ዕረፍቲ ካርዲናል ሉቺያን ሙሬሻን ዕረፍቲ ካርዲናል ሉቺያን ሙሬሻን 

ዕረፍቲ ካርዲናል ሉቺያን ሙሬሻን

ናይ ሮማንያ ግሪኻዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልሂቅ ዓቢ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ 2012 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝሰመይዎም ካርዲናል ሉቺያን ሙረሻን ኣብ መበል 94 ዕድመኦም ዕለት 25 መስከረም ኣብ ዓዶም ሮማንያ ከተማ ላጅ ከም ዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ሉቺያን ሙረሻን ዕለት 23 ግንቦት 1931 ኣብ ሮማንያ ዞባ ትራንሲልቫንያ ዝተወልዱን፣ ስርዓት ዴስነት ሮማንያ ኣብ 1948 ናይ ግሪኽ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከሳድድ ምስ ጀመረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከቋርጹ ተገዲዶም ከም ጸራቢ ከም ዝሰልጠኑን ትምህርቶም ድማ ብሕቡእ ይቕጽሉ ከም ዝነበሩን ከም ግሪኻዊ - ካቶሊክ “ዘይተደልየ ዘይቅቡል” ዝብል ውሳነ ኣብ ልዕለኦም ምስ ተመሓላለፈ ኣብቲ ኣብ ሮማንያ ናይ መጀመርታ ብሓይሊ ማይ ጸዓት ኤለትሪክ ዘመንጭው ፋብሪካ ኣብ ዝህነጸሉ ቦታ ክሰርሑ ከም እተላእኩን፣ ኣብ 1955 ጳጳስ ማርተን ኣሮን፣ ሙረሻን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ኣባላት ናብቲ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ከም እተቐበልዎምን ይኹን እምበር ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ራብዓይ ዓመቶም ኣብ ዘጠናቐቕሉ እዋን ብናይ ሮማንያ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተባሪሮም ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝኣተዉን ንዝቐጸለ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ብሕቡእ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ እናቐጸሉ ኣብ ጽገና ጽርግያን ድልድልን ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ናይ ነፍሰሄር ካርዲናል ሙሬሻን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሱ የመላኽት።

ኣገልግሎት ክህነቶም ብሕቡእ

ሙረሻን ዕለት 19 ታሕሳስ 1964 ብናይ ሃገሮም መንግስቲ ፍሉይ ምሕረት ምስ ተገበረሎም ድማ ብሕቡእ ብናይ ሰበኻ ማራሙረስ ተራዳኢ ጳጳስ ኢዮኣን ድራጎሚር ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ብፍላይ ንመንእሰያትን ንጸዋዕታን ተወፋይነት ብምግባር ብሕቡእ የገልግሉ ከም ዝነበሩን፣ ኣብ 1986 ናይ ማራሙረስ ኤጳርቅና ብሕቡእ ከመርሑ ጀሚሮም ናይቲ ኣብ ጸቕጢ ዝነበረ ህዝቢ እምነት የጽንዑ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምምላስ

ምፍራስ ሰውራ 1989ን ዴስነትን ኣብ ሮማንያ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ትሕቲ መሬትን ሕቡነትን ምስ ወጸት፣ ዕለት 14 መጋቢት 1990 ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሰበኻ ማራሙረስ ጳጳስ ንኽኾኑ ተሰምዮም ኣብ 1994 ድማ ንናይ ፋጋራስን ኣልባ ሉሊያን ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳት ቶድያ ተኪኦም ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝኾኑን፣ ኣብ 2005 ኣብቲ ኣዚዩ ስንኩፍ ዓመታት መዋቕራት ዳግማይ ምህናጽን ኣብያተ ክርስቲያናት ምምላስን ኣብ መንጎ ምእመናን ሓድነት ንምምላስን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ሮማንያ ብዓቢ ተወፋይነት ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣገልግሎት ንኩላዊት ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ሙሬሻን ኣብ ሮማንያ ንዝነበረ ሰፊሕ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እውን ኣገልጊሎም እዮም፣ ኣብ መንጎ 1998ን 2012ን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሮማንያ መሪሖም እዮም። ኣብ 2012 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ከም እተሰመዩን ድሒሩ ኣባል ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባል ኮይኖም ተመክሮኦም ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ውርሻ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሙረሻን

ብፁዕ ካርዲናል ሙረሻን ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝተረኽብሉ መርሓ ግብሪ እቲ ብምኽንያት እምነቶም ማእሰርትን መስጎጒትን ዝወረዶም ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ብጹዕ ዩሊዩ ዝኽሪ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝነበረን ኣብ መልእኽቶ ምስቶም ኣብ ግዱድ መንበር ንኽነብሩ ተፈሪድዎም ዝነበረ ብጹዕ ህሱ ዝነበሮም ሕቡእ ርክብ ብምዝካር፣ "ምስ ኣምላኽን ምስ ኵሎም ሰባትን ካብ ሃይማኖትን ዓሌትን ወጻኢ ዝነበሮም ዕርክነት” ከም ዝዘከሩን ብፍላይ ድማ ነቶም ሰጐጕቶም ኣሳደድቶምን ይቕረ ንምባል ዝድረኾም እምነት ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

26 Sep 2025, 17:30