስነ - ምግባራዊ ህንጸት ዘጠቓልል ብምዃኑ ፍጥረት ናይ ምሕላው ሓባራዊ ሓላፍነት ክኹስኩስ ኣለዎ - ቢሎም - "ትምህርቲ ስነ - ምህዳር ብምድንፋዕ፡ ንኽብረት ሰብኣዊ ክብርን ንጽሕና ፍጥረትን ዘኽብር ሓድሽ ኣነባብራ ክንሕብሕብ ንኽእል" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።