ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅልጡፍ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ኣመልሒቑ ናብ ሓባራዊ ረብሓ ዝቐንዐ ኮይኑ ክቕጽል ኣድላይነት ህጹጽ ስጉምትታት፣ ሕመረት ናይቲ ሊቀ ጳጳስሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕነትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፣ ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብቲ ዕለት 24 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰላምን ምዕባለን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ ተኽእሎ እኳ እንተሃለወ ስነ - ምግባራዊ ረቛሒታት ኣብ ግምት እንተ ዘይተኣትዩ ግን ከቢድ ሓደጋታት ከም ዘምጽእ የጠንቅቑ።
“ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ኣብ ከም ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ስነ - ጥበብ፡ ክንክን ጥዕና፡ ምሕደራ፡ ወተሃደራዊ ስራሕን ርክብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዓሚቝ ጽልዋ የሕድር ኣሎ፣” እዞም ምህዞታት እዚኣቶም ነቲ ቅድሚ 80 ዓመት ንቅዋመ ሕቡራት ሃገራት ዘነቓቕሐ ባህግታት ኣብ ምግሃድ ኣበርክቶ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣመላኺቶም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ምምዕባልን ኣጠቓቕማን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምኽባር ክብሪ ደቂ ሰባትን ምድላይ ሓባራዊ ረብሓን ብጽኑዕ እንተዘይተሰሪቱ፡ መጋበርያ ምፍልላይን ተጻብኦነትን ናይ ምዃን ሓደጋ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ግርጭት ናይ ምልዕዓል ተኽእሎ የሀሉ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ ቀታሊ ርእሰ - ተመሓዳሪ ኣጽዋር ምቁራጽ ክግበር
ካብቶም ዝለዓሉ ኣዝዮም ተኣፋፊ ስክፍታታት፡ ምውፋር ቀታሊ ርእሰ - ምምሕዳር ዘለዎም ስርዓታት ኣጽዋር (LAWS) ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ “እዚ ዓይነት ኣጽዋር እዚ ንማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ሕጋዊ፡ ጸጥታዊ፡ ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን ስክፍታታት የስዕብ፣ ምኽንያቱ ግብረ ገባዊ ምምዝዛንን ስነ - ምግባራዊ ውሳነ ናይ ምግባርን ፍሉይ ሰብኣዊ ክእለት ስለ ዘይብሎም" እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ “ቅድስቲ መንበር ንምምዕባል ወይ ንኣጠቓቕማ ቀታሊ ርእሰ - ምምሕዳር ዘለዎም ስርዓታት ኣጽዋር ሕግታት ህጹጽ እገዳ ክጸድቕን ከምኡውን ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዝግበር ውሳነታት ኣብ ትሕቲ ትርጕም ዘለዎ ሰብኣዊ ቍጽጽር ከም ዝቕጽል ንምርግጋጽ ሕጋዊ ቀያዲ ሰነድ ምውጻእ ኣበርቲዑ ይድግፍ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሓደጋታት ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምራሕ ቅድድም ኣጽዋር
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብተወሳኺ፡ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓታት ምውህሃድ ዘጠቓልል ዝቕልቀል ዘሎ ውድድር ኣጽዋር ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣጒሊሖም እዚ ድማ ንብረት ህዋን ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይላትን ዘጠቓልል ከም ዝኾነን፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት፡ “ብሰንኪ ተኽእሎ ጌጋ ስሌት፡ ንባህሪ ኣጽዋርን ውግእን ምቕያር፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ዘይርጉጽነት ናይ ምፍጣር” ሓደጋ ከምዘለዎ ገሊጾም
ብፍላይ ዘተሓሳስብ ድማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኑክሊየሳዊ ትእዛዝን ቁጽጽርን መሓውራት ክሕወስ ምዃኑ ኣጠንቂቖም፣ “እዚ ካብቲ ድሮ ተነቃፊን ስነ-ምግባራዊ ጸገም ዘለዎን ኑክልየሳዊ ምክልኻል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ሓድሽ ዘይተፈልጠ ሓደጋታት የስዕብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ
በዚ ድማ ወኪል ቅድስቲ መንበር ባይቶ ጸጥታ ስነ ፍልጠትን እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ብዛዕባ ሰላምን ደሕንነትን ዝግበር ክትዕ ዕድላትን ሓደጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው ተጠንቂቑ ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ክወስድ ተማሕጺኖም፣ “ነዞም ተኣፋፊ ጉዳያት ንምፍታሕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ምምዕባልን ኣጠቓቕማ ሓደስቲ እደ ጥበባትን ሰብ ተኮር ኣቀራርባ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቝሪቦም፣ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ህይወትን ሞትን ንፍርዲ ደቂ ሰባት ዝትክእ እደ ጥበብ ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ መተግበሪታት፡ ፈጺሞም ክጥሓሱ ዘይብሎም ዘይግሃስ ዶባት ከም ዝሰግሩ እውን ክግንዘብ ይግባእ ምስ በሉ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ምፍልላይ ወይ ዕንወት መራሒ ከይከውን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ንተጋባእያን ልኡኻት ሃገራት ኣዘኻኺሮም፣ የግዳስ ናብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት፣ ሰላም፣ ፍትሒ ዝቐንዐ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።