ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ምምካት ከምዘድሊ ተተሓሳስብ

ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ 4ይ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘአንገዶ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክሳብ ሕጂ ዘጋጥመን ብድሆታት፡ ከምኡ’ውን ማዕረ ክብረተንን ዘለወን ዕቑር ሓይልን ንምምላእን ዓቕመን ምክልኻል ከምዘድሊ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤጂንግ ዝተኻየደ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ራብዓይ ዓለምለኸ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ላዕለዋይ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብዛዕባ ዝተመዝገበ ምዕባለን ንደቂ ኣንስትዮ ማዕርነት ንምዕዋት ዝተረፉ ብድሆታትን ኣስተንቲኖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ህይወት ምክልኻልን ምኽባርን ክብርን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ክትግበር ተሪር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ቅድሚ 30 ዓመት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቤጂንግ ተኣኪቡ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ምሉእ ብምሉእ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላተን ብዝምልከት ኣገደስትን ህጹጽን ዝኾኑ ሕቶታት ኣተኲሩ” ከም ዝዘተየ ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፣ “ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዋላ’ኳ ርኡይ ምዕባለ እንተተራእየ፡ ኣብ ኣዋጅን መድረኽ ስጉምትን ቤጂንግ ግን ዘይተፈትሑ ቀወምቲ ጉዳያት ኣለዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድኽነት፡ ትምህርቲ፡ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት

ገለ ካብቶም ዘይተፈትሑ ብድሆታት፡ ድኽነትን ትምህርትን ቍጠባዊ ዘይማዕርነትን ዝብሉ ምዃኖም ኣጕሊሖም፣ ደረጃኦም ክሳብ ሕጂ ዘሰክፍ ምዃኑ ኣመልኪቶም። "ክቱር ድኽነት ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ትምህርቲ ንኸይረኽባን ዘሎ ናይ ምግላል እንቅፋታት፣ ከምኡውን ትሑት ደሞዝ ኣብ ስራሕ፣ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምሉእ ብምሉእ ንኸይዕወት ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ዘለወን ተኽእሎ ንኸይጥቀማ ዕንቅፋት ኰይንወን ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓመጽ

ብፍላይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጻ ብዓብይ ሻቕሎት ከጉልሑ፣ "ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ እዋን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፣ ኣብ ግጭትን ሰብኣዊ ሃዋሁን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይፈጸም ብዘየገድስ፣ ክብረን ዘዋርድ ከቢድ ዘይፍትሓውነትን ኢዩ - ቢሎም - ብተወሳኺ “እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንገለ ዓይነት ግህሰትን ዓመጽን ዘጋድድ መጋበርያ ኮይኑ ከም ዘሎ” ኣመልኪቶም፣ እቲ ዓመጽ ኪኖ ጾታዊ ምዝመዛ ዝዝርጋሕ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዓመጽ ኣብ ጾታዊ ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ቅድሚ ሕርሲ ጾታዊ ምርጫን ቅትለት ደቂ ኣንስትዮን እውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ኣብ ኣዋጅን መድረኽ ስጉምትን ቤጂንግ ዝተኹነነ ተግባራት በብዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ‘ኣዋልድ ይጭወያን ኣበይ ኣተይን ዘይፍለጥን’ ብዙሓት እያተን፣ ስለዚ ቅድስቲ መንበር፡ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ብኹሉ መልክዑ ብጽኑዕ ትኹንኖ፡ ፈጺሙ ቅቡል ከምዘይኮነን ካብ ሱሩ ክጠፍእ ኣለዎ ብዝብል እምነት ተደሪኻ ኣጽኒዓ ትኹንን” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ጥዕና

ጥዕና ካልእ ህጹጽ ስክፍታ ምዃኑ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፣ “ካብ 1990 ዓ.ም. ጀሚሩ መጠን ሞት ኣዴታት ብዓቢኡ እኳ እንተነከየ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን ምዕባለ ደው ከም ዝበለን። ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ቅድመ ሕርስን ክኢላታት ኣገልገልቲ ናይ ሕርሲ ሕክምናን ከምኡ’ውን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ትሕተ ቅርጽን ክውስኽ ደአ ኣለዎም እምበር ከም ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት መፍትሒታት ምቕራብ ዘይግብኡ እዩ። ምንጻጽል ጥንሲ ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት መፍትሒታት ንነጽግ”

መሰል ህይወት ምሕላው፡ ንኹሎም ካልኦት መሰረታዊ መሰላት ዝድግፍን ኣገዳስን መሰረት ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት እዩ” እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ማዕርነት

ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ ካብ ዘይተወልደ/ዘይተወልደትን ክሳብ ኣረጋውያን/ኣረጋውትን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣዝዮም ድኹማትን ተቓላዕትን ጀሚርካ እንተዘይተኸብረ፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገጽ ዘይከኣል እዩ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስታት ኣብ ቤጂንግ ንዝኣተውዎ ቃል ኪዳን እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ኣተሓሳሲቦም፣ “ቀዳማይ ስክፍታ ኣዋጅን መድረኽ ተግባርን ቤጂንግ፡ ኣብ ድኽነት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስነ ሜላዊ መደብ ልምዓት፡ ምጥፋእ መሃይምነትን ትምህርትን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ምውጋድን ናይ ሰላም ባህልን፡ ከምኡ’ውን ተበጻሕነት ስራሕ፡ መሬት፡ ርእሰ - ማልን እደ ጥበብን ዝገልጽ፡ ሕጂ’ውን ሸለልል ይበሃል ኣሎ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘይጠቅም ኣብ ከፋፋሊ ጉዳያት ትኹረት ከም ዘይግበር ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ተስፋ ገሊጾም፣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣምላኽ ዝሃበን ክብሪ ብመንግስታት ክኽበርን ክፍጸምን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 Sep 2025, 15:24